መራሒ ዕልዋ ሱዳን ኢንተርነት ዳግም ንምኽፋት ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን እቲ ኣብታ ሃገር ተቋሪጹ ዘሎ ኣገልግሎት ኢንተርነት "መራኸቢ ብዙሓን ሓቂ ይጽብጽቡ ምህላዎም ምስ ኣረጋገጽና በብቕሩብ ክንከፍቶ ኢና" ኢሉ።
እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 25 ጥቅምቲ 2021 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስግኣት ነጻነት ሚድያን ሓበሬታን ክቕጽል ምዃኑ ከም ዘአንፍት ተንተንቲ ይዛረቡ።
ንነጻነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ኢንተርነት ድሕሪ እቲ ዕልዋ ምስ ተቋረጸ ጌና ዳግም ከም ዘይጀመረ ብረቡዕ ገሊጹ።
መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር፡ ብዛዕባ ህልው ምዕባለታትን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ዘቕርብዎ ጸብጻባት'ውን ድሩት እዩ ዘሎ።
መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ብቐንዱ ንመልእኽቲ ጀነራል ቡርሃን ምስ ሓርበኛውን ባህላውን ሙዚቃታት ብምውህሃድ ክተቕርብ እንከላ፡ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሱና ድሕሪ 24 ጥቅምቲ ሓድሽ ትሕዝቶ ኣይተለጠፎን።
ብሚኒስትሪ ዜናን ባህልን ዝካየድ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝድግፍ ናይ ፌስቡክ ገጽ፡ ንጀነራል ቡርሃን ዝጻረርን ህዝባዊ ተቓውሞ ክቕጽልን ዝጽውዕ ትሕዝቶታት ክልጥፍ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ገዝኡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ዓብደላ ሓምዶክ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ገዛ ቡርሃን ተቐዪዱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ምዕላው ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን (ኤስፒኤ) ኣብ ናይ ትዊተርን ፌስቡክን ገጻቱ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታትን ህዝባዊ ተቓውሞን ክጉስጉስ ጸኒሑ ኣሎ።
ብዘይካ'ዚ ብዓሰርተታት ዝቑጸር ስእልታትን ቪድዮን ሰልፈኛታት ኣብ ካርቱም ይልጥፍ ኣሎ። ንቐዳም ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ተወጢኑ ምህላው'ውን ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







