ኣብነታዊት ጓል ኣንስተይቲ #5፡ 'ደቂ ኣንስትዮ ኣጻብዕትና ፍሉይ’ዩ'

ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ፡ ነብሰንን ደቀንን ንዝገበርዎ ኣበርክቶን ንዝኸፈልዎ መስዋእትን ብሓበን እየን ዝዝክርኦ።
ብዙሓት ደቀንስትዮ ድማ፡ ኣብቲ ታሪኻዊ ቃልሲ ብኣካል ተሳቲፈን ታሪኸን ብደም ሰኒደን እየን።
ንግስቲ ገብረመስቀል፡ ኣብ 1978 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን] ናይ 10ይ ክፍሊ ትምህርታ ምስ ወዲአት ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክትጽምበር እንከላ ጓል 16 ዓመት እያ ነይራ።
መባእታዊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ታዕሊም ወሲዳ ከኣ ኣብ ሜዳ ከም መምህር ኣገልጊላ፤ ናጽነት ክትርኢ በቒዓ። ክሳብ 2003 ድማ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ጸኒሓ።
ሕጂ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ ፖስት ኦፊስ፡ ብኣትኽልቲ ኣብ ዝወቀበት ጸባብ ምዕርግቲ ቤት ትነብር።
ገና ናብቲ ካንሸሎ ቅልቅል እንክትብል ሽታ ጥበብ ይቕበለካ፤ ውጽኢት ኢደ ጥበብ ካይላ፡ መቐመጢ ክሳብ ዝሰኣኖ ዓቕሉ ዝጸበቦ ካንሸሎ (መረባ) ጥበብ።
ዛንትኣ እንሆ።

ንግስቲ ገብረመስቀል እብሃል። ኣብ ሜዳ መምህር ነይረ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ፡ ኣብ ምምዝጋብ ሰነዳት 'ዳታ ኢንትሪ' ኮይነ ክሰርሕ ጸኒሐ።
ግን፡ ናተይ ውሽጣዊ ድልየትን ክእለትን እናደፍአኒ ስለ ዝመጽአ፡ ናብ ስራሕቲ ኢደ ጥበብ ኣትየ። ብ2003፡ ኣብ ዓድና ዳርጋ እቲ ናይ ጥልፊ ስራሓት ይበራበር ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጀዲድ ጥልፊ ይጠልፍ ነይረ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ናይ ጀዲድ ስራሓት ስለ ዝነበረ፡ ብዝተፈላለየ ቅዲ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክዳውንቲ ከነፍሪ ጀሚርና።
ብዕንቊ ዝስርሑ መጋየጺታት'ውን ክሰርሕ ጀሚረ። ቜልዑ ኮይንና ናብ ገድሊ ቅድሚ ምኻድና፡ ብእችነቶ ጎልፎ ኣሊምና ንባዕላትናን ንወለድናን ንኸድን ነይርና።
ኣብ ሜዳ፡ ብስልኪ ናይ ካዝና ጌርና ድማ ከመይ ገይርካ ካልሲ ከም ዝስራሕ ንኣደ ቖልዑ ንምህረን ነይርና።
ከምኡ እናበለ ዝዓበየ ልምዲ፡ ንዓይ'ውን ኣብ ኣስመራ ከም ፍልጥቲ ናይ ጥልፊ ሰብ ኮይነ ንክፍለጥ ዕድል ሂቡኒ።
ብጾተይን ዝፈልጡንን ሰባት፡ ኣብ መገዲ ኣየር ኣብ 'ዲዩቲ ፍሪ' እናወሰዱ ይሸጡለይ ነይሮም።
ብዓቢኡ ግን፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2005፡ ብደገፍ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ'ውን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተዋጻእና 10 ሰባት፡ ብሓንቲ ክላውዲያ ዛምቦኒ ዝተባህለት ኢጣልያዊት መምህር፡ ስልጠና ስራሕቲ ካይላ ተዋሂቡና።
ን10 ወርሒ ምስ ተምሃርና ኢደይ ጠጠው ክብል ኣይደለኹን፤ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ተማሂርና ምስ ወዳእና ኣብ ውሽጢ ወርሒ፡ ዘድልየኒ ናውቲ ኣማሊአ ክሰርሕ ጀሚረ።
ብ2007 ድማ፡ ስራሕተይ ሒዘ ኣብ ኣስመራ ዝዓበየ ምርኢት ካይላ ኣቕሪበ። ብድልየትን ባህግን ዝገበርኩዎ ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኣስመራ ዳርጋ ንኹሉ እቲ ዘቕረብኩዎ ፍርያተይ ዓዲጉለይ።

[ስሓቕ]፡ ኣብዚ እዋን፡ እታ ዝዓበየትን ዝኸበረትን ዋጋ ዝነበራ ናይ ካይላ ስራሕ፡ ብዕንቍን ባንዴራ ኤርትራን ዘጌጸት ናይ ካይላ ቀንዴል ብርሃን [ላምፕ] እያ ነይራ።
ኣይሸጥኩዋን፤ ንቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ከም ህያብ ሂበያ።
ብድሕሪኣ፡ ንሓንቲ ኣብ ሕቑኣ ናይ መንደቕ ቕርጺ ዝነበራ ስራሕ ካይላ ብሰለስተ ሽሕ ናቕፋ ሸይጠያ። ሽዑ ገና ጀማሪት ስለ ዝነበርኩ እቲ ገንዘብ ንዓይ ብዙሕ እዩ ነይሩ።

