ቅልውላው ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን ሕብረት ተቓወምትን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንምቛም ተሰማሚዖም

ሱዳናውያን ተቓወምቲ ኣብ ሰልፊ ባንዴራ ሱዳን እንተንበልብሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሕቲ ወተሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፡ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ምስ ሕብረት ተቓወምቲ ሱዳን ስልጣን ክመራቕሑ ተሰማሚዖም።

ክልቲኦም ወገናት ስልጣን ናይቲ ሉዕላዊ ባይቶ ብውሑዱ ንሰለስተ ዓመታት እናተባረዩ ክመርሕዎ ከምዝተሰማምዑ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።

ኣብታ ሃገር ብሰብ ሞያ ዝምራሕ ናጻ መንግስቲ ክህልውን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዝነበረ ግህሰታት እውን ንክፃረ ከምዝተሰማምዑ ድማ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊፁ።

ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ምስ ሲቪል ስልጣን ንምምርቓሕ ምውሳኑ ድማ፡ ንተቓውሞ ናብ ኣደባባባይ ክወጹ ዝጸንሑ ሱዳናውያን፡ ሓጎሶም ንምግላፅ ናብ ጎደናታት ክወፅኡ ኣገዲዱ እዩ።

ኣእላፍ ሱዳናውያን እዚ ወተሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ንኽለቅቕ፡ ሓያሎ ተቓውሞ ከካይዱ እዮም ፀኒሖም።

ደቂኣንስትዮ ኣብ ሓያል ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ልዑል ግደ ነይርወን 30 ሰነ 2019

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደቂኣንስትዮ ኣብ ሓያል ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ልዑል ግደ ነይርወን

እዚ ስምምዕነት ቅድሚ ምፍራሙ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ሰልፈኛታት ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ስልጣን ንስቪል ምምሕዳር ክወሃብ ይሓቱ ነይሮም።

ሸውዓተ ሰባት ዝተቐተሉ ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት 181 ሰባት ድማ ኣብቲ ናዕቢ ኣካላዊ ማህሰይቲ በጺሕዎም እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ምስ ተቓወምቲ ዕርቂ ንክፍፅም ከሸማግሉ ፀኒሖም እዮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብምውካል ንክልቲኦም ወገናት ዘሸማገሉ ሞሓመድ ሓሰን ሌባት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ልዑላዊ ባይቶ ዝቐውም ኮይኑ ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ድማ፡ ወተሃደራትን ስቪላትን እናተባረዩ ነቲ ባይቶ ብፕረዚደንትነት ክመርሕዎ እዮም።

ድሕሪ እዚ ድማ፡ ሃገራዊ መረፃ ክክየድ እዩ።

ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኖም ምስተኣለዩን ስልጣን ብወተሃደራዊ ባይቶ ምስተታሕዘን፡ ሱዳን ሓያሎ ህዝባዊ ናዕብታት ኣጋጢምዋ እዩ።