ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መድሃኒት ይርከብ'ዶ ይኸውን?

ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ዘሎ እዋን፡ ዛጊት ክቐትሎ ዝኽእል መድሓኒት ይኹን መከላኸሊ ክታበት የልቦን።
ስለዚ ነዞም መድሕን ህይወት ዝኾኑ መድሓኒታት ክንረክብ ማዕረ ክንደይ ቀሪብና ንህሉ?
ክታበት ኮሮናቫይረስ መዓስ ኮን ኣብ ኢድና ክበጽሕ እዩ?
ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ምርምራት ብሓያል ፍጥነት እዩ ዝካየድ ዘሎ። ዛጊት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ክታበታት ኣብ ምምዕባል ይርከቡ ኣለዉ።
ንኣብነት ሓደ ክታበት ብዘይንቡር መገዲ ኣድማዕነቱን ዘስዕቦ ጎናዊ ሳዕቤናቱን ኣብ እንስሳታት ከይተፈተነ ብቀጥታ ኣብ ሰብ ተፈቲኑ ኣሎ።
ካልኦት ስነ-ፍልጠታውያን ወይ ከኣ ሊቃውንቲ ዓለምና ኣብ ደረጃ መርመራ ኣብ እንስሳታት ክገብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ደቂ ሰባት ናይ ዝግበር ፈተነ ግን ውጽኢቱ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክርከብ ተስፋ ከም ዘለዎ ኣሚቶም።


ሊቃውንቲ፡ ኣብዚ ዓመት ክታበት ከማዕብሉ ዝብል ዓቢ ተስፋ እኳ እንተለዎም፡ ንኹሉ ዝባጻሕ መድሓኒት ንምፍራይ ግን ዓቢ ስራሕ ይጽበዮም ኣሎ።
እዚ ማለት ከኣ ብተግባር ክረአ እንከሎ ክሳብ መፋርቕ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት፡ ኣብ ስራሕ ከይወዓለ ከም ዝጸንሕ ብሩህ እዩ።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ክታበት ምርካብ ጻዕርታት እምበኣር ሓድሽ ምህዞ ብምዃኑን፡ መዓስ ከም ዝውዳእ ስለዘይፍለጥን፡ ኩሉ ነገር ብጽቡቕ ከምቲ ዝድለ ክኸይድ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ፍጹም ኣይከኣልን።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ደቂ ሰባት ኣርባዕተ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከም ዘለዉ ክንፈልጥ ኣለና። ንሳቶም ከኣ ጠንቂ ናይ ሰዓል ኮይኖም፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ክታበት ኣይተረኽበሎምን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ክታበት ኣብ ምክልኻል ዕድመ ይፈሊ'ዶ ኾን ይኸውን?
ኣብ ዕድመ ዝደፍኡ፡ ብዙሕ ዕዉት ከም ዘይከውን ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ ካብቲ ክታበት ዘይኮነስ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ስርዓተ ምክልኻሎም ነዚ ክታበት ብግቡእ ግብረ መልሲ ስለዘይህብ እዩ።
እዚ ከኣ ዓመት መጸ ሰዓል ኣብ ዝተሓዙሉ እዋን እንርእዮ ክውንነት እዩ።
ጎናዊ ሳዕቤን ክህልዎ'ዶ ይኸውን?
ኩሉ ዓይነት መድሓኒት መዐገሲ ቃንዛ እውን ከይተረፈ ጎናዊ ሳዕቤናት ኣለዎ። ይኹን ደኣ እምበር ብዘይ ሕክምናዊ መርመራ፡ ዝኾነ ኣብ መስርሕ ዘሎ ክታበት እንታይ ዓይነት ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘለዎ ክፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።
እዚ ከኣ፡ ኩሉ ግዜ እቶም ተቖጻጸርቲ ኣካላት ብጥንቃቐ ክከታተልዎ ዝደልዩዎ ነገር እዩ።
ክታበት ዝግብኦ መን እዩ?
ክታበት ኣብ ዝምዕብለሉ እዋን፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ደረጃ ኩሉ ግዜ ናይ ቀረብ ሕጽረት ክህሉ ንቡር ስለዝኾነ፡ ቀዳምነታት ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
እቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ቀዳምነት ይወሃቦም። እዚ ሕማም እዚ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሃሳይነቱ ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝኾነ፡ እዚ ክታበት ነዚ ክሊ ዕድሜ እዚ ውጽኢታዊ ኮይኑ እንተተረኺቡ ቀዳምነት ይወሃቦም።
እንተኾነ ግን ነቶም ምስ ዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝነብሩን ዘናብይዎምን ክታበት ምሃብ ተመራጺ ይኸውን።
መድሓኒት ከ?
