ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብታ ርግኣት ስኢና ዘላ ትግራይ እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ? ስለምንታይከ የገድስ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብቁጠባዊ ዕብየትን ምትካል ዲሞክራስያዊ መንግስትን ብዝኣመሰሉ ጽቡቓት ኣርእስታት'ያ ትልዓል ነይራ። ሕጂ ግን ነቲ ካልእ ድሒሩ ዝልዓል ኣርእስቲ ገዲፍና ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዝደኸያ ሃገር ኮይና ኣላ።
ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ብሰብኣዊ ቅልውላው ተሓሚሳ ትርከብ።
ካብ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኸኣ ንሓደጋ ዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለዉ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓዲሽ ምዕባለታት ምስ እንድህስስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግረይ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎሜትሮ ርሒቐን ዝርከባ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ምስ ሓዙ ኩሎም ዜጋታቱ፡ 'ንህወሓት ንምምካት ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ክኸትት" ድሕሪ ምጽዋዕ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኣብ መላእ እታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ።
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣብታ ሃገርን ኣብ ጎረባብታን ዘየማትእ ጽለዋ ክህልዎ ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
እስኪ እታ ሃገር ከመይ ኢላ ናብዚ ኵናት ከምዘምረሐት ለላህመቱ ንርኣዮ።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ኵናት ክሳብ ክንደይ ከቢድ'ዩ?
እቲ ኵናት 4 ሕዳር 2020 እዩ ጀሚሩ።
ናብ 4 ሕዳር ኣብ ዘውግሕ ለይቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌዴራል መጥቃዕቲ ምስ ከፈቱ፡ ዕዉት ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ዝሰመዮ ኵናት ኣዊጁ።
ሰራዊት ፌዴራል ኣብ መጀመርታ፡ ነቲ ኵናት ብዓብላልነት ብምስዓር 28 ሕዳር ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ተቖጻጺሮማ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ በረኻታት ኣድብዮም ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ወርሒ ሰነ ዳግማይ ብምትንሳእ 28 ሰነ ንከተማ መቐለን ካልኦት ከተማታት ትግራይን ክቆጻጸርወን ክኢሎም።
ሕጂ ኸኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም ይግስግሱ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።
ማእከላይ መንግስቲ፡ ዝኾና ማዕከናት ዜናታት ናብ ትግራይ ከይኣትዋ ከልኪሉ'ሎ፡ እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ዝበዝሐ ካብቲ 7 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ህጹጽ ሰብዊ ሓገዝ ክኸውን እንከሎ፡ ብውሕዱ 400,000 ኸኣ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ጸብጻብ እዚ ነጺግዎ'ዩ።
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከምዝፈጸሙ ይግለጽ እዩ።.
3 ጥቅምቲ 2021፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ብጽምዶ ኣብ ዘውጽእዎ ውጽኢት መርመራ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ቅትለት፡ ምስቓይ፡ ጾታዊ ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ተመዛበልትን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።
እዚ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ክልል ገበናት ኵናት ተፈጺሙ ክኸውን ከምዝኽል ዘርኢ እዩ።
ሕጂኸ እንታይ'ዩ ዝካየድ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ ወጥርን ኵናትን ከጋጥም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ካብቲ 115 ሚልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ኣስታት 7 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ካብ ክልል ትግራይ እዩ። ካብ ትግራይ ወጻኢ ድማ ኣስታት 3 ሚልዮን ተወላዲ ከምዝርከብ መረዳእታት ይሕብሩ።
ህዝቢ ትግራይ ንኦሮሞን ንኣምሓራን ተኸቲሉ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ሳልሳይ ደራጃ እዩ ዝስራዕ።
ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ 10 ክልላት ዝተኸፋፈለት ኮይና፡ እተን ክልላት ብፌዴራል እናተማእከላ ሓውሲ ነጻ ኮነን እየን ዝመሓደራ።
ቅድሚ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ 1974 ምእላዩን ኣብ እዋን ደርግን ህዝቢ ትግራይ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘኮራሪ ብዙሕ ነገራት'ዩ ኣጋጢምዎ።
ኣብ ትግራይ ካብ 1983 ክሳብ 1985 ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዓጸቦ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰብ ክሞውት እንከሎ ልዕሊ 2 ሚልዮን ኸኣ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ።
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ትግራይ ብተዛማዲ ንዓመታት ሰላም ሰፊንዋ ድሕሪ ምጽናሕ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፌዴራልን ኵናት ተወሊዑ።
እንተኾነ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ንትግራይ ጥራይ ኣይሸልበባን፡ ንኻልኦት ክልላት'ውን ጸልይወን እዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ተለቪዥን ፋና፡ ካብተን 10 ክልላት እታ ሃገር፡ መንግስታት ናይተን 4 ክልላት ህዝቦም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንኽዋግኡ ድሉው ክኸውን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ገሊጻ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኮይኑ ቃልሲ ዘካይድ ዕጡቕ ጉጅል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (OLA)፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ጥምረት ከምዝገበረ ብወግዒ ገሊጹ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ንናጽነት ህዝቢ ኦሮሞ ኢና ንቓለስ ዝብሉ ኮይኖም፡ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ እዩ ዝጽውዖም፡ ልክዕ ከም ህወሓት ኸኣ ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ኣስፊርዎም'ዩ።
ንምንታይ'ዩ ኵናት ዝካየድ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ህወሓት ንደርጊ ንምእላይ ኣብ ዝተገበረ ኵናት ምስቶም ኣንጻር ደርጊ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሓይልታት ኢትዮጵያ ልፍንቲ ፈጢሩ።
ኣብ 1991 ኸኣ ስርዓት ደርጊ ተሳዒሩ።
ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ፖሊቲካ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዓብላልነት እዩ ዝመርሖ ነይሩ። ኣብቲ ህወሓት ብዓብላልነት ዝመርሓሉ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቃጢን ተቃውሞ ዘይጻወርን ምንባሩ እዩ ዝኽሰስ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2019 ናብ ስልጣን ክሳብ ዝመጽእን ነቲ ዝነበረ ጥምረት ኢህወደግ ብምፍራስ ሓደ ስልፊ ክሳብ ዝምስርትን ኸኣ ነገራት ብተዛማዲ ህዱእ'ዩ ነይሩ።
ህወሓት ነቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝተነድፈን ዝተመስረትን ሓደ ስልፊ ኣካሉ ክኸውን ፍቓደኛ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ምስ ተናወሐ፡ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህወሓት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ብማእከላይ መንግስቲ ተቐባልነት ዝተነፍጎ በይንኣዊ ምርጫ ብምካያድ ንኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ እዋኑ ምርጫ ስለዘየካየድ ኣፍልጦ ነፊገሞ።
እቲ ወጥሪ እናተጋደደ ከይዱ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ ምርጫ ናይ ክልል ትግራይ ኸኣ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግረይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ብለይቲ መጥቃዕቲ ከፊቶም።
ከም ግብረ መልሲ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ዝበሎ መጥቃዕቲ ክካየድ ኣዊጁ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ 18 ጥቅምቲ ነቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣብ መጀመርታ'ኳ እንተኸሓዶ ድሕሪ ሰዓታት ግን ባዕሉ ከምዝፈጸሞ ተኣሚኑ።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንርግኣት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክጸልዎ ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመረን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝልሓመ ኵናት ንኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን ጸልይዋ፡ ጽልውኡ ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ብምልሓም ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ሱዳን ንኽስደዱ ኣገዲድዎም'ዩ።
ሰራዊት ህወሓት ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ዝኾነት ከተማ ኣስመራ ክልተ ግዜ ሚሳኤላት ቶኩሶም። ሰራዊት ኤርትራ'ውን ኣብቲ ኣብ ናይ ትግራይ ኵናት ኢዶም ሓዊሶም፡ ኣብታ ክልል ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ'ውን ይኽሰሱ'ዮም።
ሰራዊት ኤርትራ ሕጂኸ ኣብ ክልል ትግራይ ኣሎ ድዩ ዝብል ሕቶ ንጹር ኣይኮነን፡ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት ንሮይተርስ ከምዝሓበርዎ ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘሎ'ዮም ዝገልጹ።
እቲ ካልእ ስክፍታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከተኩር ነቲ ኣብ ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ዝገብሮ ዝነበረ ወፍርታት ከየወንዝፎ'ዩ።
እዚ ምስ ዝኸውን እቲ ኵናት ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ናብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ጽልዋ ምፍጣሩ ዘይተርፍ ይመስል።
ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሺድ ዓብዲ፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንኢትዮጵያ ከዳኽማ ከምዝኽእል እዩ ዝገልጽ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መላእ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ራሺድ ይትንትን።
እቲ ዘሎ ቅልውላው፡ ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ኣንጻር መንግስቲ ከምዝልዓሉ ክገብሮም ከምዝኽእል ራሺድ ይገልጽ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ "ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ብምባል ዘይርግኣት ኢትዮጵያ ድማ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደገኛ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ጉተረዝ ኣቐድም ኣቢሉ "ኣብ መላእ ሃገር ሰላምን ርግኣትን ንምስፋንን ነዚ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕን" ሃገራዊ ዘተ ክግብር ጸዊዑ ነይሩ'ዩ።
ውሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ብክልተ ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን "ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ እቲ ዞባን ኣገዳሲ'ዩ" ብምባል፡ ኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ተኵሲ ደው ከብሉን ናብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ዕንቅፋት ንኽባጻሕ ባይታ ክጣጣሕን ጸዊዑ።
ማሕበረሰብ ዓለምከ እንታይ ይብል ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ሓይልታት ትግራይ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብምስዳድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጾም መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን "ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ንምሓዝ ኮነ ንምኽባብ ዝገብርዎ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ንቃወሞ ኢና" ኢሉ።
ብኣንጻሩ ብ2 ሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንኢትዮጵያ ካብቲ African Growth and Opportunity Act (AGOA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ሃገራት ብዘይ ቀረጽ ምህርተን ናብ ኣመሪካ ከእትዋ ዘፍቅድ ሓለፋ ከምዝኣለያ ገሊጹ።
ጆ ባይድን፡ ነተን ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ጊኒን ማሊን'ውን ካብቲ ሓለፋ ከምዝኣለየን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ውሳነ ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን'ውን ጠቂሱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ንዲፕሎማስያዊ ዘተ ተሓሲሙ'ዩ ዘሎ፡ ብኣንጻሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኵናት ናይ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑን ኢትዮጵያ ባዕላ ከምእትፈትሖን'ዩ ብተደጋገሚ ገሊጹ።
3 ሕዳር መበል ሓደ ዓመት ምጅማር እቲ ኵናት ኣመልኪቱ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእክቲ፡ ንጻላእቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ብደምና ክንቀብሮም ኢና" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







