ኮሮናቫይረስ፡ ጾር ነርስታት ኣብ እዋን ለበዳ ተመሓላለፍቲ ሕማማት

ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ
መግለጺ ስእሊ, ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ

ብቀረባ ዝፈልጥዋ ሕያወይቲ፣ ቅንዕትን ርህርህትን እያ ይብሉዋ። ተሓከምቲ ቓንዝኦምን ጸገሞምን እንተካፍሉዋ ንምስማዕ ዘይትርብርብ፣ ንመሰላቶም እትማጎት በዓልቲ ሞያ ምዃና'ውን ይምስክሩላ።

ብ1980 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ናብቲ ሞያ ዝተጸምበረት ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት በቲ ሞያ ኣገልግሊላ። ሕጂ ኣማኻሪት ፖሊሲ ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕና መንግስቲ ኮይና ትሰርሕ ኣላ።

ሲስተር ሃረገወይኒ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመ ብ7 ዓመት ብምንካይ ከቢድ ምጉዳል መፍረያይ ሓይሊ ሰብ ዘስዓበ ለበዳ ኤችኣይቪ ኤድስ ዝወለዶ ክሳራን ለበዳ ኢቦላ ዝፈጠሮ ራዕድን ብቐረባ ትዝክር።

በዓልቲ ሞያ ነርስ ምዃና ዕድለኛን ምረቓን እዩ እትብል ነርስ ሃረገወይኒ፡ ብስነ ምግባር፣ ተሞኩሮ ትምህርትን ናይ ብዙሕ ሰብ ኢድ ሓሊፉና ብጽቡቕ ዝተመሃርና ኢና ክትብል ንሞይኣ ዘለዋ ክብሪ ትገልጽ።

ኣገልግሎት ነርስ ድማ፡ ኣብ ሕርሲ፣ ምዕባይ ቖልዑ፣ ምልዓል ሕሙማት፣ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ካልኦትን ዘለዎ ግደ ቀሊል ኣይኮነን።

"ብተገዳስነት ንህዝቢ እተገልግለሉ፣ ምስ ሰብ ዘፋቕር ብሉጽ ሞያ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ነርስ ብምዃንካ ንስድራኻ: ኣብ ኣመጋግብኦም ጽርየት፣ ምሕላው ጥዕና ብዙሕ ኢኻ ትድግፍ" ክትብል ካብቲ ንኡሽቶ ዝመስል ሓላፍነት ትጅምር።

ወሲኻ፡ "ነርሲን ናይ ናይ ሕልና ሞያ ስለ ዝኾነ ሽምዓ ሒዝና ኣብ ቅድሚ ፈጣርን መምሃራንን ጉባኤ ተገይሩ ብጽርየት ንክንሰርሕ ቃል ኪዳን ኢና ንኣቱ። ቃል ኪዳን ድማ ንውሽጥካ እዩ ዝኣቱ። በዚ ምኽንያት ኣብ ግዜ ማቻ ወይ ራህዋ ዘይኮነ ኣብ ዝኾነ ይኹን ህሞት እጃምካ ንክተወፊ ስለ ዝገብር በዚ ረቂቕ ይገብሮ" ትብል።

ኣብ ናይ ጥዕና ሞያ፡ ብቓንዛ ዝሳቐ ሰብ ምሕብሓብ፣ ኣብ ሞንጎ ሰብ ህይወቱ ክሓልፍ ምትእንጋድ፣ ህይወት ንክህብ ህይወት ዝስእን ሰብ ክገጥመካ ከሎ ምርኣይ ልዕሊ እቲ ንሰዓታትን መዓልታትን ደው ኢልካ እተሕልፎም ከበድቲ መዓልታት እዮም።

"ኣብቲ መጀመርታ በዚ ሞያ ስራሕ ክጅምር ከለኹ ቀሊል ኣይነበረን። ምስ ኣለዓልካዮም ገሊኦም ኣይሓውዩልካን። ሽዑ ምስቲ ቤተሰብ ማዕረ ውሽጥኻ ይጉዳእ። ዘሰክሕ ዓይነት ቑስልን መድመይትን ለሚድካ ኣገልግሎት ምሃብ'ውን ቀሊል ኣይነበረን" ትብል ነርስ ሃረገወይኒ።

