ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት፡ ፍርሒ በረራ ኣየር ብኸመይ ንብድሆ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናብ ነፋሪት ክትድይቡ ከለኹም ፍርሒ'ዶ ይዓስለኩም? ነፋሪት ክትብገስ ከላ ንመንበርኩም'ዶ ኣትሪርኩም ትሕዙ? ነፋሪት ክትዓልብ እንከላ ትርግታ ልብኻ'ዶ ይውስኽ?
ናይዘን ሕቶታት መልስኹም 'እወ' እንተኾይኑ፡ ፍርሒ በረራ ኣየር ክህልወኩም ይኽእል እዩ።
ቦይንግ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ 17 ሚኢታዊት ኣሜሪካውያን ፍርሒ በረራ ኣየር ኣለዎም።
ብድሕር'ቲ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ዘጋጠመን 157 ሰባት ዝሞቱሉን ሓደጋ ምሕምሻሽ፡ ስግኣታት ወይ ፍርሒ ክውስኽ ባህርያዊ'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ምሕምሻሽ ነፈርቲ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም።
መርበብ ድሕነት ኣቪየሸን ኣብ 2018 ኣብ ዝኣከቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ዓመታዊ ኣስታት 37,800,000 በረራታት ኣብ ዓለም ይካየድ። ምስዚ ኹሉ በረራታት ድማ ሓደጋ ብዙሕ ኣየጋጥምን እዩ። ሓደጋ ናይ ምግጣም
ዘሎዎ ተኽእሎ 1 ካብ 2,520,000 በረራታት እዩ።
ይኹን ደኣ'ምበር ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ዝበፅሑ ሓደጋታት ዝለዓለ ሽፋን ዜና ስለዝረኽቡ፡ እቲ ፍርሒ ንኽጋደድ ይገብሩ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን፡ ፍርሒ በረራ (ብኣየር ጉዕዞ ምግባር) ግን ክዕረ ከም ዝኽእል ሰብ ሞየያ ጥዕና ኣእምሮ ይሕብሩ። ክኢላታት ስነ ኣእምሮ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከም ምፍትሒ ይቕርቡ።
ብዕምቆት ምትንፋስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገሊኡ ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ነፋሪት ይስቀል ስለ ዘሎ ይፈርሕ፡ ገሊኡ ድማ ቅድሚ ሕጂ ሕማቅ ተመክሮ ስለዘጋጠሞ ይፈርሕ ይብል ክኢላ ስነ ኣእምሮ ማቲው ፕራይስ ካብ ቨርሞንት ዩኒቨርስቲ።
ስለምንታይ ገሊኡ ሰብ ይፈርሕ፡ ገሊኡ ድማ ዘይፈርሕ ንዝብል ሕቶ፡ ሓደ መልሲ ክትረኽበሉ ኣሸጋሪ እዩ ይብል እቲ ክኢላ።
ምናልባሽ ተመክሮ ናይ ገያሾ ክፈላለ ይኽእል እዩ። ገለ ገያሾ ብዛዕባ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ሰሚዖም ክኾኑ ይኽእሉ፡ ውይ ድማ ፍርሒ ናይ ዕጹው ቦታ ክህልዎም ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ፕራይስ ትንፋስና ክንቆጻጸር ይምዕድ።
ፕራይስ፡ ብዕምቆት ምትንፋስ ክንለማመድ ይምዕደና። ቀስ ኣቢልና ዕምቆት ዘለዎ ኣየር ብኣፍና ክኣትው ብምግባር፡ ቀስ ኢሉ ብኣፍንጫና ክወፅእ ንግበሮ። ከም ተወሳኺ ድማ፡ ደስ ትብለና ጥቕሲ ወይ ቃል ብምድግጋም ክንሃድእ
ንኽእል። ብኸምዚ ኣገባብ ፍርሕና ክንቆጻጸሮ ንኽእል።
ቴራፒ (therapy)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ እዋን በረራ፡ ገሌና መስምዒ ድምፂ (ሄድፎንስ) ንገበር፡ ገለና ንጭንቀት ወይ ንድቃስ ዝኸውን ኣፋውስ ንጥቀም፡ ገለና ድማ ኣልኮላዊ መስተ ንሰቲ።
እቲ ፍርሒ እንተሃልዩ፡ ዝገበርና እንተገበርና'ውን ምስ በረራ ክንላመድ ኣየኽእለናን። ክንፈልጦምን ክንጥቀመሎን ዝግባእ ኣማራፅታት ፍወሳ ግን ኣለዉ።
ሃይፕኖቴራፒ (መስተዓዝማዊ ፍወሳ)፣ ሳይኮቴራፒ (ስነ-ኣእምሮኣዊ ፍወሳ) ከምኡ'ውን ኮግኒቲቭ ቢሄቪየራል ቴራፒ (ተገንዝቦኣዊ ፍወሳ) ኣብ ምእላይ ፍርሒ በረራ ኣየር ዝሕግዙ መገድታት እዮም።
ንፍርሕኻ ምግጣም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክኢላታት ከምዝብልዎ እቲ ዝበለጸ ኣገባብ፡ ንፍርሒ በረራ ኣየር ንምብዳህ ዝሕግዝ ተክኒክ (controlled exposure) ብብደረጃ ምልምማድ ይብሃል። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክኢላታት፡ ብብደረጃ ናይ ምብራር ተመክሮ ክህልወና ይገብሩ።
ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ብዘይ ፍርሒ ምብራር ዘኽእል ዓቕሚ ንምፍጣር ዝሕግዙ ስልጠናታት ዝህቡ ትካላት ኣለዉ። ኣብቶም ስልጠናታት፡ ሙኩራት ኣብረርቲ (ፓይለታት) እናተረኸቡ ንዝተፈላለዩ ሕቶታት መልሲ ክህቡ ዝግበረሉ ኩነታት ኣሎ።
በዚ ድማ ፍልጠት ይርከብ፤ ግንዛበ ይፍጠር፤ ኣብ መወዳእታ ንፍርሒ ምቁፅፃር ይከኣል። ንሓደ ነገር ክትግንዘቦ እንተኺኢልካ፡ ክትቆፃፀሮ እምበር ንሱ ክቆፃፀረካ ኣይክእልን።
ንሓቅታት ክትፈልጥ ምኽኣል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደጋታት ምሕምሻሽ ነፈርቲ ሰፊሕ ሽፋን ዜና'ዮም ዝረኽቡ። ናይ ቀረባ እንተወሲድና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737 ማክስ፡ ነዚ ኣብነት ይኸውን።
እታ ነፋሪት ምስ በረረት ኣብ ውሽጢ 6 ደቓይቕ ብምሕምሻሻ 157 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።
ሰብ ሞያ ድሕነት ከም ዝብልዎ፡ ብሓደጋ ነፋሪት ካብ ዝሞቱ እቶም ብሓደጋ መኪና ዝሞቱ ይበዝሑ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ነፈርቲ ብጣዕሚ ውሑድ'ዩ።
ኣብ 2013 ጥራሕ ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ግና 1.25 ሚልዮን ሰባት ከም ዝኾኑ መረዳእታ ትካል ጥዕና ዓለም ይሕብር። ሓደጋ መኪና ካብ ሓደጋ በረራ ኣየር ብ 100 ግዜ ይዛይድ።
ናይ 2018 ኣሃዛዊ መረዳእታ ከም ዘመልክቶ፡ ካብ 2.5 ሚልዮን በረራታት ሓደ ከቢድ ሓደጋ ጥራሕ'ዩ ኣጋጢሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







