ቅልውላው ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ፈተነ ዕልዋ ከምዘፍሸለ ገሊጹ

ጀኔራል ኦማን ዑመር

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ጀኔራል ኦማን ዑመር ከምዝበሎ እቲ ፈተነ ዕልዋ ነቲ ምስ ሰልፈኛታት ዝተገበረ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ ኢሉ

ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ምስ ሰልፈኛታት ዝተገበረ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ደው ንምባል ዝዓለመ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም እተኻየደን ከምዘፍሸልዎን ገሊጹ።

ድሕሪ እቲ ፈተነ ወተሃደራትን ኣባላት ጸጥታን ዝርከብዎም ልዕሊ ዓሰርተ ሰባት ከምእተኣሰሩ ውሃቢ ቃል ምክልኻል ሱዳን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሽር ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብዕልዋ ካብ ዝእለ ጀሚሩ፡ ሱዳን ኣብ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ተሸሚማ ትርከብ።

ብኻልእ ወገን፤ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ምርመራ፡ ብዙሓት ሰልፈኛታት በቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ከምዝተጠቕዑ ገሊጾም እዮም።

ቢቢሲ፡ ብሞባይል ዝተቐረጹ ተንቀሳቐስቲ ስእልታት ኣኪቡ ዝተንተነሉ መደብ Analysis by BBC Africa Eye ከምዘርእዮ፤ ኣብቲ 3 ሰነ ዝተፈጸመ ጅምላዊ መቕተልቲ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ዝእዘዙ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ናብ ሰልፈኛታት ጥይት ይትኩሱ ነይሮም።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ግን ሓላፍነት ኣይወሰደን፤ ነቲ መጥቃዕቲ ካልኦት ሓይልታት እዮም ፈጺሞምዎ እዩ ዝብል።

ብዛዕባ እቲ ፈተነ ዕልዋ

ኣባል መሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ጀኔራል ኦማን ዑመር ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ 12 ኣባላት ጸጥታን ወተሃደራትን ከምዝተኣሰሩ ገሊጹ። ኣዋሃሃዲ ናይቲ ፈተነ ዕልዋ ኣይተረኸበን ድማ ኢሉ።

ሰልፊ ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሱዳን፡ ዑመር ኣል በሽር ብዕልዋ ካብ ዝእለ ጀሚሩ ኣብ ቅልውላው እያ ጸኒሓ

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን ሕብረት ተቓወምትን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንምቛም ተሰማሚዖም እዮም። እቲ ስምምዕ ገና ብሕጂ ዝፍረም እኳ እንተኾነ፤ ሓደ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቆይሙ፡ ክልቲኦም ወገናት እናተባረዩ ነቲ ቤት ምኽሪ ን 3 ዓመታት ክመርሕዎ ተሰማሚዖም።

ቅድሚ እዚ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ እቶም ወተሃደራትን ሰልፈኛታትን ተጀሚሩ ዝነበረ ልዝብ፤ ብምኽንያት ኣብ 3 ሰነ ዘጋጠመ ጅምላዊ መቕተልቲ ሰልፈኛታት ተቛሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብቲ ጃምላዊ መቕተልቲ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሚያዝያ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ፡ ዴሞክራሲ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ዋና ቤት ጽሕፈት ምክልኻል እታ ሃገር ንዝርከብ ኣደባባይ መሊኦም ድምጾም ምስማዕ ቀጺሎም።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ሰነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ሰልፈኛታት ጠያይቲ እናተኾሱ ካብቲ ኣደባባይ ክብትንዎም ፈተኖም።

ሚኒስትሪ ጥዕና በቲ መጥቃዕቲ 46 ሰባት ሞይቶም ክብል እንከሎ፡ ተቓወምቲ ግን ብውሕዱ 100 ሰባት ብፍሉይ ሓይሊ ሱዳን ከምዝተቐትሉ ይገልጹ።

ካብቲ መቕተልቲ ዝደሓኑ ሰባት፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፡ ሬሳታት ናብ ሩባ ናይል ደርብዮም እዮም ይብሉ።

እቶም 'ኣርኤስኤፍ' ዝበሃሉ ፍሉይ ሓይሊ፡ ካብቲ ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ጽንታ ፈጺሙ እናተብሃለ ዝኽሰስ ሚሊሻ 'ጃንጃዊድ' ዝመጹ እዮም።

ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽርን ኣዛዚ ናይዚ ፍሉይ ሓይልን ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን "ሐሚቲ"፡ ነቲ ክስታት ነጺግዎ እዩ።

ነቲ መቕተልቲ ዝፈጸምዎ፡ ደንቢ ክዳን ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝተኸደኑ ካልኦት ፋሉል ሓይልታት እዮም ኢሉ።

ግን ከኣ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ምዃኖምን ኣብቲ 3 ሰነ ዝነበረ መቕተልቲ ከምዝተሳተፉን ዝገለጹ ክልተ ሰባት፡ እቲ ህልቂት ካብ ላዕሊ ብዝመጸ ትእዛዝ ከምዝተፈጸመ ንቢቢሲ ተዛሪቦም እዮም።

ሓደ ምንጪ ድማ፡ ነቲ ተቓውሞ ክብትኑ ትእዛዝ ዝሃበ ባዕሉ 'ሐመቲ' ምዃኑ ይገልጽ። "ክንብትኖ ትእዛዝ ሂቡና። ንሕና ድማ ኣዘዝትና ዝበሉና ኢና እንፍጽም" ኢሉ።