ሲስተር ሃረገወይኒ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ብሞያ ነርሲንግ ተመሪቓ ስራሕ ክትጅምር ከላ፡ ትግራይ ኣብ ርእሲ ርእሲ ዝተደራረበ ኲናት፣ ሕጽረት ናውታት ሕክምናን ተላበድቲ ሕማማትን ዝበሉ ሰለስተ ዓበይቲ ጸገማት ነይሮምዋ።

"ብዙሕ መጉዳእቲ ንርኢ ስለ ዝነበርና እዚ ንመንፈስካ ብጣዕሚ እዩ ዝጎድኦ። ካልኣይ በቲ ዝተመሃርካዮ መጠን ክትሰርሕ እናደለኻ እቲ ቀረብ ስለ ዝሓጽር ክተርፍ ዝኽእል ህይወት ክተተርፍ ብዘይምኽኣልካ ትጉሂ።

"ካልእ ሰኣን ተጠንቂቕኻ መኪና ምዝዋርን ጽቡቕ ትሕተ ቕርጺ መገድን ከጓንፉ ዘይግብኦም ሓደጋታት እናጋጠሙ ብሓደ ግዜ ብዙሕ ሰብ ተጎዲኡ ናብ ሕክምና ይመጽአካ፤ እቲ ዘለና ሕክምና ግን ነዚ ክሕግዝ ዘይኽእል ኮይኑ ክትረኽቦ ከለኻ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝን" ትብል።

ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ ምስ ደቂ ክላሳ

ምንጪ ስእሊ, ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ

ምንክብኻብ ጥዕና ዓለምን ነርስታትን

ነርስታትን ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን፡ ኲናት፣ ተላበድቲ ሕማማትን ካልኦት ስግኣታት ጥዕናን ህልውና ሕብረተሰብን ክኽሰቱ ከለው መሪሕ ምድሓን ህይወት ኮይኖም ሃገራዊ ጻውዒታት ኣብ ምኽባር ዓብዪ መስዋእትነት'ዮም ዝኸፍሉ።

"መልኣክ ክሬሚያ" ኢሎም ዝሰምዩዋ ኢንግሊዛዊት ፍሎረንስ ናይቲንጌል፡ ምኽንያት እዚ ሎሚ መዓልቲ ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ነርስታት እያ።

ንሳ፡ ብ1853-65 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ዝነበረ ኲናት ክሬሚያ ንዝተወግኡን ዝቖሰሉን ወተሃደራት ሕክምናዊ ረድኤት ዝሃበ ጉጅለ ነርስታትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ዝመርሐት በዓልቲ ሞያ እያ።

እዚ ጉጅለ ነርስታት ብዝገበሮ ልዑል ጻዕርን ተዋፋይነትን ድማ ኣብቲ እዋን ኣብ ሆስፒታላት ከጋጥም ዝኽእል ዝነበረ ሞት እቶም ዝቖሰሉ ወተሃደራት: ብክልተ መሰለስ ክንኪ ክኢሉ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንዝኽራ: ናይ ክብሪ ዕምበባ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣብ ዝርከብ መቓብራ ሕቑፊ ዕንበባ ከተንብር ዕድል ዝረኸበት ሲስተር ሃረገወይኒ ኣለሙ፡ "ኣብ ዓለም ዘለና ነርስታት ደቀ መዝሙር ፍሎረንስ ናይቲንጌል ኢና" ክትብል ክብሪ ዝግብኦ ሞያ ምዃኑ ትዛረብ።

ብሚሊዮን ዝቑጸር ህዝቢ ዓለም ዝቐዘፉ ለበዳታት ተራእዮም እኳ እንተሓለፉ፡ ሕጂ ድማ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ብዝተኸሰተ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም።

ዝርግሐ ነዚ ክሳብ ሕጂ ሞት 286 ሽሕ ሰባት ዘስዓበ ሕማም ንምዕጋት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ህይወት ሰባት ከድሕኑን እቲ ቫይረስ ደው ክብልን ዝቃለሱ ዘለው ድማ ነርስታትን ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕናን እዮም።

