መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፤ እቶም ግዳያት መን እዮም?

ካብ ጸጋም ንየማን፡ ካብተይን ያረድ፡ ጆኣና ቱል፡ ጆሴፍ ዋይተካን ሳራ ኣውፍረትን።

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende / Facebook / Handout / PA

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ንየማን፡ ካብተይን ያረድ፡ ጆኣና ቱል፡ ጆሴፍ ዋይተካን ሳራ ኣውፍረትን።

ኣብታ ህይወት 157 ሰባት ዝለከመት ትማሊ ሰንበት ሓደጋ ዘጋጠማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ዜጋታት ልዕሊ 30 ሃገራት ነይሮም።

ዝርዝር ተጓዓዝቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዝሕብሮ ካብቶም መወትቲ፡ 32 ኬንያውያን፡ 18 ካናዳውያን፡ ትሸዓተ ኢትዮጵያውያን ተጉዓዝቲ [ሰራሕተኛታት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከይሓወሰ] ከምኡ ድማ ሸውዓተ እንግሊዛውያን ይርከቡዎም።

ምኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክልተ ካብቶም ግዳያት ድርብ ዜግነት ስለዝነበሮም ብናይ ብሪጣንያ ፓስፖርት ከምዘይተጓዕዙ ሓቢሩ።

ዝርዝር እቶም ግዳያት እምበኣር እነሆ።

line

ኬንያ

ካፕተይን ያረድ (የማናይ) ኬንያዊ ኢትዮጵያዊ ዜጋ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ካፕተይን ያረድ (የማናይ) ኬንያዊ ኢትዮጵያዊ ዜጋ
Presentational white space

ምኩር ካፕተይን ያሬድ ሙሉጌታ ጌታቸው፡ ካብ ኬንያዊት ኣደን ኢትዮጵያዊ ኣቦን ዝውለድ ኮይኑ ንቑጽሪ በረራ 302 መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይመርሕ ነይሩ።

ካብ ሕዳር 2007 ኣትሒዙ ምስ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ይሰርሕ ነይረ። እቲ ትካል ን800 ሰዓታት ዝበረረ ምኩርን ኪኢላን ፓይለት ምንባሩ ሓቢሩ።

መሓዝኡ ሓሰን ካተንዳ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሞት ካፕቴን ያረድ ምስተረድአ ብልቢ ጉህዩ። " ክኣምን ኣይከኣልኩን፡ ኣዚዩ እዩ ዘሰንብድ" ከኣ ኢሉ።

line
ሰድሪክ ኣስያቩግዋ

ምንጪ ስእሊ, Georgetown Law

መግለጺ ስእሊ, ሰድሪክ ኣስያቩግዋ

ምስቶም ግዳያት፡ ተማሃራይ ሕጊ ሳልሳይ ዓመት ጆርጅ ታውን ዩኒቨርሲቲ ሰድሪክ ኣስያቩግዋ ነይሩ። ኣብ ቀብሪ ቤተ-ሰቡ ንኽሳተፍ ንናይሮቢ ይጓዓዝ ከምዝነበረ እቲ ሪፖርት ይሕብር።

ኣብ ጆርጅ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ ዲን ሚስተር ዊልያም ትሬኖር " ቤት ትምህርትና ሓደ በሊሕ መጻኢ ተስፋ ዝነበሮ ዓርኪ ብዙሓት ተማሃሮና ምቑሉል ሰብ ኣጥፊኣ' ኢሉ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ጉዳይ ስደተኛታትን ንጡፍ ተዋሳኣይ ዝነበረ ግዳይ፡ ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያን ደቡብ ሱዳንን ንውሕስነት መግቢ ብዝምልከት መጽናዕታዊ ምርምር የካይድ ነይሩ።

line
Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

ኣመሓዳሪ ኩዕሶ እግሪ ኬንያ ነበር ሑሴን ስዋለህ እውን ኣብታ ነፋሪት ምማቱ ኮንፈደሬሺን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እቲ ፈደሬሺን " ዘሕዝን ዕለት" ክብል ትዊት ገይሩ። ሚስተር ስዋለህ ኣብ ኣለክሳንደርያ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኮንፈደሬሺን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተሳቲፉ እዩ ዝዓዱ ይምለስ ነይሩ።

line
Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space

ንወዲ 49 ኬንያዊ ጋዜጠኛ ኣንቶኒ ንጋረ እውን ናይ ጽንዓት ይሃብኩም መልእኽታት ይውሕዝ ኣሎ። ሚስተር ንገረ ንኬንያ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ወኪሉ እናተመልሰ እንከሎ እዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ።

