ጓል ኣንስተይቲ፡ 'ወላድየይ ጓለይ ኣይትምርዖን እናበለ ካብ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣትሪፉኒ'

ምንጪ ስእሊ, Haregewoini Assefa
ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ፡ ንትምህርቲ ድሩት ቆላሕታ ኣብ ዝነበሮ ከባቢ ወርዒ ተወሊዳ ዓብያ።
መሓዙታ፣ ኣዝማዳን መተዓብይታን ጌና ሰብነተን ከይደልደለ፡ ኣብ ዝጻወታሉን ዝመሃራሉን ዕሸል ዕድሚኤን ኻልእ ሓላፍነት ናብ ዝስከማሉ መርዓ ትሕቲ ዕድመን ሓዳርን ይኣትዋ ነይረን።
ወላዲ ኣቦ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ግን "ጓለይ፡ ኣቦይ-እዝጊ ወዲ እንተዘይወሊዶም፡ ኣይትምርዖን ክትመሃር እያ" ይብሉ ምንባሮም ትዝክር።
እንተኾነ፡ ሃረገወይኒ ከም መሓዙታ ከይተመርዓወት ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻዳ ኣይተመስገነትን።
ዓሰርተ ክልተ ዓመት ኣቢላ ምስገበረት፡ ካብ ኣዝዩ ድሑር ባህላዊ እምነት፡ 'ጓል ኣሰፋስ ምክት ድያ ክትሕረድ' ክብሉዋ እናሰምዐት ዓብያ።
ወላዲ ኣቡኣ ኣቶ ኣሰፋ ኣንጻር እዚ ድሑር ባህሊ ኮይኖም ዘብዐኛ ጓሎም ከም ዝነበሩ እትዛረብ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ኣቦይ፡ ዓቕመይ ስለዝገመተ እዩ ይመስለኒ፡ "ጓለይ ክትመሃር ኣለዋ ኢሉ" ካብቲ ክበጽሓኒ ዝኽእል ዝነበረ ጸቕጢ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ኣድሒኑኒ" ትብል።
ወለዳ፡ ኣብ እንዳ ኣቕሽሽቲ ፊደል ክትቖጽር ዝለኣኹዋ ጓሎም ኣብ ዘበናዊ ትምህርቲ እውን ጸብለል ዝበለት ተመሃሪት ኮነትሎም።
"ሽዑ ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ክሰርሓ ትጽቢት ስለ ዘይግበር፡ ኣነ ንፍዕቲ ምዃነይ ብዙሕ ኣፍልጦ ረኺቡ፤ መምሃራነይ ድማ ኣተባቢዖምኒ። ድሕሪኡ ዝኾነ ዓይነት ጸቕጢ ተጻዊረ ክሳዕ መወዳእታ ትምህርተይ ከየቋረጽኡ ኣዐዊተዮ"።
ጓሎም መሪቖም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹ ወለዳ ግን፡ ተመሃሪት ካልኣይ ብርኪ ምስ ኮነት ብሓደ ነገር ክስነፉ ተቓሪቦም።
ብሓደ ሸነኽ ወፍሪ ቀይሕ ራዕዲ ዝተጀመረሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ቤት ትምህርቲ ጥርሑ ተሪፉ ብዙሓት መናእሰይ ናብ ገድሊ ዝወጽእሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ብከቢድ ስግኣት ድሕነታ: ደሓን ትምህርቲ ይትረፈና በሉ።
ሃረገወይኒ ዝነበርኣ ኣማራጺ ክልተ እየን፤ እቲ ኩነታት ተቐቢላ ጸኒዓ ትምህርታ ምቕጻል፡ ወይ'ውን ልክዕ ከምቶም ሓጺር ስረ ዓጢቖም፣ ሽርጥ ጠምጢሞም ብረት ክስከሙ ንመስዋእቲ ናብ በረኻ ዝወፈሩ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባ-ዕትዮን ናብ ሜዳ ምውራድ።
ሃገረወይኒ፡ እታ ቐዳመይቲ ምርጫ ወሲዳ፤ ትምህርታ ክትቕጽል ናብ ዓድዋ ቤት ትምህርቲ ንግስተ ሳባ ከደት።
"ሽዑ ንኣቦይ ለሚነ'የ ከይደ፤ ናብ ዓድዋ ግን ሬሳ እናረገጽኩ'የ ኣትየ። ለይቲ ጠያይቲ ክትኮስ ስለ ዝሓድር፡ ይውጋሕ ኣይውጋሕ እንፈልጦ ነገር ኣይነበረን፤ ተመሊስካ ክትሓስቦ ከለኻ ዘሰቅቕ'ዩ" ትብል።
