ተቓውሞ ዒራቕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መናድቕ ስእሊ ብምስኣል ተቓውምአን ይገልጻ

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ዒራቕ ኣንጻር መንግስቲ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።

እቶም ተቓወምቲ፡ ካብ ኩሎም ማሕበረ-ሰብ ዒራቕ ዝተዋጽኡ ኮይኖም፤ እዛ ብባህሊ ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ እትምራሕ ሃገር ግን ዘይተለመደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተቓውሞ መሪሕ ተራ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ተቓውምአን ድማ፤ ኣብ መናድቕ ባቕዳድ ብዝተሰኣሉ ስእልቲታት እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጅራ ፍዮሪ ታሕሪር፡ ወሳኒት ትሕዝቶ ተቓወምቲ'ኳ እንተነበረት፡ ሕጂ ናብ ሕምብርቲ ምህዞ ዝተላበሰ ምሕንጋድ ተሰጋጊራ ኣላ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ድልየትን ጥንካረን ደቂ ኣንስትዮ ዒራቕ ዝገልጹ ናይ መንደቕ ስእሊታት ድማ፡ ፍሉያት ውክልና ተቓውምአን ኮይኖም።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዞም ብጓል ኣንስተይቲ ዝስኣሉ ዘለው ስእሊታት፡ መጻኢ ህይወተን ቅርጺ ዘትሕዛሉን ባህገን ዝገልጻሉን መገዲ ኮይሞም ኣለው።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቶም ተቓውሞታትን ናይ መንደቕ ስእሊታትን ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥርኑፍ ማሕበረሰብ ንክፈጥራ፣ መንነተንን ታሪኸን ዳግም ንክጽሕፋ ኣኽኢሉወን።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንድሕነተን ብምስጋእ ግን ካብ ስድርአንን ሰብኡተንን ፍቓድ ኣይረኽባን።

ልዕሊ 400 ዝኾኑ ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም'ዮም። እተን ደቂ ኣንስትዮ ግን ብሕቡእ'ውን እንተኾነ ተሳተፍቲ እቶም ተቓውሞታት ምኻነን ቀጺለን ኣለዋ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ታሪኻ፡ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ኣጀንዳን ተነጺላ ንዝጸንሐት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብዚ ታሪካዊ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ምስታፍ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሕጂ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ዘካይዱዎ ዘለው ተቓውሞ፡ ከዐውትዎ ዝደልዩ ማሕበራዊ ጠለብ ከም ዘሎ ዘመላኽት'ዩ።

ስእሊ መንደቕ ኣብ ባቕዳድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መሰል ዋንነት ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ'ዩ።