ኢትዮጵያ ስለምንታይ እያ ኣብ ስርናይ ረድኤት ወጻኢ ምጥርጣር ተርኢ ዘላ??

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሕማም ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝኽሰቱ መብዛሕትኦም ፀገማት እታ ሃገር፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያቶም ካብ ወፃኢ ሃገር ዝመፅእ ስርናይ እዩ ክብል ተዛሪቡ እዩ።
“ስርናይ ዝበሃል ነገር ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ተጌርና፡ ሰብዓ ሚእታዊት ፀገም ኢትዮጵያ ክቕረፍ እዩ። ፀገም ኢትዮጵያ ናይ ረድኤት ስርናይ እዩ። ምስ ረድኤት ስርናይ ብዙሕ መዘዝ እዩ ዝመፅእ። ንሱ እንተገዲፍና ዝበዝሕ ፀገምና እዩ ዝቕረፍ ” ክብል ተዛሪቡ።
ንምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ስርናይ ምስ ሕማማትን ካልኦት ፀገማት ኢትዮጵያን ምዝማዱ ትኽክል ድዩ?
ኣብ ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝመፅእ ዘሎ ናይ ስርናይ ፅግዕተኝት
ስርናይ ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ዘርኢ ኮይኑ ኣይፈልጥን፤ እንተኾነ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጆ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማታት ተፈታውነት እናረኸበ መፂኡ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ዝለዓለ መጠን ስርናይ ተፍርይ እንተኾነት ምስ ዘሎ ጠለብ እንክነፃፀር ግና ክመጣጠን ኣይከኣለን።
እታ ሃገር ኣብዚ እዋን ሚልየናት ረድኤት ምግቢ ዝፅበዩላ፣ ሕፅረት ምግብን ድርቅን ዘለዋ እያ።
ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሕፅረት ንምምላእን ንረድኤትን ስርናይ ካብ ወፃኢ ናብታ ሃገር ይኣቱ።
ዝበዝሕ ስርናይ ድማ ካብ ኣሜሪካ እዩ ዝመፅእ።
ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ስርናይ ሕማም ከምፅእ ይኽእል’ዶ?
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንሓረስቶት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ብሰንኪ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሕማማት ይመፅኡ ከምለዉ ተዛሪቡ’ዩ።
ንሓረስቶት ኢትዮጵያ ብልዑል ኩነታት ካብ ሞንጎ ዝፍትኑ ናይ ስርናይ ሕማማት ንፋስ ተሸኪሙ ዘምፅኦ ፈንገስ (ዕሳው) እዩ።
ንኣብነት ኣብ 2010 ዝተኸሰተ ለበዳ 30 ሚእታዊት ዝኾነ ናይ ሕርሻ መሬት ክጎድእ እንከሎ፡ ልዕሊ 15 ሚእታዊት ምህርቲ ከምዝንኪ ጌሩ።
ኣብ 2013 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ’ውን፡ ሓድሽ ዓሌት ሕማም ስርናይ (ፈንገስ) ቅድሚ ሕዚ ዲጋሉ ብዝብል ዝፍለጥ ሕማም ተፃዋሪ ንዝኾነ ስርናይ ብምጥቃዕ ሰፊሕ ክሳራ ኣውሪዱ’ዩ።

ኣብ 2017 ዝተሓተመ ሓደ ምፅናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ እዚ ፍሉይ ዓሌት ፈንገስ፣ ካብ የመን ናብ ኢትዮጵያ ብንፋስ ከምዝመፅአ ይእመን። እንተኾነ ካብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ዝመፅአ’ውን ክኾን ይኽእል።
ኣብ ኢንተርናሽናል ሴንተር ፎር ኣግሪካልቸራል ሪሰርች ኢን ዘ ድራይ ኤሪያስ (ኣይካርዳ)፡ ኣብ ምህርቲ ስርናይ በዓልሞያ ዝኾነ ኣይተ ውለታው ታደሰ ደጉ፡ ብርግፀኝነት ሕማም ዝራእትን ባልዓትን፡ ካብ ወፃኢ ወይ ካብ ወፃኢ ብዝኣትዉ ዝራእቲ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቱ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝላብዑ ካብ ዘለዉ ባልዓትን ፃህያያትን፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ካብ ወፃኢ እዮም ኣትዮም ዝብሉ ቅረታታት ኔሮም” ይብል።
“ሩባታትናን ቃላያትናን፣ ናይ ሕርሻ መሬታትናን መግሃጫታትናን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ብዘይነበረ ኩነታት ብተላባዒ ፃህያይ ኣብ ስግኣት ኣለዉ” ብምባል የረድእ።
ብደረጃ ዓለም፡ ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣትዉ ምህርትታት ሕማም ዝተላብዐሎም ኣጋጣምታት ኣለዉ።
ሓደ ኣብነት ንምልዓል፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሓደ ትካል ንግዲ ኣቢሉ ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ናብ ባንግላዴሽን ዛምቢያን ዝሰገረ ‘ዊት ብላስት’ ዝተብሃለ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም ብዘርኢ እዩ ዝመሓለለፍ።
ናይ ስርናይ ፈንገስ ብንፋስ ኣቢሉ ስለዝመሓላለፍ፡ ዝበዝሕ ግዜ ሓደሽቲ ዓሌት ኣይመፁን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ገሊኦም ናይ ስርናይ ፈንገሳት ካብ ካልኦት ከባብታት ከምዝመፅኡ ከምዘርእይ ኩሉ፡ ገሊኦም ዓሌታት ምስ ግዜ ተቐያይሮም ሓድሽ ባህሪ ከምዘምፅኡ ዘርእይ ሓበሬታ ኣሎ።
ወሃቢት ቃል ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ ምትሕብባር ልምዓት ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ረድኤት ምግቢ ኣሜሪካ፡ ኩሎም ዓለምለኸ ረቛሕታት ንምምላእ ስጡም ቁፅፅር ፅሬት ይግበረሉ እዩ” ኢላ።
ከምኡ’ውን መምርሕታት ድሕነነት ምግብን ፅሬትን ብዘኽበረ መልክዑ’ዩ ሓገዝ ዝግበር ክትብል ኣረዲኣ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይብል?
