ቻይና፡ 300 ነፈርቲ ኤየርባስ ንምግዛእ ውዕል ተፈራሪማ

ምንጪ ስእሊ, Airbus
እዚ ቢልዮን ዶላራት ዝውድእ ስምምዕ ግዝኢት ነፈርቲ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ ናብ ፓሪስ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን እዩ ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ ዕድጊ፡ ኣካል እቲ ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ኤውሮጳ ካልእ ስምምዓት ኣብ ዝገብረሉ እዋን እዩ።
እቲ ስምምዕ፡ ቦይንግ ብምኽንያት ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት፡ ኩለን ነፈርቱ ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን ምዃኑ ድማ እቲ ጉዳይ ኣዘራራቢ ክኸውን ገይሩዎ ኣሎ።
ኣርባስ 290 A320 ን ዓሰርተ A350 XWB ዝዓይነተን ነፈርቲ መጎዓዝያ ንምሻጥ ከም ዝተወዓዓለ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ዕድጊ 34 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ከም ዝኸውን ጽብጻባት ይሕብሩ።
እዚ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ነፈርቱ ብብዙሓት ሃገራት ከይበራ ዝተኽልከለኦ ቦይንግ፡ ጸቐጢ ክፈጥር ይኽእል እዩ ተባሂሉ ድማ ይግመት።
ፕረዚደንት ሺ ፈላሚ ዑደቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጥልያን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ጥልያን ድማ ኣብቲ ናይ ቻይና መደብ ግሎባል ቤልት ዝፈረመት ፈላሚት ምዕብልቲ ሃገር እያ።
ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽዕ ዘሎ ጽዕንቶ መሃዛይነት ቴክኖሎጂ ቻይና ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