ሰኣን እኹል መከላኸሊ ናውታት: በዚ ሕማም ተለኺፎም ህይወቶም ዝሰኣኑ'ውን ውሑዳት'ኳ እንተዘይኮነ ክሳብ ሕጂ ይቃለሱ ኣለው።

"እዚ ሕማም ኣብ ዓብዪ ስግኣት ኣእቲዩና ኣሎ። ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ትሑት እቶት ኣብ ዘለወን ዓድታት ዘሎ ነርስ ንብዙሕ ሕማማት ተቓሊዑ እዩ መዋእሉ ዘገልግል። ብዙሓት ኣገልግሎት እናሃቡ ዝሓልፉ ነርስታት ንርኢ፤ እቲ ሞያ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ግን ገጹ ኣይዓጽፍን። ክኽፈል ዝግብኦ መስዋእቲ ይኸፍል እምበር ኣይሃድምን፤ ግን እቲ ናይ መከላኸሊ ናውታት ክማላእ ኣለዎ" ክትብል ትላቦ።

ጾር እዚ ሞያ እንታይ'ዩ?

ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ሰብ ሞያ ጥዕና እቶም ልዕሊ ፍርቂ ነርስታት እኳ እንተኾኑ ብፍላይ ትሑትን ማእከላይን እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ጠለብ ነርስታት በቲ ዝድለ ቑጽሪ ኣይተማልአን ዘሎ።

ዓለም፡ ነዚ ክፍተት ዝመልኡላ ተወሰኽቲ 5.9 ሚሊዮን ነርስታት ትደሊ።

ንልዕሊ 30 ዓመታት ብሞያ ነርስ ዘገልገለት ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ ኣብዚ ዕለት እትብሎ ኣለዋ።

ስርዓት ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ምምሕያሽ እንተርኣየ'ውን፡ ብዓሶ፣ ኤችኣይቪን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዘጋጥም ሞት ሕጂ'ውን ኣሎ።

እዞም ሕማማት መሊኦም ክሳዕ ዘይጠፍኡ ወይ'ው ዘይነከዩ: ጾር ናይቲ በዓል ሞያ ሕክምና ካብ ምዃን ዓዲ ኣይውዕሉን።

"ክትከላኸሎም እትኽእል ከም ኮሌራን ተምላስን ዝበሉ ሕማማት ሰብካ ክወሰደልካ ከሎ ምርኣይን፣ እቲ ናይ ኤችኣይቪ ዘመን እውን ኣብቲ ስራሕ ምጅማርና ዝተባርዐሉ ብምንባሩ፡ ብዙሕ ሰብ ሰኣን መድሓኒትን መለዓልን ክረግፍ ንርኢ ነይርና፤ ምናዳ ህጻናት ክትርኢ ከለኻ መዓንጣኻ ብትኽ የብሎ" ብማለት ጸቕጢ እቲ ሞያ ከቢድ ምዃኑ ንምርዳእ ትፍትን።

ነርስታት ኮነ ካልኦት ሰብ ሞያ ጥዕና ንኸምዚኦም ዝበሉ ሕማማት ተቓላዕቲ ከም ዝኾኑ እትዛረብ ነርስ ሃረገወይኒ፡ ህይወት ካልኦት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ምርብራብ ብዙሓት ሰብ ሞያ ግዳያት ከም ዝኾነ ትገልጽ።

"እቲ ስራሕ ጸሓይ ኣይዓርቦን፤ ስለ ዝኾነ ኣብ ውልቃዊ ህይወትካ ዘሕድሮ ጽልዋ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብዚ ስራሕ እትሕጎሰሉ ህሞት የለን ዘይኮነ: ዝበዝሕ ግን መከራ ክትሰምዕ ስለ እትውዕል ሕልምኻ ባዕሉ እቲ እትውዕሎ ይኸውን። ሓደ ናይ ሆቴል ማናጀርን ሓደ ነርስን ዝህልዎም ደረጃ ጭንቀት ዝተፈላለየ እዩ" ትብል ሲስተር ሃረገወይኒ ኣለሙ።

