ወርሓዊ ፅግያትን ስቅያቱን ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወርሓዊ ፅግያት ንደቂ ሄዋን ብተፈጥሮ ካብ ዝዕደል ዘስደምም ፀጋ እንትኸውን ተፈጥሮኣዊ ዑደቱ ድማ ከም ስርዓት ምትንፋስ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ ብዝሒ ዓለም ደቂ ኣንስትዯ፡ ዑደት ወርሓዊ ፅግያት ይርእያ።
ይኹን 'ምበር ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ወርሓዊ ፅግያት ብዙሓት ጎዳእቲ እምነታትን ምግላልን ይረኣዩ።
ዩኒሴፍ ኣብ ዓመተ 2015 ዘውፅኦ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ደቡባዊ ኤስያ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ንፈለማ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ክሳብ እትርእየሉ እዋን፡ ብዛዕባ ወርሓዊ ፅግያ ግንዛበ የብላን።
48 ሚእታዊ ኢራናውያንን 10 ሚእታዊ ህንዳውያን ደቂ ኣንስትዯ ድማ ወርሓዊ ፅግያት ሕማም ከምዝኾነ ይኣምና።
ብምኽንያት እዚ ግጉይ ርድኢትን እምነትን፡ ሎሚ እውን ብሚልዮናት ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዯ ዓለም ወርሓዊ ፅግያ ክርኣየን እንከሎ ክሓፍራን ነብሰን ከግልላን ይግደዳ።
ምኽንያቱ ጓል ኣንስተይቲ ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ትርእየሉ እዋን ብዙሓት ኣሉታዊ ጽልዋታትን ብሂላትን ስለዘለው።
ነዚ ድማ እዩ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ብተበግሶ ዋሽ ዩናይትድ WASH United 28 ጉንበት መዓልቲ ወርሓዊ ፅግያትን ፅርየትን ተባሂሉ ብደረጃ ዓለም ክኽበር ዝጀመረ።
ንምዃኑ ዑደት ወርሓዊ ፅግያት እንታይ እዩ?
ኣብ ዝተፈላለዩ ሰባት ብዛዕባ ወርሓዊ ፅግያት ዘሎ ነውሪ ኣበሃህላን ርድኢትን ንምስባር፡ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ባፅሐት ብዛዕባ ኣብ ኣካላ ዝረኣዩ ክስተታት ብግልጺ ምዝራብ የድሊ።
እዚ ተፈጥርኣዊ ውህብቶ ዕድመአን ካብ 10 ክሳብ 14 ኣብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክጅምር ይኽእል።
ካብ 45 ክሳብ 50 ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ድማ ዑደቱ የቋርፅ።
ወርሓዊ ፅግያት ብተፈጥሮ ንስርዓተ ምርባሕ ዝተዳለወ እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲ እንከይተራብሐ እንትተርፍ ዝፈስስ ደም ወይ ድማ ሕጊ ተፈጥሮ እዩ።
ዑደት ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 28 መዓልታት ዝረኣይ እንትኸውን፡ ኣብ ክልተ ብርክታት ዝተኸፈለ እዩ።
እዞም ክልተ ብርክታት ነንሕድሕዶም ዝፈላለይሉ ድማ፡ ጥንሲ ክፍጠረሉ ኣብ ዝኽእል ግዘ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, iStock
መዓዝ እዩ ዝጅምር?
እቲ ቀዳማይ፡ ብርኪ ፎሊኩላር ዝበሃል እንትኸውን፡ ወርሓዊ ፅግያት ካብ ቀዳማይ መዓልቲ ምፍሳስ ብምጅማር፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ድማ ምፍሳስ ዘቋርፀሉ እዩ።
ኣብዚ ግዘ እዚ፡ ካብ ብዙሓት ንስርዓተ ምርባሕ ዝተዳለዉ እንቋቁሖታት ጓል ኣንስተይቲ፡ እታ ሓንቲ ኣብ ማህደረ እንቋቑሖ ብምዕባይ ድልውቲ ትኸውን።
ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ ድማ፡ እቶም እንቋቑሖታት ሽፋን ግድግዳ ማህፀን ንክምዕብል (ክዓብይ) ዘኽእል'ኢንዶሜትርየም'ዝተብሃለ ሆርሞን የፈልፍሉ።
ኣብዞም መዓልታት እዚኦም ኢንዶሜትርየም፡ ንስርዓተ ምርባሕ ድሉው ንምዃን እናማዕበለን እናበዝሐን ይኸይድ።
ኣብ መበል 14 መዓልቲ እንቋቑሖ፡ ንስርዓተ ምርባሕ ድሉው ምስ ኮነ፡ ካብ ማህደረ እንቋቑሖ ብምፍላይ ብሻምባቆ ማህፀን ኣቢሉ ናብ ማህፀን ይወርድ።
እዚ ኣብ ማህፀን ድሉው ዝኾነ እንቋቑሖ፡ እንተድኣ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተራኺቡ ዑደት ጥንሲ ይጅምር።
ብኣንፃሩ ንስርዓተ ምርባሕ ዝተዳለወ እንቋቑሖ፡ ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተድኣ ዘይረኺቡ ግና፡ ድሕሪ ክልተ ወይ ድማ ሰለስተ መዓልታት ይመውት እሞ፡ ምፍራስ ይጅምር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንምንታይ ደም ኮይኑ ይፈስስ?
