ኣሜሪካ ንመራሒ ሱዳን ታሪኻዊ ዕድመ ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣሜሪካ፡ መራሒ ሉኣላዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ናብ ዋሽንግተን ክመፅእ ዓዲማቶ፤ መራሕቲ ሱዳን ድሕሪ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ብዋሽንግተን ወግዓዊ ዑደት ንክገብሩ እንክዕደሙ እዚ ፈላማይ እዩ።
ሱዳን፡ ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ክልትኣዊ ርክብ ክምዕብለሉ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ንምዝታይ ኣብ ቀረባ ናብ ኣሜሪካ ከምዘመርሕ ኣፍሊጣ ኣላ።
ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ንወተሃደራዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ክመርሕ ዝጸንሐ እንክኸውን፡ ደሓር ድማ መራሒ ሉኣላዊ ቤት-ምኽሪ ሱዳን ኮይኑ ምሻሙ ይዝከር።
ኣብ 2022 ሃገራዊ መረጻ [ምርጫ] ክሳብ ዝካየድ ብካሊእ ሲቪላዊ መራሒ ክትካእ ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ሰፊሩ እዩ።
ርክብ ኣሜሪካን ሱዳንን፡ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንበር ስልጣን ዝፀንሐ ፕረዝንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሽር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ስልጣኑ ምስተገለፈ እዩ ተመሓይሹ።
ኣሜሪካ፡ ሱዳን ንጉጅለታት ግብረ-ራዕዲ ትድግፍ እያ ብዝብል ኣብ መዝገብ ኣስፊራታ እያ ፀኒሓ።
ይኹን'ምበር ኣሜሪካ ካብ መዝገብ ግበረ-ራዕዲ ክትድምስሳ ከም ትኽእል ኣአንፊታ እያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