ሰኣን እኹል ግንዛበ ነርስታት ብዙሕ ዘይደኽማ/ሙ ዝመስሎ ክፍሊ ሕብረሰተብ ምህላው እትዛረብ ሲስተር ሃረገወይኒ፡ "ሓንቲ ለይቲ ድቃስ ስኢኑ ሓዲሩ ዘይፈልጥ ሰብ ጸውራ እቲ ስራሕ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ዘይከስተውዕሎ ይኽእል እዩ" ብማለት ትገልጾ።

ስለ ምንታይ ግን ነዚ ሞያ ብሂገ? ኣብዚ ዘይምርካብ ምሓሸኒ፤ ዝበለትሎም ኣጋጣሚታት ብዙሓት እዮም።

እቲ ለበዳ ኤችኣይቪ ኤድስ ዝተርኣየሉ ዘመን ፈጺሙ ካብ ሕልንኣ ዘይወጽእ ሕማቕ ዝኽሪ ምዃኑ ድማ ትገልጽ።

"እቲ ግዜ ንሱ ክትሓስቦ ከለኻ ልብኻ እዩ ዝሰብሮ፤ ታይ መዓልቲ እየ ነዚ ሞያ ዝመረጽኩ ዘብል ነይሩዎ። ምኽንያቱ እቲ ድኻምካ ፍረ እንትስኣኖ ከምኡ ኢኻ ትብል። ዓርስኻ ንኸምዚ ዓይነት ሕማማት ኣቃሊዕኻ ክትሰርሕ ድማ ከቢድ እዩ። ብዙሕ ስቓይ ኣለዎ፤ ኣብ ሞንግኡ ድማ ምኽንያት ኮይንካ ሰብ ክድሕን ክትርኢ ከለኻ ሓጎስ ይስማዓካ" ኢላ።

ብርግጽ ሕክምና ሓበራዊ ስራሕ እዩ። ካብ ናይ ጽርየት ሰራሕተኛታት ጀሚሩ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ ጸፍሒ መሪሕነት እቲ ግብረ ሓይሊ ዘለው ኣካላት ተወሃሂዶም ብዝሰርሑዎ ስራሕ ውጽኢታውነቱ ይምዘን።

ደገፍ ሰብ ሞያ ነርስ ዘይብሉ ሕክምና ግን ዳርጋ ኣፍ ደጌ ዘይብሉ ገዛ ምዃኑ እዩ።

"ብሓቂ፡ ሕብረሰተብ: ክንደየናይ ዋጋ ንኸፍል ከም ዘለና፣ ኣይመዝገብናዮን እምበር ክንደይ ዝኣክል ነርስ ካብ ሕሙማት ኤችኣይቪ ከም ዝተለኸፉን ብካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝተጠቕዑን ብዙሓት ጀጋኑ ሰብ ሞያ ከም ዘለው ክፈልጥ ይግባእ" ትብል።

ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ

ምንጪ ስእሊ, ነርስ ሃረገወይኒ ኣለሙ

"ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ውክልና ክህልወና ምደለኹ"

ቀረብ ኣገልግሎት ጥዕና ኢትዮጵያ ምምሕያሽ እንተርኣየ'ውን ሙሉእ ግን ኣይኮነን። ሕጂ'ውን ካብ መሰረታዊ ቀረባት ማይን መብራህትን ክሳዕ ዓበይቲ መሳርሒታት ሕክምናን ኣምቡላንስን ዝበጽሕ ሕጽረት ኣለዎ።

እዚ ዳርጋ መሰረታዊ መሰላት ክጎድሉ ምርኣይ እዩ ክትብል፡ ሲስተር ሃረገወይኒ ትገልጽ።

"ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ወረዳታትን ጣብያታትን፡ ኣብ መዓልቲ 5 ጀሪካን፤ ንሱ'ውን ካብ ዒላ ዝመጽአ ማይ ጥራሕ ዝፍቀደሉ ኣሰራርሓ ኣሎ። በዚስ ዘገልገልናሉ ኣቕሓ ዲና ወይስ ሓራስ ኢና ክንሓጽብ ኣይኮነን ክኣ ኢድና ዲና ክንሕጸብ ኣይርድኣካን። ንሕና ጥዕና ሕብሰረተብና ንምሕላው ሄሊኮፕተር ኣምቡላንስ ተትህልወና ኣይንጸልእን ግን እቶም ዘለውና ጸገማት ብምርኣይ ነዚ ናብ ዘረባ ኣይነልዕሎን፤ ትግራይ ብማይ ኣዕለቕሊቓ እናተብሃለ ማይ ብርቂ ክኾነካ ከሎ፡ ተስፋ ትቖርጽ"።

