ኣብ ሱዳን ድሕሪ 9 ወርሒ ምርጫ ክካየድ ተወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሱዳን፡ ንኹሉ እቲ ምስ ተቃወምቲ ዝተገበረ ስምምዓት ብምስራዝ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ከም ዘካይዱ ሓቢሮም።
እዚ፡ ድሕሪ እቲ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ 30 ሰብ ዝሞትሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝበጽሖም ዘሎ ኩነኔን ጸቕጥን ስዒቡ እዩ።
መንግስቲ ኣሜሪካ ነቲ ስጉምቲ "ጨካን ስጉምቲ" ክብል ገሊጹዎ ኣሎ።
እዚ፡ ተቃወምትን ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍትን ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንኸቑሙ ድሕሪ ምስምመዖም እዩ ዘጋጠዕም ዘሎ።
ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ንሱዳን ዝመርሓ ዘሎ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ እዩ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቐሪቡ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ ምስቶም ንናጽነትን ለውጥን ዝጠልቡ ዘለዉ ምዝታይ ከምዘቋርጹን ኣቐዲሙ ዝተገበረ ስምምዓት ከስርዝዎን ከም ዝወሰኑ ሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ኣስዒቡ ድማ፡ "ኣብ ዝመጽእ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዞባውያንን ዓለማውያንን ዝዕዘብዎ ምርጫ ክካየድ ምዃኑ" ሓቢሩ።
እዚ እቶም ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝጠልቡ ዘለዉ ምስ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ርክብ ከም ዘቋረጹ ብምሕባር ሃገራዊ ተቃውሞ ድሕሪ ምእዋጆም እዩ።
ጸሓፊ ውድብ ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነዚ ትማሊ ዘጋጠመ ቅትለት መንጎኛ መርማሪ ኣትዩ ክምርምር ጸዊዑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