ካብ 14 ክሳብ 28 ዘሎ መዓልታት ብርኪ ሉቴል (luteal) ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንትኸውን፡ ብዝሒን ርጉድን ኢንዶሚትርየም እውን፡ ይውስኽ።
ኣብ መበል 25 መዓልቲ ድማ፡ ኣብ ማህደረ እንቋቑሖ ዝተፈረየ ሆርሞን ይውሕድ። ማህፀን እውን ብባዕሉ ክሽከሞ ስለዘይኽእል፡ ሰራውር ደሙ ምፍራስ ይጅምር።
ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሸውዓተ መዓልታት ወርሓዊ ፅግያት ይፈስስ። ድሕሪ እዚ ዳግማይ ዑደት ድማ ይጅምር።
ንምንታይ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ስቓይ ይበዝሐን?
መብዛሕትአን ደቂ ኣንስተዮ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ምቾት ኣይሰመዓንን።
ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ዘጋጥም ዕምቆትን መጠንን ቃንዛ ዋላ እኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ እንተፈላላየ፡ ወርሒ መፀ ስቓይ ዝበዝሐን ደቂ ኣንስተዮ ግና ቁፅረን ውሑድ ኣይኮነን።
ኣስታት ሲሶ ደቂ ኣንስትዯ ዓለም ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ከቢድ ቃንዛ ከምዝሰመዐን ይግመት።
ከብዲ ቁርፀት፣ ሕማም ርእስን ቃንዛ ሑቐን፣ ስምዒት ዕውልውልን ብሓፈሻ ቀጨውጨው ምባልን፡ ወርሓዊ ፅግያት እንክረኣይ ኣብ 24 ሰዓታት ዘጋጥሙ ቀንዲ ሕማማትን ምልክታትን ወርሓዊ ፅግያት እዮም።
ወርሓዊ ፅግያት እንትጅምር ንምንታይ ቃንዛ ቁርፀት ከምዘጋጥም ዘርእይ ክልስ ሓሳብ ዋላ እኳ እንተዘይሃለወ፡ እዚ ኩነታት ግና ኣብ ክልተ ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስምዒታት ወርሓዊ ፅግያት
መብዛሕትኡ ግዘ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ስቓይ (ቃንዛ) ዘጋጥመሉ ምኽንያት፡ ኣብ ማህፀን 'ፋቲ' ኬሚካል ዝሓዙ ብዙሓት ፕሮስታግላንድስ ዝተብሃሉ ሆርሞናት ስለዝርከቡ እዩ።
እዞም ኬሚካላት ኣብ ማህፀን ዝርከቡ ጭዋዳታት ፍኹስ ንክብሉ ስለዝገብሩ ድማ እዩ፡ ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት ቁርፀት ዘጋጥም።
እዚ ከምዚ ዓይነት ቃንዛ ወርሓዊ ፅግያት ምፍሳስ ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ ሓደ ወይ ድማ ክልተ መዓልቲ ቀዲሙ ከጋጠም ይኽእል። ኣብ ሓደ ሓደ ደቂ ኣንስትዯ ግና ንንውሕ ንዝበለ መዓልታት እቲ ቃንዛ ክቕፅል ይኽእል።
ቀንዲ ብርቱዕ ሕማም ወርሓዊ ፅግያት
ጭዋዳታት ማህፀን እንትሓሙ ማለት እውን፡ ብልሙድ ውሽጣዊ ክፋል ማህፀን ዝሽፍኑ ጭዋዳታት ኣብ ደጋዊ ማህፀን እንትምዕብሉ፣ ብርክት ዝበሉ ቲሹታት ኣብ ማህፀን እንትምዕብሉን ኣብ ማህደር እንቋቑሖ ረኽሲ እንተጋጥምን፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ከቢድ ሕማም ንከጋጥም ምኽንያታት ክኾኑ ይኽእሉ እዯም።
ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት ዘጋጠም ከቢድ ሕማም ፀኒሑ ዘጋጠም'ኳ እንተኾነ፡ ደሓር ግና ብዘርኢ ዝውረስ ክኸውን ይኸእል እዩ።
ውሽጣዊ ክፋል ማህፀን ዝሽፍኑ ጭዋዳታት ኣብ ደጋዊ ማህፀን ምምዕባል፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ስርዓተ ምርባሕ ዝርከባ ካብ 10 ደቂ ኣንስትዮ ነታ ሓንቲ የጥቅዕ። ካብ 15 ክሳብ 49 ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዯ፡ ብኢንዶምተሪዮስስ ክጥቅዓ ዝኽእላ እየን።
ኣስታት 176 ሚልየን ደቂ ኣንስትዯ ዓለም ድማ፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት፡ ብኢንዶምተሪዮስስ ይጥቀዓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