በቲ እዋን፡ ኣብ ትግራይ ዩኒቨርሲቲ ስለ ዘይነበረ ትምህርትካ ንክትቕጽል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ ድማ ካልእ ፈተና ኮይኑ መጽአ።
ሃረገወይኒ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኸደትሉ እዋን ክትዝክር እንከላ፡ "ኣብ መገዲ ድማ ኣብ መንጎ ደርግን ህወሓትን ውግእ ስለ ዝነበረ ብርእስና ጠያይቲ እናተወንጨፉ ህይወትና ባዕሉ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Haregeweyni Assefa
'መዓዝ ከም ዝምለስ ኣይፈልጥን ነይረ'
ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ኣሰፋ፡ ብተፈጥሮይ ትምህርቲ ከቢዱኒ ኣይፈልጥን እያ ትብል። ብሒሳብን ኬሚስትርን ድማ ዝለዓለ ነጥቢ ተምጽእ ነይራ።
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወት [ብ1973 ዓ.ም ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ]፡ ክፍሊ ትምህርቲ ፋርማሲ መሪጻ ብምእታው ብጸብለልታ ነጥቢ ተመሪቓ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ካብቲ ዪኒቨርሲቲ ተመሪቓ ምስ ወጽአት ግን ቀልጢፋ ሓዳር መስሪታ፤ ኣደ ክልተ ቆልዑን መምህር እቲ ዩኒቨርሲቲን ኮነት።
ንትሸዓታ ዓመታት መምህር ፋርማሲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮይና ዝሰርሐት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ደረጃ ትምህርታ ንምዕባይ "ናጻ ትምህርቲ ዕድል ረኺበ ትምህርተይ ክቕጽል ኣለኒ" ዝብል ባህጊ ይመላለሳ ስለ ዝነበረ እቲ ዕድል ክሳዕ እትረክብ ብሙሉእ ልባ ደቂሳ ኣይትፈልጥን።

ምንጪ ስእሊ, Haregeweyni Asefa
ድሕሪ ትሸዓተ ዓመት ድማ እቲ ዕድል ረኺባ፡ ናብ ኣሜሪካ ክትኸይድ ግድን ኮነ፤ ህጻውንቲ ቖልዑኸ መን ክርእዮም?
"እቲ ዕድል ከምልጠኒ ስለ ዘይደለኹ፡ ከቢድ ግን ድማ ትኽክለኛ ዝብሎ ውሳኔ ወሲነ። መዓንጣይ ኣሲረ መዓዝ ከም ዝምለስ ከይፈለጥኩ ደቀይ ገዲፈዮም ከይደ፤ ከም ኣደ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ብጣዕሚ ከቢድ ግን ትኽክለኛ ውሳነ ነይሩ" ትብል።
በዚ ምኽንያት፡ ደቃ ክትኣልየላ ሓደራ ሂባታ ዝኸደት ኣላይት ከይተረፈት ቅርታ ተሰምዓ፤ ሰባት ርህራሀ ዘይብላ ክሳዕ ዝመስሎም እዚ 'ጭካነ' እዩ ኢሎም ቅርታ ሓደሮም።
"ምስ ከድኩ ሰሲዐ ድየ? ትኽክል ድየ? ደቀይ ገዲፈዮም መጺአ ኣለኹ፤ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎም ይኸውን? ዝብል ሕልናዊ ሞጎት ይገጥመኒ ነይሩ" ዝበለት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ምስ ነብስኻ መኺርኻ ዝወሰንካዮ ውሳነ ካብ ደገ ብዝበጽሑኻ ጸቕጥታት ተፍርሶ እንተኾይንካ ግን ንድሕሪት'ዩ ዝጎተካ ትብል።
"ንሰብ ሓቂ ሃልዩካ ዘይክተእምን ሓቂ ዘይብልካ ድማ ክተእምን ትኽእል ኢኻ፤ ንሕልናኻ ግን ክተዐሽዎ ኣይትኽእልን። ብዘይሸፍጢ እትውሰኖ ድማ ኩል ግዘ ሓይሊ ይህበካ'ዩ" ብማለት ብውሳንኣ ከም ዘይትጠዓስ ትገልጽ።
ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ ዝረኸበቶ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ሳልሳይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኤምባሲ ኣሜሪካ ንደቃ ጥራሕ ስለ ዘፍቀደሎም ሰብኣያ ተሪፉ ንደቃ ወሲዳቶም።
