ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ሱዳን ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, PM office

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳንን መራሕቲ ሰልፈኛታትን ንምዝርራብ ሎሚ ንግሆ ካርቱም ከም ዝኣተወ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ኢታማጆር ሹም ጀነራል ሰዓረ መኮንን፣ ኣምባሳደር መሓመድ ድሪርን ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ'ዩ ሱዳን ኣትዩ ዘሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ሱዳን ዝጉሃሃር ዘሎ ወጥሪ ሱዳን ንምህዳእ፡ ንበሽር ካብ ስልጣን ኣልዮም ነቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝመርሑ ዘለው ኣካላት ከዘራርቦም'ዩ ተባሂሉ።

ቐጺሉ፡ እቲ ወታሃደራዊ ኣመራርሓ ስልጣኑ ንስቪላውያን ከረክብ ንዝደፍኡ ዘለው ሰልፈኛታት ምስ መራሕቶም ክራኸብ'ዩ።

ወከልቲ መንግስቲ ግብጺ'ውን እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ፡ ናብ ሱዳን ክመጽኡ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር። ኮሚሽነር ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ስማሊ ቼሩጉኢ'ውን ኣብ ሱዳን ክርከብ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ትማሊ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንኣባልነት ሱዳን ኣብቲ ሕብረት ከም ዘደስከሎ፡ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፡ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘረክብ፡ ክጸንሕ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብሰኑይ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን:ኣብ ናይ ሰኑይ መጥቃዕቲ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 61 ከም ዝበጽሑ ገሊጹ።

ሮይተርስ፡ ነቲ ዳይሬክተር ጀነራል ረቚሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ፡ ቁጽሪ መወትቲ ወሲኹ።

ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ሰለስተ ኣካላት ጸጥታ'ዮም ተባሂሉ።