ሱዳን፡ ካብ ሸቃጢ ኣግማል፡ ናብ ጸላዊ ፖሎቲከኛ ዝተሰጋገረ ሐመቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መበቆሉ ካብቲ፡ ፖለቲካ፡ ቢዝነስን ኲናትን ዝተጠናነግሉ ምዕራባዊ ሱዳን እዩ፤ ሸቃጣይ ኣግማል ዝነበረ ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ዝለዓለ እጃም ኣለዎ።
ብ"ሐመቲ" ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጎሎ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፡ ኣብ ወረቐት ብኻልኣይ ዝስራዕ ሰብ እዩ።
ኣብቲ ሓቂ ግን፡ እቲ ትምህርቱ ዘይዛዘመን፡ ካብ ዓንኬል ወትሃደራዊ ምሁራን ሱዳን ርሑቕ ዝኾነን ሐመቲ፡ ነቲ ኣብ ሰልፈኛታት ካርቱም ዝግበር ቶክሲ ተሓታቲ ምዃኑ ይንገር።
እቲ ካብ ዞባ ዳርፉር ዝኾነ ጎይታ ኲናት (ዎርሎርድ)፡ ካብ ሰራዊት ሱዳን ዝሓሸ ዕጥቅን ዝበለጸ መሃያን ዘለዎም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ይእዝዝ።
ንሱ፡ ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝኾነ ከባቢታት ዕደና ወርቂ ከካይድ ፍቓድ ዘለዎን ኣብ ዘድልዮ'ውን ካብ ስዑዳውያንን ናይ ወሽመጥ መሓዙቱን ሓገዝ ክረክብ ዘይጽገምን ኮይኑ፡ ነቲ ሚሊሻ'ውን ብዙሕ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ኣይጽገምን።
ናብዚ መዝነት ብኸመይ መጽዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕብየት ናብ ጎይታ ኲናት
ጉዕዞ ስልጣን ሐመቲ፡ ሓረስቶት ምዕራብ ዳርፉር ኣብ 2003 ኣንጻር መንግስቲ፡ ኲናት ምስ ኣልዓሉ እዩ ጀሚሩ።
ሰራዊት ሱዳን ነቲ ናይ ደባይ ስልቲ እቶም ተዋጋእቲ ንምቁጽጻር ነቶም "ጃንጃዊድ" ዝበሃሉ ኣዕራብ ሚሊሻ ክኸትብ ጀሚሩ።
ኣብ 1975 ኣግማል ካብ ዘራብሑ ስድራቤት ዝተወለደ ሐመቲ፡ ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ እዩ ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣግማል ካብ ዳርፉርን ጫድን ናብ ሊብያን ግብጽን ክሰድድ ጀሚሩ።
ሓወብኡ ጁማ ዶንጎሎ፡ መራሒ ናይ ሓደ ኣብ ዶብ ጫድን ሱዳንን ዝዝርጋሕ ዓሌት ዓዕራብ እዩ።
ኣብ ፈለማ እቲ ግጭት፡ ሐመቲ ጽዕነት ንዘመላልሳ ናይ ንግዲ መካይን ናይ ሓለዋ ኣገልግሎት ይህብ ብምንባሩ ብዙሕ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ እዩ።
ብድሕሪ'ዚ ድማ ብዙሓት ተዋጋእቲ ናብ በራጊድ ጃንጃዊድ ክጽምበሩ ጎስጒሱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገንዘብ፡ ስልጣንን ኲናትን
ሐመቲ፡ ንኲናት "ሃብቲ መኻዕበቲ" ኣጋጣሚ ከም ዝርእዮ ኣሌክስ ደ ዋል ዝተብሃለ፡ ኣብቲ ኣብ 2006 ዝተካየደ ዝርርብ ሰላም፡ ዝተሳተፈ ጸሓፊ ይገልጽ።
ካብ 1980ታት ጀሚሩ ስርዓታት፡ ሱዳን ንዝተርኣዩ ምልዕዓላት ንምቁጽጻር፡ ሓውሲ ወትሃደራዊ ሓይልታት ክትጥቀሙ ጸኒሖም እዮም።
ኣምሳያ ናይዚ ድማ እቶም ሚሊሻ፡ "ክሰርቁ፡ ክራስዩ፡ ሓይሊ ተጠቒሞም ጸለውቲ ክኾኑ" ከም ዝፍቀደሎም ደ ዋል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ጎንጺ ንሐመቲ ምቹእ ባይታ ኮነሉ።
ሲቪላውያን ንምርዓድ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፡ ኣሽሓት ቁሸታት በሪሰን፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ተዓሚጸን። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 300,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ይገልጽ።
ሎሚ'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጎንጽታት ከባቢ 2.6 ሚልዮን ህጻናት ዝርከብዎም 5.5 ሚልዮን ሰባት ሰብኣዊ ሓገዛት ከም ዝጽበዩ ዩኒሴፍ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 2006 ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ጃንጃዊድ፡ 'ሓላዊ ዶባት' ብዝብል መጸውዒ፡ ናብ ስርዓተ ጸጥታ እታ ሃገር ብወግዒ ተጸምቢሮም እዮም።
እዚ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ምስሕሓፍ ፈጢሩ።