ሓካይም ኣንጻር እዚ ኮሮናቫይረስ ክሰርሕ ዝኽእል መድሃኒት እንተረኸቡ ኢሎም፡ ጸረ-ቫይረስ ዝኾነ ኣፋውስ ኣብ ምምርማር ይርከቡ።
ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ከየእትዉ ከኣ ነቲ መጽናዕቲ ብናህርን ብጥንቃቐን ኣብ ምክያድ ይርከቡ።
እዚ ፈተነታት ኣብ ሆስፒታላት በዚ ሕማም ኣብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ክካየድ እኳ እንተጸንሐ፡ ብመሰረት ዶክተር ብሩስ ኣይልዋርድ ካብ ዓለም ለኻዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝበሎ፡ "ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ውጽኢታዊ እዩ ኢልና እንሓስቦ መድሓኒት ሓደ ኮይኑ ንሱ ከኣ ረምደሲቪር (remdesivir) ጥራሕ እዩ።"
እዚ መድሓኒት ከም ናይ ኢቦላ መድሓኒት ኮይኑ ድሕሪ ምምዕባሉ፡ ብርክት ዝበሉ ቫይረስ ከም ዝቐትል ተፈሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን፡ ውጽኢት ናይቶም ዝስርሑ ዘለዉ ካልኦት ምርምራት ንጽበ ኣለና።
ጽምዲ ዝኾኑ ናይ ኤ.ኣይ.ቪ መድሃኒታት (ሎፒናቪርን ሪቶናቪርን) ውጽኢታውያን ክኾኑ ትጽቢት ነይሩ፡ ብኣንጻሩ ግን እቲ ውጽኢት ዘሕዝን እዩ ነይሩ።
እዚ መድሃኒት ናይ ኮቪድ-19 ንሕሙማት ከሕዊ ኣይከኣለን፡ ቁጽሪ ምውታትን ሕሙማትን ከጉድል ኣይከኣለን።
ብኣንጻሩ ኣብቶም ብጣዕሚ ተሃስዮም ዝነበሩ ሕሙማት ኣብ ዝተገብረ ፈተነ ኣስታት ርብዒ ሞይቶም። ምኽንያቱ፡ እቲ ኣፋውስ እቶም ሕሙማት ኣዝዮም ምስ ተዳኸሙ ስለዝተዋህበ ብግቡእ ኣይሰርሐን ክኸውን ይኽእል።
ኣብቲ ብዕድሜኡ ብዙሕ ዝገበረን ርትዓዊ ዋጋ ዘለዎን መድሃኒት ሕማም ዓሶ ክሎሮኲን እውን ብዙሕ ቆላሕታ ተገይሩ ኣሎ።
ውጽኢት መርመራ ላባራቶሪ ነቲ ቫይረስ ከምዝቐትል ይሕብር፡ እንተኾነ ግን ንሕሙማት ተዋሂቡ ንዘምጽኦ ውጽኢት ንጽበ ኣለና። እዚ መርመራታት ከኣ ኣብ ኣሜሪካን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ይካየድ ኣሎ።
ክሳብ ክታበት ወይ ፍወሳ ዝዳሎ እንታይ ክገብር ኣለኒ?
ክታበት ረኽስታት ይከላኸል እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ግን እቲ ዝበለጸ ክንክን ግቡእ ጽሬት ምሕላው እዩ።
ብኮሮናቫይረስ እንተ ተለኺፍካ፡ ንመብዛሕትኦም ሰባት ቅልል ዝበለን ኣብ ገዛ ዕረፍቲ እናወሰድካን ብፓራሲታሞል ዝበሃል ናይ ቃንዛን መድሃኒት እናወሰድካን፡ ብዙሕ ፈሳሲ እናሰተኻን ክትከላኸሎ ትኽእል።
ገለ ገለ ሕሙማት ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ሕማም ከማዕብሉ ስለዝኽእሉ ሕክምናዊ ክንክን ኣድላዩ እዩ።
ክታበት ብኸመይ ክትሰርሕ ትኽእል?
ክታበት ብዘይጉድኣት ንባክተርያን፡ ቫይረስን (ካልኦት ንእሽተይ ክፋላቶምን) ብስርዓተ ምክልኻል ከም ዝረኣዩ ይገብር።
ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ከኣ ከም ወረርቲ ይርእይዎም እሞ ኣንጻሮም ናይ ምቅላስ ዓቅሚ የጥርዩ። ድሕሪ'ዚ፡ ኣካላትና እንተደኣ ተቃሊዑ፡ ነቲ ረኽሲ ከመይ ጌይሮም ከም ዝቃለስዎ ይፈልጡ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ከገልግል ዝጸንሐ ቀንዲ ሜላ ክታበት፡ ነቲ መበቆላዊ ወይ ከኣ ናይ ፈለማ ቫይረስ ብምጥቃም እዩ ነይሩ።
ክታበት ንፍዮ፡ ጽግዕን ሩበላን (MMR) በቲ ዘይጓዳእን ዝደኸመን፡ ሕማም ዘየስዕብን ዓይነት ናይቲ ቫይረስ እዩ ተሰሪሑ።
እዚ ሓድሽ ክታበት ናይ ኮሮናቫይረስ ግን፤ ሓደሽትን፡ ብዙሕ ዘይተመርመሩን "plug and play" ወይ ከኣ ጥዕም ግድፍ ዝዓይነቱ ኣገባብ ዝተኸተለ ሜላ ክታበት እዩ።
ምኽንያቱ ነቲ መበቆላዊ ኣመጻጽኣ ናይ ኮሮናቫይረስ Sars-CoV-2 ስለእንፈልጦ፡ ነቲ ቫይረስ ክንሰርሖ ሓደ ምሉእ ዝኾነ ውጥን ኣለና።
ሊቃውንቲ ንገለ ክታበታት ንእሽተይ ክፋል ናይ መበቆላዊ ኣመጻጽኣኡ ብምውሳድን ኣብ ካልኦት ዘይተጓዳእቲ ቫይረስ የቐምጥዎ።
ሕጂ እምበኣር ንሓደ ሰብ በቲ ዘይጓዳእ ቫይረስ ለቢድካ፡ ኣንጻር ረኽሲ ዝኾኑ ስርዓተ ምክልኻል ከም ዝጥርዩ ምግባር እዩ እቲ ሓሳብ።
ካልኦት ከኣ ጥረ ዝኾነ ገለ ክፋል ናይ መበቆላዊ ኣመጻጽኣ (DNA or RNA) ተጠቒሞም፡ ኣብ ኣካላትና ብምእታው ቫይረሳዊ ፕሮቲን ብምስራሕ እቲ ስርዓተ ምክልኻልና ከም ዝቃለሶ ይገብሮ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







