መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ቦይንግ 737 Max-8 እንታይ ትፈልጡ?

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Druion
እቲ ትማሊ ንነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ፡ ነታ ዝወደቐት ቦይንግ ዝዓይነት ሓዳስ ነፋሪት ከጋጥም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋን`ዩ።
እታ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣብ 2017 እያ ኣብ ንግዳዊ ስራሕ ተዋፊራ።
ኣብ ጥቅምቲ 2018፡ ሓንቲ 737 ማክስ ናይ መንገዲ ኣየር ላዮን ሓጺር እዋን ካብ ከተማ ጃካርታ - ኢንዶኔዢያ ድሕሪ ምብጋሳ ወዲቓ ምስተሓምሸሸት 189 ሰባት ሞይቶም። እታ ነፋሪት ናይ ሰለስተ ኣዋርሕ ዕድመ ጥራይ`ዩ ነይርዋ።
እዛ ናይ በረራ ቁጽሪ ET302 ዝነበራ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ`ውን ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ ምብራራ`ያ ወዲቓ።
ብመሰረት መረደእታ ናይ`ተን ነፈርቲ ዝከታተላ መርበባት ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 እያ ፈላማይ በረራ ኣካይዳ።
ፍሉይነት ናይ`ዛ ነፋሪት ካብ ካልኦት ነፈርቲ
`ምስ ቀዳሞት ስርሓት ዓይነት ና`ታ ነፋሪት ኣነጻጺርካ፡ ሞተረ ናይ`ዛ ነፋሪት ቁሩብ ንቕድሚት ውጥም ዝበለ`ዩ፡ ምስ ክንፋ ኣነጻጺርካ ድማ ብርኽ ዝበለ`ዩ። እዚ ድማ ንሚዛን ናይ ምሕላው ዓቕማ ይጸልዎ`ዩ` ኢሉ ኣብ ጃካርታ ዝመደበሩ ተንታኒ ስነ-በረራ [ኣቬሽን] ጌሪ ሶየትማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ሃገራዊ ኮሚቴ ድሕነት መጓዓዝያ ናይ ኢንዶነዢያ፡ ቁጽሪ በረራ 610 ናይ ላዮን ኣየር ካብ ሓደ`ቶም እታ ነፋሪት ኣብ ሓደጋ እንተሃልያ ንኣብረርቲ ከጠንቅቑ ተባሂሎም ዝተዳለዉ ሓበርቲ ኩነታት [ሰንሰርስ] `ግጉይ ሓበሬታ`ተቐቢላ ኢሉ ነይሩ።
ዛጊት፡ መርመራ ጠንቂ`ቲ ሓደጋ ኣብ ሓደ መደምደምታ ኣይበጸሐን ዘሎ።
እቲ ሓባሪ ኩነታትን ሶፍትዌርን ናይ`ዛ ነፋሪት ካብ`ተን ቅድሜኣ ዝተሰርሓ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ ፍልይ ዝበለ`ዩ፡ ኣብረርቲ ግን ብዛዕባ`ዚ ዝተገብረ ለውጢ ኣይተሓበሩን።

ሒደት መዓልታት ድሓሪ`ቲ ንመንገዲ ኣየር ላዮን ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ቦይንግ ሰሌዳ ሓበሬታ ናብ መንገዲ ኣየራት ልኢኹ።
ተቖጻጻሪ ኣካል ስነ-በረራ ኣሜሪካ (ኤፍ ኤ ኤ) ድማ ብዛዕባ`ዚ ኣንግል ኦፍ ኣታክ (AOA) ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓባሪ ኩነታት ወይ ሰንሰር ናብ ኩለን መንገዲ ኣየራት ኣሜሪካ `ህጹጽ` መምርሒ ኣመሓላሊፉ።
"እዚ ኩነታት ናይ`ዚ ሓባሪ ኩነት ኣቓልቦ እንተዘይተገይርሉ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ነታ ነፋሪት ክቆጻጸርዋ ከሸግሮም ይኽእል`ዩ፡ እዚ ድማ ነታ ነፋሪት ናብ ኣዝዩ ብርቱዕ ናይ ምንቋት ኩነታት ከምርሓን ብራኸ [ኣልቲትዩድ] ክትስእንን ምስ ብርኽ ዝበለ ቦታ ከም ትጋጮን ክገብራን ይኽእል`ዩ" ኢሉ በዓል መዚ ፈደራል ስነ-በረራ።
እቲ ህጹጽ መምርሒ ናብ መን`ዩ ተሰዲዱ?
መንገዲ ኣየራት ኣሜሪካ መወከሲ ሓበሬታ ናይ በረራ ሰራሕተኛታተን ከሕድሳ ተሓቢሩወን።
እዚ ሓበሬታ`ዚ ንኻልኦት ተቖጻጸርቲ ሃገራውያን ስነ-በረራ`ውን ተዋሂቡ`ዩ ኢሉ ኤፍ ኤ ኤ።
ተቖጻጸርቲ ነቲ ሓበሬታ ናብ ኩለን መንገዲ ኣየራት ከመሓላልፍዎ`ሞ ኣብረርቲ ብዛዕባ`ዚ ሓባሪ ኩነት [ሰንሰር] ሓድሽ ሓበሬታ ክወሃቦም ተስፋ ተነቢሩ ነይሩ።
ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዛዕባ`ዚ ሓባሪ ኩነት ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ከምዝኽእል ምንጭታት ስነ-በረራ ይእምቱ።
እዛ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከም`ቲ ነታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ላዮን ዘጋጠማ ጸገም ከምዘጋጠማ ዝእምቱ ሓበሬታታት ዛጊት ኣይተቐልቀሉን ዘለዉ።
"እዛ ነፋሪት`ዚኣ ልክዕ ከም`ታ ናይ መንገዲ ኣየር ላዮን ኣዝያ ሓዳስ ብምንባራ ኣቓልቦ ክወሃባ`ዩ። እንተኾነ ግን ጠንቂ ናይ`ቲ ሓደጋ ንምጽራይ ጊዜ ምሃብ ከድሊ'ዩ" ኢሉ ተንታኒ ስነ-በረራ ጆን ስትሪክላንድ ናይ ኣማኻሪ ትካል ጄይ ኤል ኤስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።
ቦይን`ከ እንታይ በለ?
"ብመሰረት ጠለብን መምርሒን ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ኣሜሪካ፡ ሓደ ናይ ቴክኒክ ጉጅለ ቴክኒካዊ ሓገዝ ክህብ`ዩ" ኢሉ ቦይን ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
ዝተሰምዖ ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ ድማ፡ ንጉጅለ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ድልውነቱ ኣፍሊጡ።
ቦይን 737 ማክስ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ`ቲ ኩባንያ እተን ቅልጡፍ ጠለብ ዝረኸባ ነፈርቲ`የን። በዚ ድማ እቲ ኩባንያ ካብ 100 መንገዲ ኣየራት ዓለምና ልዕሊ 4,500 ነፈርቲ ክሰድድ ጠለብ ቀሪብሉ።
ኣፈናዊ ውጽኢት መርመራ ናይ ኢትዮጵያ፡ መንገዲ ኣየራትን ተቖጻጸርትን እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ክእምት`ዩ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ከም መሪሕ`ዩ ዝረአ።
"ብዓለም ደረጃ`ውን ከም ሓደ ብሞያዊ ኣገባብ ከም ዝምራሕ ብሉጽ ኩባንያ'ዩ ዝፍለጥ" ኢሉ ተንታኒ ጆን ስትሪክላንድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







