ኣመሪካ እገዳ ዘንበረትሎም ሽዱሽተ ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራ ኣየኖት እዮም?

ምንጪ ስእሊ, MoI Eritrea
ኣመሪካ፡ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ትካላት ኤርትራን ክልተ ኤርትራውያን ውልቀሰባትን እገዳ ከምዘንበረት ኣፍሊጣ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣመሪካ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳ፡ ንጸጥታ ሓድነትን ኢትዮጵያ የናውጽ ኣሎ ኣብ ዝበሎ ቅልውላው ተራ ከምዘለዎም ንዝገለጾም ናይ ኤርትራ ትካላትን ዜጋታትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ነቲ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ክሲ ሓቅነት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ "ንህዝቢ ንህዝቢ ኣጥሚኻን ኣሳቒኻን ናዕቢ ንምብግጋስ" ዝዓለመ ክብል ነጺግዎ።
ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ነማርያምን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝኾነ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳንን ካብቶም እቲ እግዳ ዝግበረሎም ክኾኑ እንከለው፤ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ከምኡ'ውን እቲ ብህግደፍ ዝውነኑ ዓቢ ንግዳዊ ኮርፖረሸን ቀይሕ ባሕሪን ማዕከን ሕድርን ኣብቲ እገዳ ኣትዮም ዘለዉ ትካላት እዮም።
ኣብ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ቤትጽሕፈት ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ሃብቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ዝተፈረመ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት እቲ እናሰፍሐ ዝመጽአ ቅልውላው ሰብኣዊ ኩነታትን ኲናትን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ንውሳነ እቲ ቤት-ግምጃ ስዒቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍን እምበር ንህዝቢ ዝምልከት ከም ዘይኮነ ብምጥቃስ፤ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ ውጽኢታዊ እንተዘይኮይኑ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊጹ።
እዚ ዳሕረዋይ ኣመሪካ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዘነጻጸረ ኮይኑ፡ እቶም ኣርባዕተ ትካላት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስ መንግስቲ እታ ሃገርን ውድብ ህግደፍን ዝተኣሳሰሩ እዮም።
እቶም ክልተ ውልቀሰባት’ውን ምስቲ መንግስትን ውድብን ዝተትሓሓዙ ምዃኖም መግለጺ መንግስቲ ኣመሪካ የመልክት።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሰራዊት እታ ሃገር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ዝምታ፣ ጾታዊ መጥቃዕትታት፣ ቅትለት ሰላማውያን ሰባትን ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ረድኤት ዕንቅፋታት ምፍጣርን ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ጸብጻባት ኣብ ዝቐረቡሎም ስፍራታት ኣብቲ እዋን ይንቀሳቐስ ነይሩ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብቲ ዝርዝር እገዳ ዝተኻተተ ከም ትካል ኮይኑ ኣባላቱ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ምንቅስቓስ ኣብቲ ቅልውላው ተሳተፍቲ ብምዃን ከምኡ’ውን ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ተኹሲ ከይቋረጽ ወይ’ውን ሰላማዊ ከይዲ ከይህሉ ዕንቅፋት ብምፍጣሮም ምዃኑ ተገሊጹ።
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)
ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ እንኮ ውድብ ምዃኑ መግለጺ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብቐጥታ ንሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ይእዝዝ፣ ይቆጻጸርን ብቐጥታ ንጀነራላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትእዛዝ ይህብ። እዚ ድማ እቲ ሰራዊት ኣብ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘለዎ ተራ ቀንዲ ተሓታቲ ክኸውን ይገብሮ ኢሉ።
በዚ ምኽንያት ህግደፍ ከም ሰልፊ ወይ’ውን ኣባላቱ ኣብ ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ ንዘለዎም ተራ ወይ’ውን ምቁራጽ ተኹሲ ከይግበር እቲ ሽግር ብሰላም ከይፍታሕ ብምዕንቃፉ ኣብቲ እገዳ ተኻቲቱ ምህላው ይነግር።
ኣብርሃ ካሳ ነማርያም
ኣብርሃ ካሳ ነማርያም ሓላፊ ሃገራዊ ትካል ስለያ እዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንኣብርሃ ካሳ ኣብዚ እገዳ ክካተት ዝተገብረሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ ወይ’ውን ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝነበሮ መሪሕነት፣ ሓላፍነት፣ ላዕለዋይ ኣፈጻምነት ዕማማት ወይ’ውን ኣብ መንግስቲ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብቲ ውድብ ኣባል መሪሕነት ብምዃኑ እዩ ይብል።
በዚ’ውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኸስተ ቅልውላው ኣብ ዝኾነ ተግባራት፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ብምስታፍ ወይ ንምስታፍ ብምፍታን እጃም ከም ዝነበሮ እቲ መግለጺ ይሕብር።
ማዕከን ሕድሪ
ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተመስረተ ማዕከን ሕድሪ ዝተብሃለ ትካል ብገዛኢ ውድብ ህግደፍ ንዝተመስረቱ ኩሎም ንግዳዊ ትካላት ኣብ ትሕቲኡ ዝሓቖፈ እዩ።
