ቻይና፡ ኣብ 1989 ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መቕተልቲ 'ቅኑዕ ተግባር'ዩ' ትብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻያና ነቲ ኣብ 1989 'ንናዕበኛታት' ደው ንምባል ዝተኸተለቶ ኣገባብ ቅኑዕ ምንባሩ ሚኒሰተር ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ወይ ፈንገሀ ሓቢሩ።
ኣብ 1989 ተምሃሮን ሰራሕተኛታትን ቻይና፡ ዲሞክራሲ ብምጥላብ ኣብ በይጂንግ ንዝርከብ ትያናመን ዝበሃል ማእከል ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ዴሳዊ ሰልፊ ብዝተውሃበ ትእዛዝ ብዙሓት ካብቶም ሰልፈኛታት ብዘሰቕቕ ኣገባብ ከም ዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ቻያና ብዛዕባ እቲ ናይ 1989 ፍጻመ ጸብጸብ ከተቕርብ ብብርቱዕ ምመያ ከም ዝሓልፍ ይግለጽ።
እቲ ኣብ 1989 ንኣስታት ሽዱሽተ ሳምንታት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰነ መበል ሳላሳ ዓመት ክመልኦ'ዩ።
እዚ ሚኒስተር እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣብ ቻይና ብዛዕባ ፍጻመ 1989 ከምኡ'ውን ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ዶቖሳ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኮንካ ምዝታይ ሕሩም እዩ።
እንተኾነ ኣብ ከም በዓል ሲንጋፑር ብኽፉት ይዝተየሉ እዩ። ሚኒሰተር ምክልኻል ቻይና ጀነራል ወይ ፈንገሀ ግን ሰባት ንምንታይ እዮም ቻይና ነቲ ፍጻመ ግቡእ ኣተሓሕዛ ኣይገበረትሉን ዝብሉ? ብምባል እዩ ንሕቶ ብሕቶ ዝምልስ።
እቲ ሚኒስተር "እቲ ፍጻመ ፖለቲካዊ ናዕቢ እዩ ነይሩ፡ ማእከላይ መንግስቲ ከኣ ነቲ ዝነበረ ናዕቢ ንምህዳእ ዝግባእ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ" ክብል ካብ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶ መሊሱ።
"ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ቻይና ዓበይቲ ለውጥታት ኣርእያ እያ" ዝበለ ጀነራል ወይ፡ ቻይና ኣብ ግዚኡ ብዝወሰደቶ ቅኑዕ ስጉምቲ "ርግኣትን ምዕባለን ትቋደስ ኣላ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ 1989 እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ዲሞክራሲ ዝጠልቡ ቻይናውያን ኣብ በይጂንግ ዝርከብ ትያናመን ዝብሃል ማእከል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ንኣስታት ሸዱሽተ ሳምንታት ሰላማዊ ሰልፎም ቀጺሎም።
እቲ ሰልፊ ናብ ካልእ ከተማታት ቻይናን ዩኒቨርሲታትን ብምስፍሕፍሑ፡ ንዴሳዊ ሰልፊ መንግስቲ ቻይና በዳሂ እዩ ነይሩ።
እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ቻይናውያን፡ ዝሓሸ ናጽነትን ዲሞክራስን ዝጠልቡ ኮይኖም፡ ነቲ 'ውልቐ መላኺ' ዝብልዎ መሪሕነት ካብ ስልጣን ክወርድ ብምጥላብ፡ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዝቕባበ፡ ዋሕዲ ደሞዝን መንበሪ ኣባይትን ቆላሕታ ክገብር እዮም ዝጽውዑ ነይሮም።
ኣብ 3 ሰነ 1989 ግን ወተሃደራት ቻይና ቶኽሲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ሞትን ሞቕሰልትን ኣኸቲሎም።
ድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ሰብ መዚ፡ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብብረት መንግስቲ ዝሞተ ሰልፈኛ ከም ዘየሎ ይማጎቱ።
ክሳብ ሕጂ መንግሰቲ ቻይና ኣብዚ ሰለማዊ ሰልፊ ክንደይ ሰብ ከም ዝሞተ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ ካብ ሚእቲ ክሳብ ሓደ ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ኣብታ ዕለት ከም ዝሞቱ'ዩ ግምታት ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







