ኣብነታዊት #4፡ ሓላፊት ማይክሮሶፍት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣምሮቴ ዓብደላ መን'ያ?

ምንጪ ስእሊ, MICROSOFT
አምሮቴ ዓብደላ እብሃል። ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝቕመጥ ልዕሊ ሽዱሽተ ዓመት ኣቑጺረ ኣለኹ።
ፍርቂ ጎነይ ኢትዮጵያዊት ፍርቂ ጎነይ ድማ ኤርትራዊት ኮይነ፡ ኣደይ ክርስቲያን ኣቦይ ድማ ኣስላማይ'ዩ።
ጓል 33 ዓመት ምስ ኮንኩ ዋና ሓላፊት ማይክሮሶፍት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኮይነ ተመዲበ። እዚ ውሳነ ኣዝዩ ዝገረመኒ ውሳነ ነይሩ።
ኣነ ሕጂ ሓላፊት ኮይነ፡ ነዛ ጓል 33 ዓመት ኣምሮቴ ዝቖጽራ ኣይመስለንን። ንስራሕ ምስ ተጸዋዕኹ፡ ሓድሽ ሓለቓይ "ትፈልጥ ዲኻ ግን፤ 'ኮዲንግ' ኣይክእልን'የ" እንክብሎ ኣይርስዕን።
ንሱ ድማ፡ "እፈልጥ፤ ኣሽሓት 'ኮዲንግ' ዘይኽእሉ ሰራሕተኛታት ኣለውኒ። ንስኺ ድማ ዝተፈላለዩ ዕድላት ስራሕ ናብ ኣፍሪቃ ምምጻእን ምስፋሕን ዘኽእሉና መገዲታት ትፈልጢ ኢኺ" ኢሉኒ ክሳብ ሕጂ ኣለኹ።
ሕጂ ኣብ ናይ ቴክኖሎጂ ዓለም ወፊረ ኣለኹ እንክብል፡ ብርእሰ ተኣማንነት'ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ዝገጥመና ጸገምን ማሕለኻን እንርእየሉ ዝተፈለየ፡ ነዚ ንምፍታሕ እንወስዶ ግዜ ድማ ብዙሕ ከም ዘይኮነ'ዩ ዝስምዐኒ።
ንኣፍሪቃ ዝህቦ ቦታ ዓብዪ'ዩ። ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ናይ ኣፍሪቃ ዕብየት ክሰልጠሉ ዝኽእል መገድን ካልኦት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስራሓት ንምዕባይን'የ ዝሰርሕ።

ምንጪ ስእሊ, MICROSOFT
ሓላፊት እንክብሃል፡ ብድሕሪት ካልኦት ነገራት ከም ዘለው ንዝንግዖ ኢና። ኣብዚ ስራሕ፡ ዝተፈላለዩ ሰባት ምምሕዳር ዝብል ነገር ተማሂረ'የ።
ናይ ቴክኖሎጂ ሰብ ስለ ዘይኮንኩ፡ ብዙሓት ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጡ ነይሮም። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዓቕምን ፍልጠትን ካብኡ ድማ እንፈልጦ ነገር ምፍላይ ኣገዳሲ'ዩ።
ሓለፍቲ ተሰማዕነትና ክሳብ ክንደይ እዩ ኣብ ዝብል ይውሰን'ዩ።
ኣብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝቕመጡ ሰባት፡ ብዙሕ ግዜ ንነብሶም ካብ ዝህቡዎ ግዜ ተበጊሶም ብዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ስምዒታትን ይሓልፉ።
መጀመርያ፡ "እዚ ናተይ ቦታ ድዩ? ኢልና ክእለትና እንጠራጠረሉ ኮይኑ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብዚ ናይ ስራሕ ቦታ "ከማይ ዝድለ ሰብ የለን" ኣብ ዝብል ስምዒት ንኣቱ።
ጓል ኣንስተይቲ ምኻን ግን፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ከቢድ ከም ዝኸውን ምግማት ኣየጸግምን። ብፍላይ ድማ ከማይ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝበዝሐሉ ናይ ስራሕ ዓውዲ፡ ጓል ኣንስተይቲ ሓለቓ ምኻን ኣጸጋሚ'ዩ።
ዘይርስዖ ሓደ ተጓንፎ ኣለኒ። ኣብቲ ዝተቖጸርኩሉ ሰሙን ምስ መንግስቲ ዘለኒ ዝምንድና ንከጠናኽር ተሓቲተ ኣብ ሓደ ኣኼባ ንክሳተፍ ከይደ።
እቲ ክረኽቦ ዝኸድኩ ሚኒስትርን መሳርሕቱን ጠጠው ኢሎም ናብቲ ኣፍደገ እናጠመቱ ሰብ ይጽበዩ። ኣነ ኣትየ ኮፍ እንክብል፡ ሕጂ'ውን ኣብ ትጽቢት'ዮም ዘለው።
ምስ ጨነቐኒ "ካልእ እንጽበዮ ሰብ ኣሎ ድዩ?" ኢለ ሓቲተዮም። መልሶም ክሳብ ሕጂ የስሕቐኒ . . .
"ንኣቶ ዓብደሊ ኢና ንጽበ ዘለና" እንክብሉኒ፡ ኣነ ድማ "ንዕኡ ትጽበዩ እንተሃሊኹም ኣቶ ዓብደላ ኣቦይ'ዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስለ ዘሎ ብዙሕ ከጸብየና ስለ ዝኽእል ኣኼባና ክንጅምር ንኽኢል ኢና" ምስ በልኩዎም፤ ቀልጢፉ ገጾም ክቀያየር ምርኣየይ ኣይርስዖን።
ጓል ኣንስተይቲ ምኻን ጥራሕ ዘይኮነ ሓላፍነት ዘለዋ መንእሰይ ምኻን ባዕሉ ከቢድ'ዩ። እንክርእዩኒ ንምእማን ይኸብዶም፤ ኣብ ስራሕ ክሳብ ዝፈልጡኒ ብክእለተይ እምነት ንከሕድሩ ይጽገሙ።
ካብቲ ዘጓንፈኒ ጸገም ግን እቶም ዝኽፈቱለይ ዕድላት ይበዝሑ።
ሕጂ ድማ፡ ከም ናተይ ሓላፍነት ተሰኪመን ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኮና ደቂ ተባዕትዮ፡ ነቲ ዝመጽእ ወለዶ ዕድላት ክነመቻችእ ኣለና ኢለ ይኣምን።
ግዜ ስለ ዝለዋወጥ፡ ምስቲ ግዜ'ውን ክንጓዓዝ ኣለና።

ምንጪ ስእሊ, MICROSOFT
ሰብ ይጋገ'ዩ' ኣነ'ውን ሰብ ብምኻነይ ካብ ጌጋ ነጻ ክኸውን ኣይኽእል። ኮይኑ ግን፡ ዝኾነ ጌጋ ተባሂሉ ዝጥቀስ ነገር ዝኾነ ነገር ምሂሩኒ ስለ ዝሓልፍ ከም ክፍኣት ኣይቖጽሮን።
በዚ መሰረት ንነብሰይ፡ 'ኣምሮቴ ኣይትፍርሒ፣ ድፈሪ . . . ብውሳኔታትኺ ድማ ኣይትጠጠሪ" እብላ።
መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንነብሰይ ካብ ዝልግሶ ማዕዳ ዝተፈለየ ኣይክብለንን'የ። ክተዐውትኦ ዝሓሰብክንኦ ነገር ካብ ምፍታን ንድሕሪት ኣይትበላ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