ብኻልእ ወገን፡ ብምኽንያት ሕጽረት ግንዛበ ሕክምና ኣሞናጉዩ ዝኸይድ፣ ክከላኸሎም ብዝኽእል ሕማማት ዝሓምም፣ ድኻም ናይቲ በዓል ሞያ ጥዕና ከይተረድኦ ዝሓልፍ ሰብ ምህላዩ ትገልጽ።

"ኣብ ትግራይ 48 ሚኢታዊት ድኽዳኸ ኣለና፤ እዚ ማሕበሰረብ ሒዝካ ውሑስ ጥዕና ክትፈጥር ኣጸጋሚ እዩ፤ እዚ ምስ ሕጽረትን መግብን ስርዓት ኣመጋግባን ብዝተኣሳሰር ዝመጽእ ስለ ዝኾነ ትኹረት ክንገብረሉ ይግባእ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ብፌስቱላ ዝጥቅዓ ደቂ ኣንስትዮ ሕጂ'ውን ኣለዋ፤ ዳርጋ ኣብ ዓለም ዘየለው ሽግራት ኩሎም ኣባና ክትርእዮም ከለኻ ትሓዝን። ግን ሞያ ነርሲንግ ጻውዒት እዩ ኢለ ስለ ዝኣምን ምስቲ ዝኣተኻዮ ቃል ኪዳን ኢኻ ትነብር። ኣነ ድማ በዚ ሞያ ብዙሕ ዝተረባሕኹ እየ" ኢላ።

ከም ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዎም ውክልና ትሑት ከም ዝኾነ እትዛረብ ሲስተር ሃረገወይኒ፡ ጽርየት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ ኣብ ዝግበር ምርብራብ ኣብ ፓርላማ ከይተረፈ ነርሲንግ ውክልና ክህልዎ ድልየት ከም ዘለዋ ትዛረብ።

"ባህገይ ንሱ እዩ። ኣብቲ ናይ ጥዕና ጉዳይ ድምጾም ከስምዑ ይብህግ፤ ግን ኣይኮነን'ዶ ኣብ ፓርላማ ንነርስታት ዝተሰርሐ ደርፊ'ኳ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ልዕሊ ፍርቂ ሞያ ሕክምና ክንሱ፤ ክንዲ ዝኣክል ሓይሊ ዕማም ውክልንኡ ውሑድ እዩ። እዚ ኩሉ ክዕረ ኣለዎ።

. . . መናእሰይ ሃሪፎምዎ ንክኣትው፣ ተወፊዮም ንከገልግሉ ማሕበረሰብ ነዚ ሞያ ኣፍልጦ ክህብ ኣለዎ። መንግስቲ'ውን ከምኡ እቶት'ውን ክሕሰበሉ ምተኽኣለ ምፈተኹ"።

ሰብ ሞያ እዚ ዓውዲ፡ ብምኽንያት ጻዕቒ እቲ ስራሕ ብዙሕ ግዜ ካብ ስድርኦም፣ ማሕበራዊ ናብራን ፍጻሜታትን ዝተፈለዩ ምዃኖም ይዛረቡ።

ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ፡ ዚያዳ ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ንክኾኑ ኣገዲዱዎም ይርከብ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ዳርጋ ኣብ ኩለን ክልላት ኣትዩ ብምህላዩ፡ እቲ ዘለዋ ውሑድ ቑጽሪ ሰብ ሞያ ነዚ ናይ ሓደጋ እዋን ድልዊ ኮይኑ ህይወት ዜጋታት ከድሕን ትጽቢት ይግበሮ።