ቅልውላው ሱዳን፡ ሰራዊትን ስምረት ተቓወምትን መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ወተሃደራዊ መራሕቲ ሱዳን፡ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ሲቪላዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ክቐውም ምስ ስምረት ተቓወምቲ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጸሐ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስምረት ክልተ ሲሶ (ክልተ ኢድ) መናብር ናይቲ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ክሕዝ'ዩ።
ሱዳን፡ ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምስተኣለዩ፡ ብወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክትምራሕ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰልፈኛታት ግን ስልጣን ናብ ስቪላዊ መንግስቲ ክሰጋገር ብምጽዋዕ ተቓውሞ ከስምዑ ጸኒሖም።
ሲቪላዊ ስግግር መንግስቲ ከም ዝቐውም ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ ቅድሚ ቁሩብ ሰዓታት፡ ብዉሑድ ሓሙሽተ ተቓወምትን ሓደ ኣባል ጸጥታን ኣብ ካርቱም ብዝተወለዐ ጎንጺ ሞይቶም'ዮም።
እቲ ስምምዕ እንታይ'ዩ?
ኣብቲ ብሓባር ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ምስ 'ዲክላሬሽን ኦፍ ፍሪደምን ሓይልታት ለውጥን' - ዲኤፍሲኤፍ ዝተገበረ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ምምቓል ስልጣን ኣብ ውሽጢ 24 ክፍረም ከም ዝኾነ፡ ሌተናል ጀነራል ያሰር ኣል-ኣታ ሓቢሩ።
"እቲ ስምምዕ ንድልየታት ህዝቢ ብዝመልእ መገዲ ኣብ ውሽጢ 24 ከም ዝውዳእ ቃል ንኣትው" ክብል ተዛሪቡ።
እቲ ጀነራል፡ ስምረት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዲኤፍሲኤፍ ካብ 300 መንበራት ሓጋጊ ቤት ምኽሪ፡ ነቲ ክልተ ሲሶ ከም ዝሕዝ ብምግላጽ፡ ዝተረፈ መንበራት ድማ ኣባላት እቲ ስምረት ዘይኮኑ ካልኦት ስልፍታት ከም ዝሕዝዎ ኣረዲኡ።
ወሃቢ ቓል ናይቲ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ጠሃ ዑስማን ቅድም ክብል ሂብዎ ኣብ ዝነበረ መግለጺ፡ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ፣ ካቢነን ሓጋጊ ኣካልን ንምቛም ስምምዕ ከም ዝተገበረ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ዝቐውም ሲቪላዊ መንግስቲ ዕድመ፡ ክልተ ዓመጥ ጥራሕ ክኸውን'ኳ ድልየት እንተነበሮ፡ ካብ ተቓወምቲ ድማ ኣርባዕተ ዓመት ክኸውን ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ሲቪላዊ ናይ ስግግር መንግስቲ ንሰለስተ ዓመት ጥራሕ ክጸንሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







