ቅልውላው ሱዳን፡ ናብ ዴሞክራሲ ትሓኩር ዘላ ሱዳን ኣብ ጫፍ ሓደጋ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሱዳን ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ብሓይሊ ዝተዓለወሉ 2019 ጀሚራ ኣብ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ትርከብ።
ኣብ መጻኢ እታ ሃገር ድምጺ ክህልዎም ዝደልዩ ጉጅለታት ብዙሓት ምስ ምዃኖም እቲ ናብ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምምጻእ ዝግበር ጻዕርታት ውጽኢታዊ ኣይኮነን።
ኣል-በሽር ድሕሪ ሰሙናት ዝወሰደ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሰራዊት ካብ ስልጣኑ ከምዝተዓለወ ይዝከር። ብድሕሪኡ ከኣ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ዝብል መጸውዒ ዝሓዘ ስምረት ጉጅለታት ነቶም ተቓወምቲ ብምውካል ተቐልቂሉ።
ተቓውሞ ሱዳናውያን “ህዝቢ ንውድቀት እቲ ስርዓት ጥራሕ’ዩ ዝደሊ” ዝብል ምስቲ ናይ ‘ዓረብ ስፕሪንግ’ ዝመሳሰል ጭርሖ ነይርዎ። ሓበራዊ ድልየቶም ነቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምእላይ ጥራሕ ከምዝኾነ’ዮም ኣፍሊጦም።
ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ዝተፈላለዩ ክስተታት እናተረኣዩ ከመይ ናብ ቅድሚት ምስጓም ከምዝከኣል ቁሩብ ሓበራዊ ምርድዳእ ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣብ ሞንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ/ FFC’] ምምርቓሕ ስልጣን ክህልው ስምምዕ ተገይሩ። መረጻ ንኽካየድን ስልጣን ብሰላማዊ መገዲ ናብ ሲቪል መንግስቲ ንኽሰጋገርን ብምሕሳብ ድማ ነታ ሃገር ንሓደ ዓመት ዝመርሕ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ኣቚሞም።
ሸቶታት እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ይጋሃዱ ምህላዎም ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣዋጅ (‘ማኒፌስቶ’) ኣጽዲቖም። ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መስርሕ ውሳነ ምሃብ እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ዓብዪ ተሳትፎ ክህልዎም’ውን ጠሊቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሞንጎ እቶም ዝተመሓዘዩ ጉጅለታት ዝፍጠር ዘሎ ምክፍፋል ይዓብይ ምህላዉ ይግለጽ። ብርግጽ ኣብቲ ሓድሽ ሰነድ ናይ ኩሎም ተወከልቲ ኣይኮኑን ፈሪሞምሉ።
ኣብ ክልተ ዝተመቐሉ ጉጅለታት ኣብ ዋንነት ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ/ FFC’] ክሰሓሓቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብ ክንዲ ንኣፈላላያት ዘጽብቡ እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎኦም ንዘሎ ነቓዕ ዘግፍሕ ኮይኑ’ሎ።
ነቲ ናይ ስልጣን ክፍፍል ዝቃወሙ ሲቪል ፖለቲካዊ ጉጅለታት እውን ኣለዉ።
“ባዕላዊ -ዕንወት”
ንሲቪላት ብምውካል ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሓድነት ክህልውን ኣብ ሞንጎ ውድባት ፖለቲካ ዘሎ ምርሕሓቕ ከብቅዕን ብምጽዋዕ፤ እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ግን ንዴሞክራሲያዊ ስግግር ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቕ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ጸሓፊ ታሪኽ ሪቻርድ ኮኬት፤ ኣፈላላያት ወይ ምግምማዕ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ሱዳን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ልሙድ ተርእዮ ከምዝኾነ የረድእ።
‘ሱዳን፡ ውድቀትን ምክፍፋልን ናይታ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ [‘Sudan: The Failure and Division of an African State’] ዝብል ርእሲ ኣብ ዝሃቦ መጽሓፉ፡ ነቲ እታ ሃገር ናጽነታ ካብ ዝረኸበትሉ 1956 ጀሚሩ ንዘሎ ዋሕዚ ፖለቲካዊ መደብ ኣነጺሩ’ሎ።
“እዚ ርሱን ፖለቲካዊ ውድድር ኣብ ልዕሊ ዴሞክራሲ ባዕላዊ-ዕንወት ናይ ምፍጻም ዋጋ የኽፍል ምህላዉ” የረድእ።
እቲ ዝሰባበርን ዝፈናጨልን ተርእዮታት ንፖለቲካ ሱዳን እናዳኸሞ’ዩ መጺኡ። ግዜ፣ ናብ ስምምዕ ዘይምምጻእን ሓበራዊ ምርድዳእ ዘይምፍጣርን ነቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ስልጣን ንኽመጽእ መገዲ ዝኸፈቱ ምኽንያታት ኮይኖም ኣለዉ።