ድሕሪ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ሃብትን ትካላትን እቲ ውድብ ኣብ ትሕቲ ማዕከን ሕድሪ ክመሓደር ተወሲኑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ማዕከን ሕድሪ ኣብ ከም ንግዳዊ ኮሮፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ባንክ ኣባይትን ንግድን፡ ሬድ ሲ ቦትለርስ (ፋብሪካ ኮካ ኮላ)፣ ኩባንያ ህንጻ ሰገንን ፋብሪካ ቢራ ኣስመራን ዝኣመሰሉ ብዙሓት ንግዳዊ ትካላት ህግደፍ [ገሊኦም ብብርኪ] ከም ጽላል ኮይኑ ከም ዘገልግል ኣብ 2006 ብዊኪሊክስ ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ ሰነድ ይገልጽ።
ማእከን ሕድሪ ኣብቲ እገዳ ዝተኻተተ ናይቲ ገዛኢ ውድብ ሓደ ፖለቲካዊ ክፋል፡ ትካል ወይ’ውን መሳርሒ ብምዃኑን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ወይ’ውን እቲ ውድብ ስለዝርከብን ምዃኑ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ የረድእ።
ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳን (ሓጎስ ክሻ)
ብሓጎስ ክሻ ዝፍለጥ ሓጎስ ገብረሂወት ወልደኪዳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕርን (09) እዩ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ እገዳ ዝኣተወ ቁሳዊ ወይ’ውን ገንዘባዊ፣ ናይ ቴክኖሎጂ፣ ናይ ሸቐጣትን ናይ ኣገልግሎታትን ካልእን ቀረባት ነቲ ገዛኢ ውድብ ብምቕራቡ እዩ ይብል መንግስቲ ኣመሪካ።
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ (09)
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ሃብትን ገንዘብን ህግደፍ ዘመሓድር ትካል እዩ ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ነቲ ውድብ ገንዘብ ዘቕርብን ንግዳዊ ድጋፍ ዝህብ ምዃኑን ገሊጹ።
ንግዳዊ ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ገባቲ ኢድ ዘለዎ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ኩባንያ እገዳ ዝተነብረሉ፡ ብሓጎስ ገብረሂወት “ስለዝውነንን ዝካየድን እዩ” ይብል መግለጺ ቤት-ግምጃ ኣመሪካ።
እቲ ውሳነ እንታይ ሳዕቤናት ኣለዎ?
እቶም ኣብቲ እገዳ ተዘርዚሮም ዘለው ኩሎም ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራውያን እዮም።
ብምኽንያት እቲ እገዳ፡ ብስም እቶም ዝተዘርዘሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ኣመሪካ ኮነ ኣብ ትሕቲ ኣመሪካ ወይ’ውን ኣብ ቁጽጽር ኣመሪካ ዝርከብ ኩሉ ንብረትን ጥቕምታትን ከይንቀሳቐስ ዝተኣገደ ኮይኑ፤ ጸብጻብ ናብቲ ነዚ ውሳነ ዝቆጻጸር ክፍሊ እቲ ቤት-ግምጃ ጸብጻብ ክግበር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ብቤት-ግምጃ እታ ሃገር ንዝሓለፈ ውሳነ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ስጉምቲ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ብፕረዘደንት ባይደን ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር ምዃኑ ሓቢሩ።
ወሲኹ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብምስታፍ እታ ሃገር ከይትረጋጋእ ብምግባር ነቲ ጎንጺ ከምዘጋደድዎን ሰላማዊ መፍትሒ ከይርከብ ዕንቅፋት ኪንዮ ምዃኖም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ተኣማኒ ጸብጻባት ምህላዎም ኣረዲኡ።
ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ዝፍጽምዎ ተግባራት ንኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳስባ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ሕጂ’ውን ሓይልታት ኤርትራ ብቕልጡፍ ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ሓቲቱ።
ኣመሪካ ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦለሴጉን ኦባሳንጆ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ከምእትድግፍ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ብምባል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ መገዲ ክኸፍቱ ጸዊዑ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ትካላትን ውልቀሰባትን ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ከምዝቕጽል ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ኣለዎም ኣብ ዝተብሃሉ እምበር ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ወይ’ውን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣይኮነን ዝበለ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፤ ንምንታይ ነቶም ካልኦት ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዕላማ ከምዘይገበረ’ውን ኣረዲኡ።
እዚ ብቤት-ግምጃ ኣመሪካ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምትእስሳር ንዘለዎም ኣካላት ዘይተንከፈ፡ ነቲ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ውጽኢታዊ እንተኾነ ንምርኣይ ግዜ ንምሃብ ብዝብል እዩ ኢሉ።
እንተኾነ ግና እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ንሰላማዊ መፍትሒ ዝኸውን ትርጉም ዘለዎ ስጉምቲ እንተዘይኣርእዮም ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተወሳኺ እገዳ ከም እትገብር እቲ መግለጺ ሓቢሩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







