ተቓውሞ ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ሱዳን ኣብ ኣፍደገ ሚኒሰትሪ ምክልኻል ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ፡ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ መኽልኻል ኣስታት 6 ሰልፈኛታትን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኣባላት ጸጥታትን ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱ ወተሃደራት ሱዳን ምዃኖም'ኳ እንተሓበሩ፡ እቲ ሰራዊት ግን ''ብዘይተፈልጡ ኣካላት '' ከም ዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ሱዳን፡ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንተ ዑመር ኣልበሽ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ብወተሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ኢያ ትምራሕ ዘላ።
ሰልፈኛታት ድም ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኖም እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መተሃደራዊ መንግስቲ ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ክሰጋገር ይጠልቡ ኣለው።

ኣኽበርቲ ሕጊ ሱዳን፡ እቲ ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስልጣኑ ዝተኣለየ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ቅትለት ሰልፈኛታት ሱዳን ኢድ ከም ዘለዎ ከሲሶም።
መበገሲ እቲ ክሲ፡ ኣብ እዋን ህዝባዊ ተቓውሞ ዘጋጠመ ሞት በዓልሞያ ሕክምና እዩ።
ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ካብ ስልጣን ካብ ዝተኣለየሉ እዋን ኣብ ማእሰርቲ እዩ ዝርከብ።
ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ብዝምልከት መርመራታት ይግበረሉ ከም ዘሎ'ውን ይግለጽ።
ገለ ሱዳናውያን ግና፡ ንኣልበሽር ኣብ ቤትፍርዲ ክሳብ ዝርእይዎ እዚ ብድሆታት ገጢምዎ ምህላው ክኣምኑ ከም ዘይከኣሉ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዊል ሮስ ይገልጽ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሰለፈኛታተ ነቲ መንግስቲ ዋጋ ባኒ ብሰለስተ ዕጽፊ ክውስኽ ዘሕለፎ ውሳነ ብምቅዋም ናብ ጽርጊያታት ብምውጻእ ዝጀመረ እቲ ተቓውሞ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ነቲ ንሰላሳ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ምምሕዳር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለይ ክሓትት ጀመረ።
ድሕሪ ሓሙሽተ ሰሙናት፡ ኣብ ጥሪ 17፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብምትኳሶም፡ ሓደ ዶክተር ተቐትለ።
እቲ ሓኪም ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኮይኑ ንዝተሃረሙ ሰባት ህክምናዊ ሓገዛት እናገበረሎም፡ ፖሊስ ናብቲ ህንጻ መንብዒ ጋዝ ቶኪሶም።
እቲ ሓኪም ኣእዳው ኣልዒሉ ናብ ግዳም ብምውጻእ ሓኪም ምዃኑ እኳ እንተነገሮም፡ ብጥይት ከም ዝሃረምዎ፤ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሰባተ'ውን ተቐቲሎም እዮም።
ብድሕሪ እዚ ሰልፈኛታት፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ነቲ ፕረዚደንት ክኣልዮ ብምጥላብ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ሰራዊት ኮፍ ብምባል ተቓውሞኦም ቀጸሉ።
ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ሚያዝያ 11 ስልጣን'ኳ እንተሓዘ፡ ነቲ ስልጣን ናብ ሲቪል ከሰጋግሮ ብምጥላብ ሰልፈኛታት ተቓዎሞታቶም ይቕጽሉ ኣለው።
ብሰራዊትን ሕብረት ተቓወምትን ዝቖመ ልፍንታዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝርርባት ይካየድ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







