ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ዝበዝሑ ሲቭል ንኽኾኑ ንዝቀረበ ጠለብ ነጺጉ

ሌተናል ጀነራል ሳላሕ ዓብደልካለክ
መግለጺ ስእሊ, ሌተናል ጀነራል ሳላሕ ዓብደልካለክ እቲ ሃገራዊ ቤት ምክሪ ፍርቂ ወተሃደራዊ ፍርቂ ድማ ሲቪላዊ ባይቶ ክኸውን ኣለዎ ይብል

ላዕለዎት ወተሃዳውያን ሓለፍቲ ሱዳን ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ኣብ ላዕለዋይ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ዝበዝሑ ካብ ሲቪል ክኾኑ ከም ዘየፍቅዱ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ሌተናል ጀነራል ሳላሕ ዓብደልካለክ እቲ ቤት ምኽሪ ፍርቂ ወተሃደራዊ ድማ ፍርቂ ሲቪላዊ ባይቶ ምስ ዝኸውን'ዩ ፍትሓዊ ዝኸውን ይብል።

ሰልፈኛታት ኣብ ኣፍደገ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ እዚ ሱዳን ብምዃን ተቃውመኦም የስምዑ ኣለዉ።

ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ፕረሲደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል በሽር፡ 11 ሚያዝያ ብህዝባዊ ተቃውሞ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተኣልየ ዝዝከር'ዩ።

ዑመር ኣል በሽር ብወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ድሕሪ ምትክኡ፡ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ውሸጢ ክልተ ዓመት ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ንዘቕረቦ እማመ ብህዝቢ ተቀባልነት ስለ ዘይረኸበ እቲ ተቃውሞ ይቅጽል ኣሎ።

መራሕቲ ተቃወምቲ፡ እዚ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብቅኑዕ መንፈስ ንህዝቢ ዘርብሕ ዘይኮነስ፡ ንኣልበሽር ዘርብሕ ተግባራት'ዩ ዝፍጽም ዘሎ ብምባል'ዮም ተቃውመኦም ዝቅጽሉ ዘለዉ።

ወተሃደራውያን መራሕቲ ብወገኖም፡ ሕግን ጸጥታን መላእ ሃገር ንኸኽብሩ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዘድልዮም'ዮም ዝምጉቱ ዘለዉ።

እዚ ሸውዓተ ኣባለት ዘለውዎ ቤት ምኽሪ ብሌተናል ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ዓብደልራህማን ቡርሃነ ዝምራሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ምስ ህዝቢ ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ እንተተበጺሑ ስልጣኖም ከም ዘረክቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ሓቢሩ ነይሩ።

መራሕቲ ተቃወምቲ ብሓሙስ፡ ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ዘገልግል ቅዋማዊ ንፍፎም ናብ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ከም ዘረከቡ ሓቢሮም።

መልሲ ንድፎም ዝጽበዮ ዘለዉ እዞም መራሕቲ ተቃውሞ፡ እቲ ንድፊ ቅዋም ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ዝህሉ ሓለፍነት ዝገልጽ ኮይኑ ኣብ ቤት ምኽሪ መን'ዩ ኽኸውን ዝብል ግን ኣይጠቀሱነ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት፡ ስልጣኑ ከረክብ ዝብል ዘቅረቦ ጻውዒት ዳግማይ ብምርኣይ ናብ 60 ምዓልታት ከም ዘሰጋገሮ ይፍለጥ።