ንጋረ፡ ኣብ መንግስታዊ ትካል ብሕታዊ ሚድያን ዝሰርሐ ምኩር ኤዲተር እዩ ነይሩ። ኣብ እዋን ሞቱ ከኣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ፡ ምክትል ዳይረክተር ርክባት ኮይኑ የገልግል ነይሩ።

እቲ ዝሰርሓሉ ትካል ንንጋረ ሓደ ካብቶም "ብሩሃት ከዋኽብቲ እዩ" ክብል ይገልጾ።

ካናዳ

ፓየስ ኣደሳንሚ

ምንጪ ስእሊ, Carleton University

መግለጺ ስእሊ, ፓየስ ኣደሳንሚ

ካናዳ ካብቶም ዝሞቱዋ ዜጋታት ናይጀርያዊ ዝመበቆሉ ዳይረክተር ኣፍሪቃዊ መጽናዕቲ ካርለቶን ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ፓየስ ኣደሳንሚ ምንባሩ ኣረጋጊጻ።

ዲን ክፍሊ ኣርትን ማሕበራዊ ሳይንስን ፓውሊን ራንኪን ኣብ ዩኒቨርሲቲና ኣበርክቶ ፓየስ ኣደሳንሚ መወዳድርቲ የብሉን ኢላ።

ኣፍሪቃ መጽናዕትታትን ጽሑፋትን ናብ ተመሃርኡ ከሰጋግር ከይደቀሰ ዝሓድር ኣብታ ዩኒቨርሲቲ ልኡይ ኣሰር ዝሓደገ ህርኩት መምህር እዩ ነይሩ።

ፕረሲደንትን እታ ዩኒቨርሲተን ምክትል ቻንስለርን ዓለማዊ ዝምድናታት ካናዳ በኖይት ኣንቶኒይ ቤኮን " ፓየስ ኣደሳንሚ ኣብ መጽናዕቲ ድሕረ መግዛእቲ ኣፍሪቃ ልሉይ ተራ ዝነበሮ " ሰብ እዩ ብምባል ብሞቱ ኣዚዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

ናይጀርያውን ጸሓፍትን ምሁራትን ንሞት ፓየስ ኣደሳንሚ ብልዑል ሓዘን ጸሒፎሙሉ። ፕሮፌሰር ፓየስ ኣደሳንሚ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝወደቦ ኣኼባ ንኽሳተፍ እዩ ናብ ናይሮቢ ይጓዓዝ ነይሩ።

line

ካብ እትነበረሉ ኢድመንተን ናብ ናይሮቢ እትጓዓዝ ዝነበረት፡ ካናዳ-ሶማልያዊት ኣሚና ኢብራሂም ኦዳዋን፡ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓላ፡ ሶፊያ ዓብደል ቃድርን እውን ካብቶም ግዳያት እየን።

ኦዳዋ ክትምርዐው ትኸይድ ከምዝነበረት ንቢቢሲ ዝሓበረ ሓዋ፡ ሕጹያ'ውን ድሕሪ እቲ ሓደጋ እኽሊ ይኹን ማይ ከምዘይጠዓመ ብሓዘን ይገልጽ።

ኦዳዋ ካልኦት ክልተ ኣናእሽቱ ደቃ፡ ምስ ዓባየን እያ ገዲፋተን።

line
ፒተር ዲማርሽ፡

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ፒተር ዲማርሽ፡
Presentational white space

ሄለን ዲማርሽ፡ በዓል ሞያ ከባቢ ኣየር ዝኾነ ሓዋ ፒተር ዲማርሽ፡ ኣብ ናይሮቢ ናብ ዝካየድ ኣኼባ እንትኸይድ እቲ ሓደጋ ከምዝበጽሖ፡ ኣብ ፌስቡክ ጽሒፋ።

ንጽባቕ እንነብረላ ዓለምን ደቂ ሰብን ዝነበሮ ተበግሶ እትንእደሉ ሓፍቱ፡ ሰበይትን ወድን ከምዝገደፈ ገሊጻ።

line
ደሪክ ልዉጊ

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ደሪክ ልዉጊ

ከም ጸብጻብ ሲቢሲ ኒውስ፡ በዓል ሞያ ሕሳብን ፓስተርን ዝነበረ ወዲ 54 ዓመት ደሪክ ልዉጊ፡ ካብቶም ግዳያት ሓደ እዩ።

ኣቦ ሰለስተ ቖልዑን በዓል ሓዳርን ዝነበረ ደሪክ ሉዊጊ፡ ኣብ ካልጋሪ ዋና መንቀሳቐሲ ማሕበረሰብ ኬንያ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

line
መበቆል ህንዲ ዘለዎም ካናዳውያን ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Kosha Vaidya

