ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ሓጺነ መጺን ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ መተንፈሲ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ

ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ዝውዕል መሐገሲ መተንፈሲ መሳርሒ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ
መግለጺ ስእሊ, ብኮቪድ-19 ብጽኑዕ ንዝሓመሙ ሰባት ዝውዕል መሐገሲ መተንፈሲ መሳርሒ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ

ብ2017 ዓ.ም ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ምህዞ፡ ተዓወትቲ ፍሉይ ሽልማት ነይረን።

ሕጂ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣይኮነን ንጠለብ ንምስምዑ'ውን ዝኸብድ ዋጋ በጺሑ ዘሎ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ቬንትሌተር' ሰሪሐን ብሕሳር ዋጋ ንምቕራብ ይጓየያ ኣለዋ።

እዘን ኣብ ኣፍጋኒስታ ዝርከባ ኣባለት ሓደ ሮበት ዝሰርሕ ጉጅለ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑት ተጠቒመን ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙን ሕጽረት ምትንፋስ ዘጋጥሞም ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ [ቬንትሌተር] ይሰርሓ ኣለዋ።

እዚ ዓብዪ ስግኣት ዓለም ዝኸውን ዘሎ ሕማም ዘስዕቦ ሞት ንምንካይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መሳርሒ ኮይኑ፡ ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣፍርየን ክውድኣ እየን፤ ብዝተሓተ ዋጋ ክቐርብ ድማ ትጽቢት ይግበር።

እዛ ንዓሰርተታት ዓመታት ብኲናት ዝዓነወት ሃገር፡ 40 ሚሊዮን ዝጽጋዕ ህዝቢ እንተሃለዋ'ውን 400 ቬንትሌተር ጥራሕ እዩ ዘለዋ።

ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ልዕሊ 7650 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣለውዋ። ካልኦት 178 ሰባት ድማ ብምኽንያት እዚ ሕማም ሞይቶም።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ክውስኽ ከም ዝኽእልን ነቲ ብኲናት ዝተዳኸመ ስርዓት ጥዕና እታ ሃገር ከፈራርሶ ከም ዝኽእልን ስግኣቶም ይገልጹ።

"በቲ እንሰርሖ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ህይወት ሓደ ሰብ ክነድሕን እንተኽኢልና ዓብዪ ነገር እዩ" ትብል ጓል 17 ዓመት ኣባል እታ ጉጅለ ናሂድ ራሂማ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ "ሰብ ሕልሚ ኣፍጋኒስታን" ኢሎም ይጽውዑወን። ናይ መጀመርታ ሕሙም ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተረኸበላ ሄራት ተባሂላ እትጽዋዕ ዞባ ድማ ይርከባ።

ሄራት ምስ ኢራን እትዳወብ ዞባ ስለ ዝኾነት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን እቲ ዝለዓለ ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተራእዩላ ኣሎ።

እዘን መናእሰይ ካብ ክሊ ዕድመ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝርከባ ኮይነን፡ ካብ ናይ ቶዮታ ኮሮላ ሞተርንን ሆንዳ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ኣቕሓ ብምውሳድ ነቲ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ክምህዛ ክኢለን ኣለዋ።

እቲ ዝሰርሕኦ ዘለዋ ኣቕሓ ድማ፡ ቬንትሌተር ኣብ ዘይብሎም ሆስፒታላት ንዝርከቡ ሕሙማት ግዚያዊ መፍትሒ ክህብ እዩ ኢለን ይኣምና።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዓብ ዓለም ብዝተፈጥረ ልዑል ጠለብ ሕጽረት መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሒ ኣጋጢሙ እዩ።

በዚ ምኽንያት 30 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ ዝነበረ መሳርሒ ሕጂ ዋግኡ ናብ 50 ሽሕ ዶላር ሓፍ ክብል ክኢሉ እዩ።

በዚ ምኽንያት መብዛሕትአን ድኻ ሃገራት ነዚ መሳርሒ ዓዲገን ሕሙማት ክሕክማ ኣይክኣላን።

ኮቪድ-19 ንስርዓት ጥዕና ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓብዪ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኮቪድ-19 ንስርዓት ጥዕና ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓብዪ ስግኣት ኣውዲቑዎ ይርከብ

ኣብዚ እዋን ሰብ ሞያ ሕክምና ህይወት ሰባት ንምድሓን ልዕሊ ዓቐን ይጽዕሩ ብምህላዎም፡ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሕኦ ዘለዋ ምህዞ ዋግኡ ትሕቲ 600 ዶላር ከም ዝኾነ ተዛሪበን።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝብልኦ፡ ብምኽንያት እዚ ሕማም ድኳናት ስለ ዝተዓጸው፡ ንዝሰርሕኦ ቬንትሌተር ከም እታወት ዘገልግልግሉ ኣቑሑት ብቐሊሉ ንምርካብ ይጽገማ እየን።

ቅድሚ ሕጂ መስራቲት እቲ ጉጅለ 'ፈጠርቲ ጽልዋ' ተባሂሎም ብመጽሄት ታይም ካብ ሞንጎ ዝተሓረዩ 100 መሃዝቲ ሓንቲ እያ ነይራ።

ሮያ ማህቡብ፡ እቲ ዝሰርሕኦ ዘለዋ ቬንትሌተር ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ኣገልገሎት ክህቡ እዮም ኢላ።

ክልተ ኣባላት እቲ ጉጅለ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

"70 ሚኢታዊት ክፋል እቶም መሳርሒታት ተወዲኡ እዩ። ቀዳማይ ዙርያ እቲ ምህዞና ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ተፈቲኑ እዩ። ሕጂ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ኣድሂብና ኢና ንሰርሕ ዘለና" ኢላ።

ፕሮጀክት እዘን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብታ 30 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽባላን ኣብ ኢንዳስትሪ ኢንጅነሪንግ ዘሎ ድሩት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን ክቕይር ተስፋ ተገይሩ ኣሎ።

ኮሮና
ኮሮና