ቅልውላው ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ህዝቢ ኢትዮጵያ 'ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን'ሒዙ ክቃለስ ጸዊዑ

ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ካልኦት ዕማማቱ ገዲፉ ንህወሓት ''ንምምካት፣ ንምስዓርን ንምቕባርን ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ኣለዎ'' ክብል ጸዊዑ።

ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ከም ዝተቖጻጸሩ ምስ ኣፍለጡ እዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር እዚ ናይ ክተት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ብቀዳም፡ ሓይልታት ትግራይ ንደሴ ከም ዝተቖጻጸሩ እኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ግን እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ፌደራልን ከምእትርከብ ሓቢሩ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ምሸት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ "መሪር ቓልሲ ኣካይድና ጥዑም ዓወት ከነስተማቕር ኢና" ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ ግንባር ወሎ ኢትዮጵያውን ዘይኮኑ ወታሃደራት ንሓይልታት ትግራይ ሓጊዞም ተዋጊኦም ክብል ከሲሱ።

ንሱ ሎሚ ንላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ ኣኪቡ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ነቲ ክሲ ከምዘቕረበ ፋና ጸብጺቡ።

እቲ ወኪል ዜና ''ኣብቲ ኲናት ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑን ናይ ኢትዮጵያ ዘርኢ ዘይብሎምን ጸዓዱን ጸለምትን ምስቲ ግብረ ሽበራዊ ጉጀለ ተሰሊፎም መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ እቲ ቀደማይ ሚኒስተር ኣረጋጊጹ'' ኢሉ።

እንተኾነ ብዛዕባ መንነት እቶም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፎም ተዋጊኦም ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ዘይኮኑ ዕጡቓት ኣይገለጸን።

ቅድሚ ሕጂ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትዮም፡ ምስ ወጻኢ ዝራኸብሉ መስመር ከምዘየለ'ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

ሰራዊት መንግስቲ ብናይ ኤርትራን ካልኦት ሓይልታት ወጻኢን ተደጊፉ ኣብ ልዕሊኦም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ'ውን መራሕቲ ህወሓት ክኸሱ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ዝብልዎ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሶማልያን ግን ክሳብ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

'ህወሓት ደንበ ስቓይ ኢትዮጵያ'ዩ' ዝበለ ኣብዪ ኣሕመድ "ብኣርባዕተ ግንባር ተኹሲ ከፊቱ ሃገር ናይ ምፍራስ ተግባራት ቐጺሉ'ሎ" ኣብ መግለጺኡ ተዛሪቡ።

"ኣብዚ ሰሙን ኩሉ ሓይሉ ናብ ግንባር ወሎ ኣምጺኡ ኣሎ፤ ሃገር ንምጥፋእ ዝመጽአ ዕስለ ሃገር ንምድሓን ንዝተልዓለ ሓይሊ ክርብሾ እምበር ክስዕሮ ኣይኽእልን" ብምባል ዜጋታት ነዚ ሓይሊ ክምክቱ ይግባእ ክብል ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ ሃገር ዘጋጠሙዋ ጸጋማት ዝተሓላለኹ'ኳ እንተመሰሉ ኣቦታትና ካብ ዝሓለፉዎ መከራ ግን ዝኸብድ ኣይኮነን ኢሉ።

ስለ ዝኾነ ድማ "ህዝቢ ንግዝኡ ካልኦት ጉዳያቱ ገዲፉ እቲ ንጥፍኣት ዝመጽአ ኣሸባሪ ህወሓት ንምቅላስ፣ ንምስዓርን ንምቕባርን ዝኾነ ዓይነት ዕጥቅን ዓቕምን ሒዙ ብሕጋዊ ኣወዳድባ ክቃለስ ይግባእ" ክብል ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ክተት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

መራሕቲ ህወሓት ግን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ክሳብ ዝለዓል ውግእ ከምዝቕጽሉ እዮም ዝገልጹ ዘለው።

መንግስቲ ኣብዚ ሓደ ዓመት ክመልኦ መዓልታት ተሪፉዎ ዘሎ ኲናት ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክተት ከቕርብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰሜንን ደቡብን ወሎ ከበድቲ ውግኣት ይካየዱ ኣለው።

በዚ ምኽንያት መንግስቲ እቲ ክልል ትማሊ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምድንጋግ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃ ዝርከቡ ኣመራርሓ፡ ነቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣንጻር እቶም ዝግስግሱ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ክቃለሱ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሎም ዘሎ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ልዕሊ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዘድልዮም ብምግላጽ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ንኽብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ'ዩ።