መግለጺ ስእሊ, መበቆል ህንዲ ዘለዎም ካናዳውያን ግዳያት

መበቆል ህንዲ ዘለዎም ካናዳውያን፡ ሽዱሽተ ኣባላት ሓደ ቤተሰብ፡ ካብቶም ግዳያት እዮም።

ጓል 37 ዓመት ኮሻ ቫይዲያ፡ ምስ ወዲ 45 ዓመት በዓል ገዝኣ ፕረሪት ዲክሲት፡ ደቂ 14ን 13ን ዓመት ዝኾና ደቆም ኣሻካን ኣኑሻካን ናብ ናይሮቢ ይኸዱ ነይሮም።

73ን 63ን ዝዕድመኦም ወለዲ ኮሻ ድማ፡ ድሕሪ 35 ዓመታት፡ ጓሎም ኮሻ ዝተወለደትሉ ናይሮቢ ንምርኣይ ምስኦም ከምዝተበገሱ ኣዝማዶም ይገልጹ።

line
Danielle Moore

ምንጪ ስእሊ, Danielle Moore/Facebook

መግለጺ ስእሊ, Danielle Moore

ጓል 24 ዓመት ዳነል ሙር፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ሓለዋ ከባቢ፡ ንምስታፍ እያ ተጓዓዝ ነይራ።

ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ዕድል ብምርካባ ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ዝገልጽ ጽሑፍ መጋቢት 9፡ ኣብ ፌስቡካ ጠቂዓ ነይራ።

'ማሪን ባዮሎጂ' ዝተምሃረት ሙር፡ ኣብ 'ቻሪቲ ካናዳ ለርኒንግ ኮድ' ትሰርሕ ነይራ።

line

ኢትዮጵያ

Skip Facebook post

Content is not available

View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of Facebook post

Presentational white space

ሳራ ገብረሚካኤል፡ ዋና መተኣናገዲት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ በረራ ቑጽሪ 302 እያ ነይራ።

ጎረቤት ሳራ ዝኾነ ኣርቲስት ተስፋዬ ማሞ፡ ሳራ ንሰብ እትሓልን ዘይትርሳዕን ኣደ እያ ክብል ይገልጻ።

ሳራ በዓልቲ ሓዳርን ኣዶ ሰለስተ ቖልዑን ነይራ።

ናይጄርያ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ናይጄርያ፡ ብዛዕባ ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኾነ፡ ነበር ዲፕሎማትን ኣምባሳደርን ኣቢዮዱን ባሹዋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 3

Presentational white space

ዓባይ ብሪጣንያ

ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኾነት ጓል 36 ዓመት ጆኣና ቱሊ ኣብ ሮም ትነብር ከምዝነበረት ኣቦኣ ኣድርያን ቱሊ ይገልጽ።

ንኣስታት 15 ዓመታት፡ እንስሳት ኣብ ዝከናኸን ትካል ከምዝሰርሐት ዝገልጽ ወላዲኣ፡ ''ጓለይ ብዝሰረሓቶም ስራሕቲ ኣዝየ ይኾርዐላ። ካብዚ ንላዕሊ ክትሰርሕ ብዘይምኽኣላ ግን ይሓዝን'' ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።

line

ቤን ኩሪያ፡ ናይ እንግሊዝን ኬንያን ዜግነት ዝነበሮ ወዲ 55 ዓመት ወላዲኡ ጆሴፍ ዋቲካ፡ ኣብታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ከምዝነበረ እንትሰምዕ ኣዝዩ እዩ ሰምቢዱ።

ኩሪያ፡ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ብሪጣንያ ይነብር ዝነበረ ወላዲኡ፡ ''ለጋስን ደላዪ ፍትሕን'' ነይሩ ክብል ይገልጾ።

ኣቦ 3 ቖልዑ ዝነበረ ጆሴፍ ዋቲካ፡ ካብ 2015 ጀሚሩ ናብ ኬንያ ተመሊሱ ይነብር ነይሩ።

line
ሳራ ኦፍርት

ምንጪ ስእሊ, PA

መግለጺ ስእሊ, ሳራ ኦፍርት

ካልእቲ ግዳይ እቲ ሓደጋ ድማ፡ ምርቕቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሊማዉዝን በዓልቲ ሞያ ቱሪዝምን ዝነበረት ሳራ ኦፍርት እያ።

ሳራ፡ ኣብቲ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሓለዋ ከባቢ ዘድሃበ ኣኼባ ንምስታፍ እያ ተጓዓዝ ነይራ።