ትምህርቲ ወዲእኻ ክትምረቕ፣ ልዕሊ 10 ሰዓት ኣብ ቤተ ፈተነ ጸኒሕካ መሊስካ ቖልዑ ክትኣሊ ግን ቀሊል ኣይነበረን።
"ብተፈጥሮ ትምህርቲ ከቢዱኒ ኣይፈልጥን፤ መነባብሮ እዩ ንትምህርቲ ዝጎቶ። ሚሲሰፒ ድማ ንኡሽቶን ኢትዮጵያውያን ዘይብሉን ከተማ ብምኻኑ ቖልዑ ሒዝካ ኣብ ቤተ ፈተነ ምውዓል እምበር ኣብ ትምህርቲ ኤን ቢን ምምጻእ ሽግር ኣይኮነን" ኢላ።
እዚ ነቲ ትምህርተይ ዕንቅፋት ክኸውን ተኽእሎ'ኳ እንተነበሮ ጥንካረ ስለ ዝነበረኒ ግን ንኹሉ ክጻወሮ ክኢለ እየ ዝበለት ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ "ናተይ ምምሕያሽ ንደቀይ ምምሕያሽ'ዩ ኢለ ኣሚነ ስለ ዝኸድኩ፡ ድሕሪኡ ካልእ ናብራ ከይመስረትኩ ንእስነተይን ህይወተይን ንደቀይ ሂበ ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሐዮም እየ" ኢላ።
ናይ መጀመርታ ጓላ ብጋዜጠኝነት ወዳ ድማ ብኮምፒዩተር ቴክኖሎጂ ተመሪቖም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ስራሕ ይርከቡ።
እንተ እቶም ድርኺት እዚ ብትምህርቲ፣ ስራሕን ኣተሓሳስባን ዝወነነቶ ዓወትን ስብእናን ዝኾኑ ወላዲ ኣቡኣ ግን እዚ ኹሉ ዓወታታ ንምርኣይ ኣይተዓደሉን፤ ገና ተመሃሪት ካልኣይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኮነት'ዮም ሞይቶም።
ንሳ ግን ክሳብ ሕጂ፡ 'ኣቦይ ዝወዓለለይ ውዕለታ' ክትብል ነናሻዕ ንምስጋና ተልዕሎም።
ትምህርትን ምህዞን
ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ብምህዞ መድሓኒት [ሜዲስናል ኬሚስትሪ] ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ሳልሳይ ዲግሪ ተማሂራ።
ቐጺሉ ካብ ሚሲሲፒ 100 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቴኔሲ ብተወሳኺ ንሰለስተ ዓመት ድሕረ ዶክትሬት ስልጠናታት [ፖስት ዶክትሪያል ፌለውሺፕ] ወሲዳ።
ድሕሪኡ ናብ ቦስተን ብምኻድ ኣብ ሓደ ጸረ ባክቴሪያ መድሓኒት ዘፍሪ ትካል ፋርማሲ ተቖጺራ ንሸውዓተ ዓመት ሰሪሓ። ናብ ምምሃር ምስትምሃር ተመሊሳ እውን ንትሸዓተ ዓመት ሰሪሓ።
ኣብ ገዕዞኣ ጽኑዕ ሓሳብ ዝሃበትሉን ዲዛይን ዝገበረቶን ብምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ኣሜሪካ ዝጸደቐ ጸረ ባክቴሪያ ፈጸጋ ምሂዛ።
ምህዞኣ ብነሓሰ 2019 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን]፡ ኣሜሪካን ኬሚካል ሶሳይቲ፡ ጀግና ኬሚስትሪ [ሂሮ ኦፍ ኬሚስትሪ] ንዝብል ሽልማት ኣብቂዑዋ።
ኣብ ኒውዮርክን ካሊፎርኒያን፡ ብዝተፈላለየ ዓውዲ ምምሕዳር ተመሃሮን ትምህርትን ተሓጋጋዚትን ሙሉእ ፕሮፌሰርን ኮይና ሰሪሓ፤ ሕጂ፡ ድሕሪ 26 ዓመታት ናይ ኣሜሪካ ጻንሒት ጠቕሊላ ናብ ትውልዲ ዓዳ ተመሊሳ ኣላ።
"ኣብዚ ሰዓት ንዓደይ ምምላስ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብኡ ኩሉ ልምዲ ምስ ረኸብካ ዓቂብኻዮ ካብ ምኻድ ወጻእ ካልእ ብዙሕ ትርጉም ኣይህልዎን፤ ኣብዚ ግን በዚ ልምድኻ ብዙሕ ነገር ክትገብር ትኽእል። ማሕበራዊ ናብራ'ውን ኣብዚ ጽቡቕ'ዩ" ትብል።

እንታይ ሒዛ መጺኣ?
