ቅልውላው ሱዳን፡ 'ብርቱዕ ናዕቢ ንስቪላዊ ምሕደራ'

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብህዝባዊ ናዕቢ ትሕቆን ዘላ ሱዳን፡ ንመራሒኣ ኣልበሽር ድሕሪ ምግላፍ እውን፡ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ እታ ሃገር ንከብቅዕ ዜጋታታ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ዓሲሎም ኣለዉ።
ትማሊ ሚልዮናት ሱዳናውያን ዝሳተፍሉ ሰልፊ ብተሓለቕቲ (ተጣበቕቲ) ሱዳን ፡ ንዲሞክራሲ ዝድግፉ ሱደናውያን፡ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንክህሉ ዝጠልብ ሰልፊ ተቓውሞ ንኽካየድ ፀዊዖም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሱዳናውያን፡ ሲቪላዊ ምሕደራ ክህሉ ናብ ካርቱም ውሒዞም።
ደያኑ እታ ሃገር እውን ንፈለማ እዋን ነዚ ተቓውሞ ብምድጋፍ ናብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝፅንበሩ ኣፍሊጦም። ኣእላፍ ሱዳናውያን ድማ ነዚ ፃውዒት ብምቕባል፡ ናብ ካርቱም ይውሕዙ ኣለዉ።
ኣብዚ ናይ ስግግር ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ዝነበሩ ሰለስተ ቀንዲ ኣካታዕቲ ጀነራላት ንባዕሎም ምግላሎም ድማ፡ ነዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣንዲ ሑቐ ኮይንዎ እዩ።
ሰለስቲኦም ጀነራላት ኣኽረርቲ ተኸተልቲ እስልምናን፡ ቀንዲ መሻርኽቲ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ተገይሮም ይረኣዩ ነይሮም።
ሓደ ካብ መንጎ እቶም ሰልፈኛታት "ኣብ ታሪኻዊ ኩነታት ኢና ዘለና። ዝኾነ ምክፍፋል ንሱዳን ዝበታትን እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካልእ ድማ፡ "እዚ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱቕ ኢሉ እዩ ግዜ ዘጥፍእ ዘሎ፡ ሓሪቕና ናብ ገዛና ክንምለስ እዩ ተስፋ ገይሩ ዝጽበይ ዘሎ" ብምባል መርገፂ እቲ ወተሃደራዊ ቤትምኽሪ ከም ዘየዋፅእ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ኣብዚ ንኣርባዕተ ወርሒ ፀኒሕና ኢና፡ ሕዚ እውን ንደልዮ ነገር ክሳብ ንረክብ ን100 መዓልታት ኣብዚ ክንፀንሕ ኢና" ብምባል ድማ ቆራፅነቱ የንፀባርቕ።
እዚ ዓርሞሽሻዊ (ኣዝዩ ገዚፍ) ናዕቢ፡ ሕብረት ንነፃነትን ለውጥን ብዝበሃል ጉጅለ እዩ ተዋዲዱ።
እዞም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ሲቪላዊ ምሕደራ ንክህሉ ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ናዕበኛታት፡ ኣብ ዕዉት መንፈስ ኮይኖም እዮም ድምፆም ዘስምዑ ዘለዉ።
ገሊኦም ድማ "ደም ንደመኛታት፡ ደመኛ ገንዘብ ኣይንቕበልን" ብምባል 'ኣልበሽር ናብ ኣይሲሲ' ንክቐርቡ ኣብ ምጭራሕ ይርከቡ።
ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ መንበረ ስልጣኖም ዝተገለፉ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ካብ 2003 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ ኩናት ሕድሕድ ንክህሉ ብምውዳድን ኣብ ዳርፉር ንዝተፈፀመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብዓለም ለኸ ቤት ፈርዲ ገበነኛታት ኩናት ተኸሲሶም እዮም።
ኣብቲ ናይ ትማሊ ናዕቢ ዝተረኸባ ካልኦት፡ "ኣብ ልዕሊና ነቶግቲ ንክዘንብ ዝኣዘዘ መን እዩ? ተሓታቲ ኮይኑ ክንርእይ ንደሊ ኢና" ብምባል ኣዕይንተን ብንብዓት ተሓፂበን ተዛሪበን።
ንሰላሳ ዓመታት ስልጣን ንዝፀንሑ ኣልበሽር ዝገለፉ ሱዳናውያን፡ ሕዚ እውን ንወተሃደራዊ ቤትምኽሪ እታ ሃገር እንከይነቐሉ ትኽስ ዝብሉ ኣይመስሉን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