እቶም ሚሊሻታት ናይቲ ኣብ ዳርፉር ዝሰርሕዎ ስራሕ ዓስቢ ከም ዘይተዋህቦም ስለዝኣምኑ ኣንጻር መንግስቲ ካርቱም ናዕቢ ኣልዒሎም።
ኣብ 2007 ሐመቲ ሰቡ ኣኪቡ ናብ በረኻ ብምውፋሩ፡ ምስ መንግስቲ ካርቱም ደጊሙ ተደራዲሩ ገንዘብን ኣጽዋርን ተዋሂቡ።
ንሱ፡ ጅሮም ቱብያና ምስ ዝተብሃለ ተመራማሪ ኣብ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ "ኣቓልቦ መንግስቲ ኢና ክንስሕብ ደሊና፡ መሰልና ክኽበር፡ ማዕርግን ፖለቲካዊ መዝነት ክወሃበናን ኣብ ዞባና ልምዓት ክካየድን ኢና ጠሊብና" ክብል ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ምፍጣር ደርማስ ሓይሊ'
እቲ ንሰላሳ ዓመታት ንሱዳን ዝመርሐ፡ ሕጂ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዘሎ ዑመር ኣልበሽር፡ ንሚሊሻታት ብምሕያል፡ መንግስቲ ክቆጻጸሮ ዘይክእል ደርማስ ሓይሊ ከም ዝፍጠር ምግባሩ፡ ክኢላታት ይኸሱ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ገበናት፡ ኣልበሽር ተሓታቲ ምዃኑ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ይኸስስ።
ኣልበሽር፡ ዕልዋ ብምፍራሕ ነቲ ሰራዊት ብምድኻም፡ ንኣሃዱታት ጸጥታን ሚሊሻን ብምሕያሉ ምስቲ ሰራዊት ዝነበሮ ዝምድና ሓርፊፉ እዩ።
ኣብ 2013 ሓይልታት ሐመቲ፡ ሓይልታት ሕጹጽ ሓገዝ (ኣርኤስኤፍ) ተባህሉ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኣልበሽር ንስዑዲ ንምሕጋዝ ናብ የመን ዝሰደዶ ሰራዊት ካብ ሓይልታት ሕጹጽ ሓገዝ እዩ ነይሩ።
ኣብ 2016፡ ኣልበሽር ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ቁጽጽሩ እኳ እንተገበሮም፡ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ናይ ምጽንባሮም ፈተነ ግና ኣይሰለጦን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዳርግቲ ኣልቦ ሓይሊ
ሓይልታት ሕጹጽ ሓገዝ፡ ኣብዚ እዋን፡ ክሳብ 50 ሽሕ ዝኾኑ ኣባላት ከም ዘለዎ ይግመት።
እቲ ሓይሊ፡ ካብ ሰራዊት እታ ሃገር ዝበዝሕ፡ ኣጋር ሰራዊትን፡ ላንድ ክሩዘራት ዝጥቀም ፈኲስ ተንቀሳቓሲ ኣሃዱን ኣለዎ።
ሐመቲ ካብ 15 ክሳብ 20 ዝኸውን ማእከላት መሰልጠኒ ሰራዊት ከም ዘለዎ እኳ እንተተዛረበ ኣበይ ከም ዝርከቡ ግና ኣይገልጽን። ንሱ ወሲኹ ብ 67 መራሕቲ ቀቢላታትን 50 ኣዘዝቲ ሰራዊት ነበርን ከም ዝሕገዝ ይገልጽ።
ሐመቲ ወላ'ኳ ዝኾነ ወትሃደራዊ ስልጠና እንተዘይወሰደ ሎሚ፡ "ኣብ ወትሃደራዊ ምዕሪት ክትጎስዮ ዘይትኽእል ሓያል ኮይኑ ኣሎ" ይብል ኣብ ቢቢሲ ኣረብኛ ተንታኒ ፖለቲካ ሱዳን ዑመር ኣል ጣይብ ኣሕመድ።
በዚ እዩ ድማ ኣብ ሚያዝያ፡ ድሕሪ ምውራድ ኣልበሽር፡ ዲፕሎማት ምዕራብ፡ ምስ ኣዛዚ እቲ ወትሃደራዊ ቤትምኽሪ፡ ጀነራል ኣብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ዘይኮነ ምስ ምክትሉ ሐመቲ ንምጭብባጥ መስርዕ ዝሓዙ።
ምጭፍላቕ ተቓውሞታት
ክሳብ ሕጂ ሐመቲን መሰጋገሪ ወትሃደራዊ ቤትምኽርን ሓቢሮም እዮም ንተቓወምቲ ዝቃለሱ ዘለው።
ሐመቲ እቲ ቀዳማይ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝደገፈ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት እኳ እንተኾነ፡ ከይደንጎየ'ዩ ሓሳቡ ብምቕያር ክቃወሞ ጀሚሩ።
ሓይልታቱ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ልዕሊ 100 ሰባት ምቕታሎምን፡ ሬሳታት ናብ ፈለግ ኒል ምድርባዮምን ነቲ ተቓውሞ ዝተሓጋገዙ ሓካይም ይገልጹ።
እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፡ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት መዝነት ከም ዝተወሃቦ ሐመቲ ይገልጽ። ኤዲተር ቢቢሲ ኣፍሪቃ ፈርጋለ ኬን ብወገኑ፡ ሐመቲ መራሒ ናይ ጸረ-ተቓውሞ ሱዳን ምዃኑ ይግምት።
ሐመቲ ምስ ዘ ኒው ዮርክ ታየምስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ኣነ ናብዚ መዝነት እንተዘይመጽእ፡ እታ ሃገር ምጠፍዐት ነይራ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







