ኩባንያ ቦይንግ ንኹለን 737-8 ማክስ ነፈርቲ ካብ በረራ ኣጊዱ

737-8 ማክስ

ምንጪ ስእሊ, Joe Raedle

ኣሜሪካዊ ትካል መፍረዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ካብቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሓምሸሸትሉ ከባቢ ሓደሽቲ መረዳእታታት ብምርካቡ፡ ኩለን ቦይንግ 737-8 ማክስ ነፈርቲ ካብ በረራ ከምዝኣገደ ገሊጹ።

እቲ ኩባንያ ዘለውኦ ኩለን 371 ነፈርቲ ኣጊዱ'ሎ።

በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ፤ ኣብቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሓምሸሸትሉ ከባቢ ዝተረኸቡ መረዳእታታት ከምኡ ድማ ናይ ሳተላይት ምስልታት፡ ነቲ ግዚያዊ እገዳ ከሕልፍ ከምዝገበሮ ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ሃገራት ቦይንግ 737-8 ማክስ ነፈርቲ ክእግዳ እንከለዋ፡ በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ግና 'ኣይፋል' ክብል'ዩ ጸኒሑ።

ዝሓለፈ ሰንበት ንጉሆ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ቦይንግ 737-8 ማክስ ነፋሪት ተሓምሺሻ 157 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ፡ ዋንነታ ናይ ኢንዶኒዥያ ዝኾነት ቦይንግ 737-8 ማክስ ነፋሪት ተሓምሺሻ 189 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።

በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ዝረኸቦ መረዳእታ እንታይ እዩ?

እቲ በዓል መዚ ምስ ቦርድ ሓለዋ ትራንስፖርት ኣሜሪካ ብምዃን፡ ነቲ ሓደጋ ዘጻርይ ጉጅለ ልኢኾም እዮም።

ግዚያዊ ኣመሓዳሪ በዓልመዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ዳን ኤልዌል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኩነታት በረራ ናይታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ናይታ ቅድም ክብል ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ኢንዶኒዥያ ተመሳሳሊ እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ካብቲ ዝተሓምሸሸትሉ ቦታ ዝተረኸቡ መረዳእታታት'ውን ምምስሳላት የርእዩ እዮም ይብል።

ቅድሚ እቲ ናይ ቦይንግ መግለጺ፡ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ፤ ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታን ካልእን ሓደሽቲ ሓበሬታታትን መረዳእታታትን ስለተረኸበ፡ በዓል መዚ ኣቭየሽን ኣሜሪካ ህጹጽ ትእዛዝ ከምዘሕልፍ ገሊጹ ነይሩ።