ሓደጋ ነፋሪት ኢትዮጵያ፡ ካፕቴን ያሬድ ሙሉጌታ ብቃላት መሓዝኡ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende/Facebook
ካፕቴን ያሬድ ሙልጌታ ነታ ትማሊ ሰንበት ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 'ማክስ 8'፡ ቁፅሪ በረራ ET 302 ይመርሕ ዝነበረ ዋና ፓይለት'ዩ። ብዛዕብኡ ዝዛረብ መሓዝኡ፡ እቲ ካፕቴን ራግቢ ዝተበሃለ ዓይነት ስፖርት ይፍትዉ ምንባሩ ገሊፁ።
"ብዛዕባ ያሬድ ክዛረቦ ዝኽእል ሓደ ነገር እንተሃለወ፡ ራግቢ ብጣዕሚ ይፈቱ ምንባሩ'ዩ። ኣፍቃሪ ስፖርት'ዩ ነይሩ" ኢሉ።
ንዝሓለፉ 11 ዓመታት መሓዙት ምንባሮም ዘዘኻኽር ሓሰን ካተንዴ፡ ራግቢ ንምሕዝነቶም መሰረት ከም ዘንፀፈ ይዛረብ። ናብ ግእዝ ባር ሓቢሮም እናኸዱ፡ ነቲ ስፖርት ይከታተሉ ነይሮም።
ንመወዳእታ ግዘ ዝተዘራረቡሉ እዋን ቅድሚ ክልተ ሰሙንን ፈረቓን ክኸውን ከሎ፡ ሽዑ ተራኺቦም ብዛዕባ ኣብ ቶጎ - ሎሜ፡ መገዲ ኣየር ኤስካይ ስራሕ ብዛዕባ ዝረኸበ መሓዝኦም ተዘራሪቦም።
ካፕቴን ያሬድ ካብ ኢትዯጵያዊ ኣቦን ኬንያዊት ኣደን ኣብ ኬንያ ተወሊዱ። ኣብ ግዘ ቁልዕነቱ ዝተወሰነ ዓመት አብ ኬንያ ዘሕለፈ ኮይኑ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብኡ ወዲኡ።
ናብ ኣካዳሚ ኣቪየሰን መገዲ ኣየር ኢትዯጵያ ኣትዩ ድማ ስልጠና ተኸታቲሉ።

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende/Facebook
ሓሰን ከም ዝበሎ፡ ያሬድ ንኢትዮጵያንውን ኬንያውን ውርሻታት ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዎ። ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን'ውን ብቋንቋ ስዋሂሊ'ዮም ኣዕሊሎም።
ካፕቴን ያሬድ ነዊሕ ዕድመ ንዘቑፀረት መኪና ወላዲኡ ናይ ምዝዋር ፍቅሪ ከም ዝነበሮ ድማ ሓሰን ይዝክር።
"ንውርሻታት ኬንያ ፍሉይ ፍቕሪ ነይርዎ። ኩሉ ግዜ፡ ኢትዯጵያውን ኬንያውን ከም ዝኾነ ምዝራብ ይፍትው ነይሩ። ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ሰብ'ዩ" ክብል ይገልፆ።
እቲ ኣብራሪ፡ ኣምሓርኛ፣ ስዋሂልን እንግሊዝኛን ብብቕዓት ይዛረብ ነይሩ።
ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝሰምዐ ሓሰን፡ ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት መሓዝኡ ያሬድ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምት ኣይነበሮን።
"ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝዛረብ ዜና ሪኤ፡ ኣስማት ናይቶም ኣባላት በረራ'ውን ከምኡ፡ ግን ከኣ ያሬድ ዝብል ሽም ዝተለመደ ብምዃኑ፡ መሓዛይ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይሓሰብኩን" ኢሉ።
ሓሰን ኣብራሪ ናይታ ነፋሪት እቲ ንሱ ዝፈልጦ መሓዝኡ ያሬድ ከም ዝኾነ ዝፈለጠ ኣማስዩ'ዩ።
"ካልእ መሓዛይ ደዊሉ 'ብዛዕባ ያሬድ ሰሚዕካ'ዶ?' ኢሉኒ። ሽዑ ኣነ 'ያሬድ ክትብል ከለኻ?' ኢለ ሓቲተዮ" ዝብል ሓሰን በቲ ዝሰምዖ ዘሎ ዘረባ ክቆፃፀሮ ናብ ዘይክእል ስንባደ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Hassan Katende/Facebook
" ሽዑ እቲ መሓዛይ 'ነፋሪቱ ዝተሓምሸሸቶ ያሬድ'ዩ' ምስ በለኒ። 'ኣይኸውንን፤ ፍፁም ዘይኸውን'ዩ' ኢለዮ" ክብል ንዝተሰመዖ ስንባደ ይገልፆ።
ሓሰን ብዝሰምዖ ዜና ክድቅስ ከም ዘይከኣለ ይዛረብ። "ዋላ ሕዚ ኣብ ስንባደ'የ ዘለኹ። ንምእማኑ ዘፀግም'ዩ። ብሓቂ ዘይእመን'ዩ" ኢሉ።
ሓሰን፡ መሓዝኡ ካፕቴን ያሬድ ከም ጅግና ክዝከር ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ያሬድ ኣብ ዝተሓምሸሻ ነፈርቲ ዝካየድ ምርመራታት ይከታተል ነይሩ። ብብቕዓት ሰልጢኑ'ዩ። ስለዝኾነ፡ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ፡ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ህሞት ንፍልጠቱ ከም ዝተጠቐመ እምነት ኣለኒ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