''ዝተሰመዐና ሓዘን ንምግላጽ ቃላት የብልናን። ሓቀኛ መሓዛን መሳርሕትን ኢና ስኢንና'' ክብሉ መሳርሕታ ይገልጹ።

ጀርመን

ኣን ካተሪን ፈይገል

ምንጪ ስእሊ, IOM

መግለጺ ስእሊ, ኣን ካተሪን ፈይገል

ኣን ካተሪን ፈይገል፡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እያ ተሰርሕ ነይራ። ኣብ ናይሮቢ ናብ ዝነበረ ስልጠና ትጓዓዝ ከምዝነበረት እትሰርሓሉ ዝነበረ ትካል ይገልጽ።

መሳርሕቲ ፈይገል ዝነበረት ካተሪን ኖርቲንግ ''ውፉይትን ፍልጥትን በዓልቲ ሞያ ነይራ'' ክትብል ብሕልፈታ ዝተሰመዓ መሪር ሓዘን ገሊጻ።

ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ድማ ኣኽብሮቱ ንምግላጽ፡ ባንዴራኡ ትሕት ኣቢሉ ከምዘንበልብል ገሊጹ እዩ።

ሽወደን

ጆናታን ሲክስ

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Seex/Facebook

መግለጺ ስእሊ, ጆናታን ሲክስ

ካሊእ ግዳይ፡ ሓላፊ ትካል ታማሪንድ ግሩፕ ዝነበረ ጆናታን ሲክስ እንትኾን፡ ትካሉ ሓያል ድንጋጸን ሓዘንን ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

እቲ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ዝዓበዩ ትካላት ሆቴልን ምትእንጋድን ዝኾነ 'ታምሪድ ግሩፕ'፡ ንቤተሰብን ስራሕተኛታትን እቲ ትካል ጽንዓት ተመንዩ።

Presentational white space

ህንዲ

Skip X post, 4
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 4

Presentational white space

ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ህንዳውያን፡ ናይ ዩ ኤን ዲ ፒ (UNDP) ኣማኻሪት ዝነበረት ሺካ ጋርግ ሓንቲ እያ። ሺካ ካብ እትነብረሉ ኒውደልሂ ኣብ ናይሮቢ ናብ ዝካየድ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ሓለዋ ከባቢ እያ ትኸይድ ነይራ።

ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ዝተመርዓወት ሺካ ጋርግ፡ በዓል ቤታ ምስኣ ክጓዓዝ ተዳልዩ ዝነበረ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ህጹጽ ኣኼባ ስለዘጓነፎ፡ ክተርፍ ክኢሉ እዩ።

ወላዲ ኣቦኣ ''ንፍዕቲ ተማሃሪት'' ክብል እንትገልጻ፡ መሓዙታ ድማ በዓልቲ ጽቡቕ ስብእና ክብሉ ይገልጹዋ።

ኣብ ናይሮቢ እትነብር ጥንስቲ ሓፍታ ንምርኣይ፡ እትጓዓዝ ዝነበረት ኑካቫራፑ ማኒሻ ድማ ካልእቲ ግዳይ እቲ ሓደጋ እያ።

ኣብ ኣሜሪካ ዶክተር ዝነበረት እዛ ህንዳዊት፡ እትሰርሐሉ ዝነበረት ትካል ኢስት ቴነስ ስቴት ዩኒቨርሲቲ፡ ውፉይቲ ሓኪም ነይራ ብምባል ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ እዩ።

ቶጎ

Skip X post, 5
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 5

Presentational white space

ብሕታዊ ቶጓዊ ተሳፋራይ፡ ዶክተር ኮጆ ግላቶ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሎሜ ፕሮፌሰር እዩ ነይሩ።

'ፋርመርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ' ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ዝነበሮ ዶክተር ግላቶ፡ ''ሽኮር ድንሽ ኣብ ረብሓ ንምውዓልን፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋጽን ፍሉይ ድልየት ነይሩዎ'' ክትብል ርያን ብራውን ንቢቢሲ ገሊጻ።

ስሎቫኪያ

ስሎቫኪያዊ በዓል ሞያ ሕጊ ኣንቶን ህርንኮ፡ በዓልቲ ቤቱ ብላንካ፣ ወዱ ማርቲንን ጓሉ ምኪኤላን ግዳያት እቲ ሓደጋ ምዃኖም ብመሪር ሓዘን ገሊጹ እዩ።

መንነት እቲ ራብዓይ ስሎቫኪያዊ ግዳይ፡ ክሳብ ሕዚ ኣይተገልጸን።

ጣልያን

ሰራሕተኛታት ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ማርያፒላር ቡዘቲን ቨርጂንያ ቺመንቲን፤ ከምኡ'ውን መስራቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ፓኦሎ ዳይሲ፡ ካብቶም ግዳያት እቲ ሓደጋ ነፋሪት ዝኾኑ ሽሞንተ ጣልያናውያን ገሊኦም እዮም።