ሕጊ ሸሪዓ መሰረት ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ክኸውን ከም ዘለዎ፡ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ገሊጹ

ሌተ. ጀነራል ሸምሰዲን ካባሺ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕሬዚደንት ዑመር ኣል በሺር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝወርድ ድሮ ሓደ ወርሒ ገይሩ ከብቅዕ፡ እቲ ንምውራዱ ዝተወልዐ ተቓውሞ ግና፡ ይቕጽል ኣሎ። እቶም ተቓውምቲ ሕጂ`ውን ህዝባዊ መንግስቲ ክቐውም ይጠልቡ ኣለው።

እቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ብወገኑ ኣቶም ተቓወምቲ ንጉዳይ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ብምጉሳዮም ክነቕፎም ይስማዕ። እቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ኩሉ ናይ ሱዳን ስርዓተ ሕጊ፡ ኣብ ሸሪዓ ዝተመስረት ኢዩ ይብል።

እቲ ኣብ ምንጎ ክልቲኡ ደንበ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ ዕጽው መንገዲ ስለዝበጽሐ፡ ከም መፍትሒ፡ እቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ኣብ ውሸጢ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምርጫ ከካይድ፡ መደባት ከምዘለዎ ገሊጹ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን ሕጊ ሸሪዓ ናይ ግድን መሰረት ናይቲ ሓድሽ ሕጊ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

መራሕቲ ናይቶም ተቓወምቲ፡ ፕሬዚደንት ዑመር ኣል-በሺር ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ፡ ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተፈላለየ እማመታት ኣቕሪቦምሉ ነይሮም።

እንተኾነ፡ እቲ ዓሰርተ ዝኣባላቱ ወተሃደራዊ ባይቶ፡ ኣብቲ እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ዘቕረብዎ ሓሳባትን ስቕትኦም ኣብ ጉዳይ እስላማዊ ሕግን "ብዙሕ ዕቃበታት" ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቶም ተቓወምቲ ናብቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ዘቕረብዎ እማመታት፡ ብመንገዲ እቲ፡ ንተጣበቕቲ መሰላትን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ብልፍንቲ ዝመርሕ ዘሎ፡ ውድብ ነጻነት ንለውጢ ኢዮም ኣቕሪቦሞ።

ኣፈኛ ናይቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ፡ ሊተናል ጄኔራል ሸምሰዲን ካባሺ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ሓሳባት ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ገሊጹ።

እንተኾነ፡ "እቲ ልፍንታዊ ውድብ፡ ነቲ መሰረት ስርዓተ ሕጊ ሃገርናን ባህልናን ዝኾነ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓ ጎስዮም ሓሊፎሞ" ኢሉ ሸምሰዲን ካባሺ።

``ብናትና ኣጠማምታ፡ እስላማዊ ሕጊ ሸሪዓን ወግዕታትናን ባህልታትናን፡ መሰረት ናይ ሃገርና ስርዓተ ሕጊ ኢዮም`` ድማ ኢሉ።

እቲ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዘሎ ቅዋም፡ ሕጊ ሸሪዓ ቀንዲ መምርሒ መትከላት እታ ሃገር ኢዩ ይብል።

እንተኾነ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕሬዚደንት በሺር እቲ ሕጊ ሸሪዓ ብስርዓት ኣይተጠቕሙሉን። ገለ ተጣበቕቲ መሰላት ከምዝብልዎ፡ ሕጊ ሸሪዓ ደቀንስትዮ ንምጽቃጥ ኢዮም ዝጥቀምሉ ነይሮም ኢሎም።

ገለ ንመሰላት ደቀንስትዮ ዝጣበቓ ማሕበራት ድማ ብሰንኪ እቲ ሕጊ ኣሽሓት ደቀንስትዮ ዘይእሩም ባህርያት ብምንጽብራቐን ከምዝተገርፋ ኤኤፍፒ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።

ኣብቲ ዘቕረብዎ እማመታት፡ ካልእ ኣጸጋሚ ነጥብታት`ውን ዝሓቖፈ ኢዩ ነይሩ ኢሉ ሌተ-ጄኔራል ሸምሰዲን ካባሺ።

ተቓወምቲ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኮይኖም 'ስሁር' [ፆም መእሰሪ ቁርሲ] ፈፂሞም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተቓወምቲ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ፅሕፈት ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኮይኖም 'ስሁር' [ፆም መእሰሪ ቁርሲ] ፈፂሞም

እቶም ተቓወምቲ ካብ ዘቕረብዎ እማመታት፡ እቲ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ናይ ምእዋጅ ስልጣን ናይቲ ካቢነ ምኒስተራት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ከለው፡ እቲ መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ባይቶ ድማ እቲ ስልጣን ናይቲ ብሕጂ ዝምረጽ ልኡላዊ መንግስቲ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሉ።

እቶም ተቓወምቲ እቲ ናይ ምስግጋር እዋን ንዓርባዕተ ዓመት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ከለው፡ እቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ድማ ኣይፋል፡ እቲ መሰጋገሪ እዋን ንኽልተ ዓመት ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

እንተኾነ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ፡ እቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ዝመጽእ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከካይድ ይሓስብ ከምዘሎ ሌተ-ጄኔራል ሸምሰዲን ኻባሺ ገሊጹ።

ኣፈኛ ናይ ሱዳን ሞያውያን ማሕበራት፡ ሓደ ካብቶም ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣምጃድ ፋሪድ፡ ድማ ነቲ በቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ዝተዋህበ መልሲ ``ኣጽኒዕና መልሲ ክንህበሉ ኢና`` ኢሉ።

ሓድ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ናይቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ብዝኾነ መንገዲ ኣብቲ ዝቐውም መሰጋገሪ ባይቶ ዝበዝሑ በርጌሳት ክኾኑ ከምዘየፍቅዱ ገሊጹ። ኣዚ ድማ ሃገር-ለኸ ተቓውሞ ኣስዒቡ።

እቶም ተቓውምቲ ጌና ኣብ ቅድሚ ወተሃደራዊ ቢት ጽሕፈት ብምዕስካር ምምስራት በርጌሳዊ መንግስቲ ይጠልቡ ኣለው።