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ሕማም የምፅእ’ዩ ምባሉ ስዒቡ፡ ንኣፈኛ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ሓቲትናያ፡ ዘረባ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ስርናይ ብምርሓቕ፡ ጥዕንኡ ዝሓለወ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ምስ ምጥቃም ዝዛመድ ከምዝኾነ ገሊፃ።
“ካብ መጠን ንላዕሊ ርጉዲ፣ ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉን ልዑል ካርቦሃይድሬት ምስ ዘለዎም ምግብታት ዝተዛመዱ’ዮም። ስለዚ ሓፈሻዊ መልእኽቱ፡ ናይ ባዕልና ኣፍራይነት ሕርሻ ብምዕባይ፡ ኣብ ምንካይ ፅግዕተኝነት ረድኤት ዘድሃበ እዩ” ኢላ።
እታ ወሃቢት ቃል ዝሃበቶ ምላሽ ግና፡ መንግስቲ ካብ ወፃኢ ምስ ዝኣቱ ስርናይ ፀገም ከምዘለዎ እምበር፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስዝፈርይ ስርናይ ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ።
ናይታ ሃገር ጠቕላላ ቀረብ ስርናይ፡ ሰለስተ ርብዒ ኣብ ውሽጢ ዓዲ እዩ ዝፈርይ።
እታ ወሃቢትቃል ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣቱ ስርናይ ፅግዕተኛ ምዃን ደው ምባል ቀጥታዊ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝቑጥብ ተዛሪባ።
ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ኣብ ዝኣቱ ስርናይ ድጎማ ብምግባር ንዓበይቲ ፋብሪካታት ሕሩጭ ተቕርብ'ያ፡ እዞም ፋብሪካታት ድማ ሓሩጭ ንሰንከትቲ ባኒ ይሸጡ።
እታ ወሃቢትቃል፡ “ኣብ ረድኤት ዘሎ ፅግዕተኝነት፡ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ከምኡ ኣፍሪቃውያን፡ ዘለዎም ሃፍቲ ብግቡእ ከይጥቀሙ ኣጊድዎም እዩ” ዝብል ቅዋም ኣለዋ።
ኢትዮጵያ ዝያዳ ስርናይ ምፍራይ ትኽእል’ዶ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ስርናይ ብውሑዳት ሓረስቶት እዩ ዝፈርይ።
እንተኾነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ፍርያት መካናይዝድ ሕርሻ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ካብ መንግስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ይኹን’ምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መፍራያይነት ትሑትን ምስ ዘሎ ጠለብ እንትነፃፀር ውሑድን’ዩ።
ብልሙድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ደጉዓ እዩ ስርናይ ዝቦቅል፤ ምስ ዝናብ ድማ ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
እታ ሃገር፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልምዓት መስኖ ብምጥቃም ኣብ ከባብታት ቆላ’ውን ፍርያታ ትውስኽ ኣላ።
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ እታ ሃገር ብኩታ ገጠም (ክላስተር)፣ መካናይዝድ ሕርሻ ብምብርትታዕ፣ ከም ድኹዕን ፅሬት ዘለዎ ዘርኢ ብምድጓምን ኣብ ቆላ ስርናይ ክፈርይ የተባብዕ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ 2023 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ሙሉእ ብሙሉእ ስርናይ ካብ ወፃኢ ንምእታው ደው ንምባል ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
በዓልሞያ ኣይተ ውለታው ታደሰ ኣብዚ ጉዳይ፡ “ዘይተሓረሰን ብመስኖ ክለምዕ ዝኽእልን 500 ሽሕ ሄክታር መሬት ስለዘለና፡ ብጣዕሚ ሓቃውን ክብፃሕ ዝኽእልን ሸቶ እዩ” ኢሉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