እቲ ወተሓደራዊ ሓይሊ ድማ ነቲ ፖለቲከኛታት ኣንቂሎምዎ ዝብሎ ጎንጺ ከረጋግእ ብዝብል ምኽንያት’ዩ ዕልዋታት ዘካይድ።
ቅድሚ ሓደ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝተፈተነ ቅትለት ዝተረፈ ቀዳማይ ሚንስትር ሓምዶክ፤ እቲ ምክፍፋል ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ምምሕዳር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጢ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ’ውን ከምዝኾነ ይገልጽ።
ኣብ ቀረባ ክምዕብሉ ዝጀመሩ ተርእዮታት ከኣ፤ እቲ ሰራዊት ንሲቪላዊ ምምሕዳር ብምእላይ ስግግር መንግስቲ ናይ ምክያድ ሓላፍነት ክወስድ ዝጽውዕ ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንኸውላዕ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ።
ንሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ናብ ሲቪላት ዝሰጋገረሉ እዋን እናተቓረበ ይመጽእ ብምህላዉ ከኣ እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ነዚ ዘጓትተሉ ምኽንያታት ይእልሽ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብድሕሪ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝውልዑ ዘለዉ ናዕብታት ተሳትፎ፣ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲን ምዕጻው ኣብ ሰሜን ሱዳን ዝርከብ ወሳኒ ወደብን ከምዘሎ ድማ ይጥርጠር።
ጻምእ ስልጣን ከምዘይብሎም እንተገለጹ’ኳ ኣብ ውሽጢ’ቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ዘለዉ ዓበይቲ መራሕቲ ግን ብተደጋጋሚ ንሲቪላውያን ፖለቲከኛታት ብቕሉዕ ክነቕፉ ይስምዑ።
ድልየቶም ንሱዳን ምርግጋእን ብልጽግና ምምጻእን ጥራሕ ከምዝኾነ’ዮም ዝገልጹ። እዚ ኣባሃህላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኩልጊዜ ዝኣትዎ ዝተለመደ መብጽዓ ምዃኑ ይፍለጥ።
ካብ ሞንጎ እቶም ዝስምዑ ድምጽታት ብዓብላልነት ዝግለጽ ናይቲ ኣዘራራቢ ዝኾነ ምኽትል ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሞሓመድ ሓምዳን “ሄሜቲ” ዳንጋሎ እዩ።
መራሒ ናይቲ ኣብ 2003 ኣብ ዳርፎር ዝነበረ ጎንጺ ብዝተፈጸመ ግህሰታት ዝሕተት ጉጅለ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ጉጅለ ስሙ ናብ ሓይሊ ህጹጽ ሓገዝ [Rapid Response Force] ዝቐየረ ኮይኑ ምስቲ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ዘለዎም ዝምድና ሰላማዊ ኣይኮነን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ፖለቲከኛታት ንመንበሮም ወይ ስልጣን ጥራሕ ከምዝግደሱ ብምግላጽ፤ ከምኡ ዝበሉ ወተሃደራት ግን ብዝያዳ ንህዝቦምን ሃገሮምን ከምዝጭነቑ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ንሰራዊት ዝድግፉ ተቓወምቲ ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ወጺኦም ነይሮም። ሓድሽ መንግስቲ ክጣየሽን ሰራዊት ከኣ ነቲ ናይ ስግግር እዋን ክመርሖ ጸዊዖም።
እንተኾነ ኣብቲ ብቐዳም ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝተሳተፉ ኩሎም ነቲ ሰራዊት ዝድግፉ ኣይነበሩን። ኣብ ውሽጢ እቲ ትኽክለኛ ሓይልታት ነጻነትን ለውጥን [‘ፎርስስ ፎር ፍሪደም ኤንድ ቻንጅ/ FFC’] ተሰግሲጎም ካልኦት ጉጅለታት ኣብ መስርሕ ስግግር መንግስቲ ከይሳተፉ ዝገብሩ ጉጅለታት ከምዘለዉ’ዮም ዝገልጹ።
እቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደን ነታ ሃገር ካብ ሓደጋታት ጎንጺ ከምዘድሓነ ዝዝረበሉን ስምምዕ ምምርቓሕ ስልጣን ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ኩሎም ኣካላት ብዝፍጠር ጸቕጥታት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ። እዚ ምስሕሓብ ድማ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ዘጋጠመ እዩ።
ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ደዋል ኣብ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እታ ንዝሓለፉ 60 ዓመታት ኣብ መንነትን ፖለቲካዊ ስርዓትን ሓበራዊ ራእይ ክትፈጥር ተጸጊማ ዝጸንሐት ሱዳን፤ ኣብዚ ሓጺር እዋን ሃገራዊ ሓድነት ክትፈጥር’ያ ኢልካ ምጽባይ ግርህነት ከምዝኸውን ገሊጹ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







