ቻይና ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት ስዒቡ፡ ብተመሳሰልቲ ነፈርቲ ዝግበር በረራ ኣጊዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምቁፅፃር ኣቪየሽን ቻይና፡ ናይታ ሃገር መገዲታት ኣየር ንቦይንግ 737 Max 8 ካብ ምጥቃም ክዕቀባ መምርሒ ሂቡ። እዚ ውሳነ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተመሳሳሊት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝበፅሐ ሓደጋ ምሕምሻሽ ስዒቡ ዝተወሃበ'ዩ።
ኩለን መገዲታት ኣየር፡ ነታ ዓይነት ነፋሪት ካብ ምጥቃም ክቑጠባ ብትሪ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።
ነፋሪት መጓዓዝያ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት፡ በረራ ካብ ትጅምር ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብዘጋጠማ ሓደጋ ምሕምሻሽ 157 ሰባት ሞይቶም'ዮም።
ኣብ ልዕሊ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ወርሒ ንኻልኣይ ግዚኡ'ዩ።
ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፡ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓደጋ ንኸጋጥም ምኽንያት ዝኾነ ነገር ንምፍላጥ ግዚኡ ገና ከም ዝኾነ 'ኳ እንተሓበሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ተመሳሳሊት ነፋሪት መገዲ ኣየር 'ላየን ኤይር' ዘጋጠመ ሓደጋ ግን እቲ ጉዳይ ትኹረት ክስሕብ ገይሩ'ሎ።
በቲ ናይ ሽዑ ሓደጋ 189 ሰባት ህይወቶም ከም ዝሓለፈ ይዝከር።
ምምሕዳር ሲቪል ኣቪየሽን ቻይና "ነዞም ክልተ ሓደጋታት ብምርኣይ፡ እሞ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ሓደሽቲ ነፈርቲ ክለዓላ ከለዋ ዘጋጠመ፡ ቁሩብ ምምስሳል ዘሎ ይመስል [ኣብ ባህርያት እቲ ሓደጋ]" ኢሉ።
ንኤይር ቻይና ሓዊሱ ካልኦት ናይታ ሃገር መገድታት ኣየር፡ ብውሳነ እቲ ኣቭየሽን ክህሰያ ከም ዝኽእላ ይዝረብ።
ኣብ ቻይና ልዕሊ 90 ቦይንግ 737 ማክስ 8 ነፈርቲ ኣብ ኣገልግሎት ዝርከባ ኮይነን፡ ዓይነት እተን ነፈርቲ ናብ በረራ ካብ ዝዋፈራ ሓፂር እዋን እዩ።


ኩባንያ ቦይንግ በቲ ሓደጋ "መሪር ሓዘን" ከም ዝተሰምዖ ብምግላፅ፡ ኣብ ምርመራ እቲ ሓደጋ ቴክኒካዊ ሓገዝ ዝገብሩ ኣባላት ከም ዝልእኽ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