'ደቂ ኣንስትዮ ፍሉያት ኣጻብዕቲ ኣለና'
ስራሕ ካይላ ብጭቃ ዝዕየ ብምኻኑ፡ ብቑዕ ሓመድ ንክትመርጽ እዩ ከቢድ። እቲ ዝመረጽካዮ ሓመድ እንተ ዘይጸቢቑ ይጓሓፍ።
እቲ ጭቃ ንምብኳዕ ድማ ሓይሊ ስለ ዝደሊ፡ ብናተይ ዓቕሚ ክለውሶ ኣይክእልን። ዝሕግዘኒ ሰብ የድልየኒ።
እዚ ኹሉ ሓሊፍካ፡ ኣብ ምስራሕ ምስ በጻሕኻ ድማ፡ ሰሪሕካ፡ ምጽራብ፣ ቅዲ ምውጻእ ኣሎ። እዚ ብርቱዕ ጉልበት ዝሓትት'ዩ።
ይግረምኹም፡ እቲ ዝሰራሕኻዮ ካይላ ቅድሚ ምጥባሱ ክነቅጽ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ሓመድ ጥዑይ እንተዘይኮይኑ ይነቕዓካ። ምስ ነቕዐሞ ትበኪ!
እዚ ኩሉ ምስ ወዳእካ ከኣ ምጥባስ ዝበሃል እውን ኣሎ። ን20 ሰብ ዘእቱ ጉድጓድ ኢኻ ትኹዕት። ኩቦ፣ ሓሙኽሽቲ፣ ወረቐት ወይ ጨርቂ'ውን ተዳሉ።
ኣብቲ ጉድጓድ፡ ኩቦ እንዳረብረብካ ሓዊ ከተሳውር፡ እግርኻ ኣብኡ ኣቲዩ እንከሎ ኢኻ ሓዊ ትገብረሉ። ዓይንኻ፣ ኣፍንጫኻ ይነብዕ፤ ገጽካ ዘይምሱል ትመሰል።
እዚ ስራሕ ከቢድ'ዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ መወዳእታ! ተጠቢሱ መወዳእትኡ ክሳብ ትርኢ፡ ከምዚ ሕማም ሕርሲ ዝተታሕዘት ኣደ ንሳልስቲ ኢኻ ትቕንዞ።
ኣህህህህ! ምስ ወዳእካ ቃዕ ኢሉ ክስበረካ እንከሎ ከሎ ከቢድ ሓዘን ይስመዓካ፡ ከዘንትዎ እንከለኹ ቀሊል ይመስል፤ ንክትሰርሖ ግን ከቢድ'ዩ።
ሰራሕተኛ ካይላ፡ ውሽጣዊ ፍቕሪ ጥበብ ዘለዎ ትዕግስተኛን ክኸውን ኣለዎ። ፍቕሪ እንተልዩካ ንክትሰርሖ ምድሪ ውግሕ ትብለካ።
መምስ ሰራሕኹዎ ንጉሆ ንጉሆ ይሕጎስ፡ ንጉሆ ንጉሆ ከኣ ይቐይሕ። ሰሪሐ ምስ ወዳእኩ ዝሕጎሶ ታሕጓስ ክገልጾ ኣይክእልን'የ።

ነዚ ሞያ ካብ ዝመሃሮ 14 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ስራሕ ድማ 12 ዓመት ገይረ ኣለኹ።
ቅድም ሰብ ነዚ ስራሕ'ዚ ብዙሕ ክብሪ ኣይነበሮን። ሕጂ ግን፡ ኩሉ ፈቲዩ ክሰርሐሉ'ዩ ዝርኢ።
ሕጂ ኣብ ምሳይ ዝስርሓ 20 መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋኒ። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ብእንሰርሖ ንሕጎስ ኢና።
ክንየት ኢለ ኣይኮንኩን፤ ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ኣጸብዕቲ ኣለና። ኣብ ገዛና ጽቡቕ እንጀራ ንስንክት፣ ጽቡቕ ጸብሒ ንሰርሕ፣ ንደቅና ክዳን ንሰፊ፣ ገዛና ነመሓድር።
ካብኡ ሓሊፉ፡ በተን ጽቡቓት ኣጻብዕታ ኣብ ገዝኣ ስፈ ዘይትሰፊ ጓል ኣንስተይቲ ኣላ እንተይልኩምኒ ኣይኣምንን እየ።
ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ፡ ክእለትክንን ሞያኽንን ተጠቐማሉ ኣብ ናብ ዕዳጋ ኣውዕልኦ እየ ዝብል።
ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ክእለትን ዓቕምን እናሃለዋ ኣብ ገዛ ተዓጽያ ትውዕል እንተኾይና ስንፍና እዩ።
ደቀንስትዮ ጥበበን ከንጸባርቓን ከቕርባን፡ ክድገፋን ክተባባዓን ኣለወን። ምስ ዓቕምን ክእለትካን ስቕ ምባል ግን ቅቡል ኣይኮነን።
ኣብ ኩሉ ዓለም ዘለና ደቂ ኣንስትዮ፡ ተኣሳሲርና እንተሰሪሕና ድማ፡ ውጽኢታዉያን ክንኸውን ንኽእል ኢና። ዩዎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