ፕሮፈሰር ሃረገወይኒ ኣሰፋ ኣብዚ እዋን ኣብ መቐለ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ነቲ ብትምህርቲ፣ ስልጠናን ስራሕን ዘኻዕበተቶ ፍልጠትን ተሞኩሮን ተካፍል ኣላ።
ናብ ትግራይ ምስ ተመለሰት ብዙሓት ሙሉኣት ዘይኮኑ ነገራት ከም ዝረኸበት እተልዕል እታ ፕሮፌሰር፡ ብኣውርኡ ኣብ ጽርየት ትምህርትን ምኽባር መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ ክፍተት ከም ዝተዓዘበት ትገልጽ።
"ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ዘሎ ጸቕጢ፣ ኣብ መናእሰይ ዝርአ ዘሎ 'ሳብስታንስ ኣብዩዝ' የጨንቐኒ። እቲ ናይ ስራሕ ባህልን ስነ-ምግባርን'ውን ብዙሕ ስለዘይማዕበለ ብዙሕ የተሓሳስበኒ" ኢላ።
ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ ነቲ ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን እቲ ክልል ዘሎ ምብዛሕ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተታት እያ 'ኣብ መናእሰይ ዝወርድ ዘሎ 'ሳብስታንስ ኣቢዩዝ' ክትብል ትገልጾ ዘላ።
ብኻልእ ወገን ናብ ኢትዮጵያ ካብ እትመጽ ንነጀው ኣብ ዘለው ጊዜያት ዝተዓዘብኩዎ እትብሎ 'ድኹም' ናይ ስራሕ ባህሊ ትነቅፍ።
26 ዓመታት ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዝጸንሐትሉ ግዜ 12 ሰዓታት ኣብ ስራሕ ቦታ ተሕልፎ ምንባራ ብምዝክኻር፡ "ኣብዚ ግን መብዛሕትኡ ሰብ ን6ተ ሰዓት ጥራሕ ክሰርሕ ኢኻ ትርእዮ" ብምባል "ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘጨንቐኒ ናይ ስራሕ ባህሊ ዘይምህላው'ዩ" ትብል።
ወሲኻ፡ "ሃፋትም ዓድታት ብውሑድ 8ተ ሰዓት እናሰርሓ ኣብ ድኻ ዓዲ ግን ን4 ወይ 5 ሰዓት ዝስራሕ እንተኾይኑ ኣበይ ከም ዝብጻሕ ኣይርድአንን። ኣነ ክለምዶ ዘይክእል ግን ብጣዕሚ ዘሕስበኒ ነገር'ዩ። ምሳይ ዝሰርሑ ዘለው ቅኑዓትን ሰብ ክእለትን እዮም፤ ግን ነዚ ዓቕምን ክእለትን መዝሚዙ ናብ ረብሓ ከውዕል ዝኽእል ኣሰራርሓ የለን። ናይ ስራሕ ባህልና እንተዘይተመሓይሹ ሓደገኛ እዩ" ኢላ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ትምህር ከም ዘላን ብቐጻሊ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ክልል ኣብ ምምሕያሽ ከም እትነጥፍን ኣውጊዓትና።
ተበጻሕነት ትምህርቲ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ'ኳ እንተሃለወ እቲ ጽርየት ግን ጎዲሉ'ዩ ዝብል ገምጋም ዘለዋ ፕሮፌሰር ሃረገወይኒ፡ እቲ ንትምህርቲ ዝወሃብ ትኹረት "መሽሚሹ'ዩ" ክትብል ትገልጾ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ "ከምዚኦም ዝበሉ ማሕበራዊ ክሳራታትን ናይ ትምህርቲ ጸገማትን ኣብ ምዕራይ እየ ከተኩር ዝደሊ" ትብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







