ቁጽሪ ንቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ዝኣገዳ ሃገራት ይውስኽ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY
ትካል ድሕነት ኣቪሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ቦይንግ 737 ማክስ ዝኣይነተን ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኣባላት ሃገራት ከይበራ ኣጊዱ። እቲ ስጉምቲ ድሕሪ ሰብመዚ ኣቬሽን ብሪጣንያ ዝወሰድዎ ተመሳሳሊ ውሳነ'ዩ ተወሲዱ።
ብሪጣንያ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም ነተን ስርሓት ኩባንያ ቦይንግ ዝኾና፡ ኣኽሰብትን ዘመናውያንን ዝተባህላ 737 ማክስ ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ ክሊ ሰማያት ናይተን ሃገራት ከይበራ ኣጊደን።
እቲ ውሳነ ድሕሪ'ቲ ቦይንግ 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁ በረራ 302 ብሰንበት ዘጋጠማ ናይ ምሕምሻሽ ሓደጋ ዝተወስደ'ዩ።
ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ውሕስነት ናይተን ነፈርቲ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ ብምህላዉ'ዩ ከምዚ ዓይነት ስጉምትታት ዝወሰድ ዘሎ።
ከም ኢትዮጵያ፡ ቻይና፡ ጀርመን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ሞሮኮን ዝርከበአን ሃገራት ድማ፡ ክሳብ ምጽራይ ዝግበረለን እተን ነፈርቲ ካብ ስራሕ ደው ኢለን ክጸንሓ ኣዚዘን ኣለዋ።
ሎሚ ሰሉስ ሰብመዚ ብሪጣንያ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝዓይነተ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ከይበራ ምእጋዶም፡ ብዙሓት ሃገራት ስግኣት ከም ዝሓደረን ዘርኢ'ዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣውስትራልያን ሲንጋፖርን 'ቦይንግ 737 ማክስ' ነፈርቲ ናብተን ሃገራት ኮነ ካብተን ሃገራት ከይበራ ኣጊደን'የን።
እቲ ሓደጋ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣጋጠመ ብኡ-ንብኡ መንገዲ ኣየራት ቻይና፣ ኢንዶኒዥያን ኢትዮጵያን፡ በዘን ስርሓት ነፋሪት ዝግበር በረራ ደው ክብል ገይረን ነይረን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ዋንነታ ናይ ላዮን ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ኢንዶኔዥያ ዝኾነት 737 ማክስ ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ካብ መሬት ምስ ነፈረት ድህሪ 12 ደቓይቕ ሃንደበት ኣብ ማያት እታ ሃገር ምሕምሻሻ ይዝከር።
ካብ ብምልኦም እቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 189 ተጓዓዝትን ኣባላትን ብሂወት ዝተረፈ ኣይነበረን።
እዛ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቢሹፍቱ ዝተባህለ ከባቢ ዝወደቐት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ'ውን፡ ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ ካብ ዓለምለኻዊ ማዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ ነቐለት ድሕሪ 6 ደቓይቕ'ያ ተሓምሺሻ።

ኩሎም እቶም ኣብዛ ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ዝጓዓዙ ዝነበሩ 157 እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ከም ዝሞቱ'ዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ተመሳሳልነት ናይ ክልቲኡ ሓደጋታት ድማ፡ ንብቕዓትን ውሕስነትን ናይተን ስርሓት ቦይንግ ዝኾና ነፈርቲ ብዓይኒ ጥርጣረ ክራኣያ ጌርወን ኣሎ።
ዋላ'ኳ ሰብመዚ ኣቬሽን ኣመሪካ፡ እተን ብቕዓትን ውሕስነት እተን ነፈርቲ ዘጠራጥር ኣይኮነን እንተበሉ፡ ብዙሓት ሃገራት ግን ጠንቂ ምውዳቕ ናይ ክልቲአን ነፈርቲ ብዝግባእ ክሳብ ዝጻረን መተኣማመኒ ክሳብ ዝርከብን እተን ነፈርቲ ካብ ስራሕ ወጺአን ክጸንሓ ይገብራ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







