ሱዳን፡ ብዛዕባ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን ክትፈልጥዎ እትደልዩ ብሓጺር

ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝድግፉ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ዘለዎም ተቃውሞ ኣስሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP

እታ ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣባላት ካበኒኡን ዝተኣሰሩላን ዕልዋ መንግስቲ ዝተፈጸመላን ሱዳን ከም ኩሎም እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻዱ ዕልዋ መንግስታት እታ ሃገር፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ እታ ሃገር ክሰፍር እዩ።

እታ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክትህመስ ዝጽንሐት ሱዳን፡ ቁጠባኣ ባይታ ዘቢጡ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ንሂሩ፣ ሕጸረት ምግቢ፣ መድሃኒትን ነዳድን ድማ ኣሎ።

እቲ ዕልዋ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ሃገር ጽቡቕ ርክብ ክምስርቱ ጀሚሮም ዝነበሩ ሓያላት መንግስታ'ውን ዘሰንበደ ክስተት እዩ።

ንምኳኑ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ድሕረ ባይታ'ቲ እቲ ዕልዋ መንግስቲ

ንነዊሕ እዋን ንሱዳን ጨቊኑ ዝገዝኣ ምሕደራ ፕረዚደንት ነበር ዖማር ኣልባሺር፡ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ኣብ 2019 ኣብ መንጎ ወተሃደራውን ሲቪላውን መራሕቲ ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ስምምዕ ተገይሩ።

ፕረዚደንት በሺር ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ'ኳ እንተተኣለየ፡ ህዝቢ ሲቪላዊ ምሕደራ እዩ ዝጠልብ ነይሩ።

ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ዲሞክራስያዊ መንግስት ንምፍጣር ምስ ሲቪላዊ መራሕቲ ናብ ድርድር ክኣቱ ተገዲዱ።

ሕዚ እታ ሃገር እቲ ሽዑ ዝተመስረተ 'ልኡላዊ ቤት ምኽሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ኣካል እዩ ክመርሓ ትጽቢት ዝግበረሉ ነይሩ።

እንተኾነ ክልቲኦም ኣካላት ብግልጺ ኣብ ወጥሪ ኣትዮም እዮም ጸኒሖም።

ጠንቂ እቲ ወጥሪ እንታይ እዩ?

ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣባላት እቲ ሓበራዊ ልኣላዊ ቤት መኽሪ፡ እቶም ሲቪላዊ መራሕቲ ምምሕያሽ ክገብሩን ሓደሽቲ ኣባላት ከምጽኡን ይሓትዎም ነይሮም።

እዚ እቲ ወተሃደራዊ ክፍሊ፡ ስልጣኑ ንምጥንካር ኮነ ተባሂሉ ዝተኣልመ ተገይሩ ስለዝተወስደ፡ በቶም ሲቪል መራሕቲ ተነጺጉ።

ርግጽ፡ ካብ 2019 ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ፈተነ ዕልዋታት ፈሺሉ እዩ።

ካብኣቶም እቲ ሓደ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈተነ እዩ ነይሩ።

እቲ ዝዓበየ ሲቪላዊ መራሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ኣብ ሓይልታት ጸጥታ ተሰግሲጎም ኣለዉ ዝበሃሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ቤሺር እዩ ተሓተትቲ ገይሩ።

ካብኡ ድማ፤ ንወተሃደራዊ ክፍሊ እቲ መንግስቲ ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም፤ ብኣንጻሩ ነዚ ዝጻብኡ ድማ፡ ደገፍቲ'ቲ ቀዳማይ ሚነስተር ሰልፊ ድጋፍ ወጺኦም።

እቶም ነቲ ወተሃደራዊ ከፍሊ ደጊፎም ሰልፊ ዝወጽኡ፤ እቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓበራዊ መንግስቲ ነታ ሃገር ካብቲ ኣትያቶ ዝጸንሐት መዓሙቕ ከውጸአ ኣይከኣለን ኢሎም እዮም ዝኸስዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ነዳድን ካልእን ብዝተኣሳሰር ዘምጸኦም ቁጠባዊ ምምሕያሻት ብዙሕ ኣይተፈተውሉን።

ፖለቲካ ሱዳን ካብ ቀደሙ፤ ሕምትልትል ዝበለ እዩ።

ማግዲ ዓብደልሓዲ ዝተብሃለ ተንታኒ ምብራቅ ኣፍሪቃ፡ ከምዝበሎ፡ ኣብ ሱዳን ቅድም ክብል ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ተቐራሪብካ ምስራሕ ንቡር ኮይኑ ንዘይምጽንሑ፡ ነዚ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ በሪ ከፊቱ እዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሱዳን ልዕሊ 180 ውድባት ፖለቲካ ኣለዋ።

እዚ ምክፍፋል ድማ፡ ኣብቲ ልኡላዊ ቤት ምክሪ'ውን ተስተውዒሉ።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ሲቪላዊ መራሕትን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ሕዚ'ውን ፖለቲካዊ ስምምዕ ምፍጣር ገና ርሑቕ ምዃና ዘመልእክት እዩ።

ሕዚ እንታይ እዩ ዝውን ዘሎ?

ብሰኑይ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላውያን መራሕቲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ውሽጣዊ ቁርቁስ ነቲ ዕልዋ ከካይዱ ከምዝተገደዱ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሰራዊት ሱዳን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ'ታ ሃገር ብምፍራስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ንዝርከቦም ሲቪላውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ብምእታው ነቲ ቤት ምክሪ ብምፍራስን ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ 2023 መረጻ ክካየድ እዩ'ውን ኢሉ ኣሎ።

እቶም ዕጡቓት ናብ መንበሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ብምእታው ንዓብደላ ሓምዶክን ንኣማኻሪኡን ብሰኑይ ከም ዝኣሰርዎም እዩ ዝንገር።

እቲ ሰራዊት ንመንግስታዊ መደበር ቴቪዥንን ሬድዮን ድማ ተቖጻጺሩ ከምዝኾነ የመልክት።

ኣብ መላእ ሃገር ኢንተርኔት ተቛሪጹ ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳ ከምኡ'ውን ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኖም ኣለዉ።

ኣብ ቀጻሊኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ኣሌኬስ ዲ ዋል፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ ምውዳብ ባህሊ ኣብ ግምት እንትኣቱ፡ ገና እቲ ዕልዋ መንግስቲ ተወዲኡ ምባል ኣይከኣልን ይብል።

እቲ ሰራዊት መስመሩ ክሓልፍ እንተሎ፤ እቲ ህዝቢ ግልብጥ ኢሉ ናብ ጎደና እዩ ዝወጽእ፤ ሕዚ ንሪኦ ዘለና ድማ ከምኡ እዩ- ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ተዛሪቡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ዝግበር ስግግር መስርሕ ክጣበቕን ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዕን ጻውዒት ከምዘቕረበ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ሓቢሩ ነይሩ።

ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኢም ሓያል ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።

ሓይልታት ጸጥታ ብወገኖም ኣንጻር እዚ ምንቅስቓስ ተዋፊሮም ኣለዉ።

ኣብ 2019፡ ቅድሚ እቲ ዲሞክራስያዊ ቅዋም ምፍራሙ፡ ሓይልታት ጸጥታ ተኲሶም 87 ሰባት ቀቲሎም እዮም።

ክልቲኦም ኣካላት እንትናኸሱ፡ እዚ ጅምላዊ ቅትለት ካብ ኣእምሮ እቲ ህዝቢ ዝጠፍእ ኣይኮነን።