ላየን ኤየር፡ ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ቦይንግ 737 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ

እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, እታ ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ፓሉ (ቅድሚ ሓደጋ ኣብ መእተዊ ወርሒ ጥቅምቲ)

ብላየን ኤይር እትውነን ቦይንግ 737፡ ምስ ዝፀዓነቶም 188 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ። እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ጃካርታ ምስተበገሰት ነዊሕ ከይከደት'ያ ሓደጋ ገጢምዋ።

ቁፅሪ በረራ ጄቲ 610፡ ካብ ኢንዶነዥያ ተበጊሳ፡ ፓንካል ፒናንግ ናብ ዝተበሃለት ዓበይ ከተማ ደሴታት ባንካ ቤሊተንግ'ያ ትጓዓዝ ነይራ።

ካብ እትለዓል ድሕሪ 13 ደቓይቕ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ተቖፃፃሪ ዝነበራ ርክብ ተቛሪፁ፤ ንመዋዳእታ ግዜ ድማ ነቲ ባሕሪ ክተቋርፅ ከላ ኣብ ትሕቲ ክትትል ፀኒሓ።

ካብቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዝተረፉ ሰባት ብዛዕባ ምህላዎም ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ቤት ፅሕፈት ኣለሻን ምድሓን ነብስን ፓንካል ፒናንግ ከም ዝበልዎ፡ ፓይለት እታ ነፋሪት ናብ ጃካርታ ተመሊሱ ንኽዓልብ ተሓቲቱ ነይሩ'ዩ።

ኣብታ 188 ሰባት ዝፀዓነት ነፋሪት ሰለስተ ህፃናት፣ ክልተ ፓይለታትን ሓሙሽተ ኣባላት በረራን ምንባሮም ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ስድራ ግዳያት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዴፓቲ-ፓንካል ፒናንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስድራ ግዳያት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዴፓቲ ኣሚር - ፓንካል ፒናንግ

ሓላፊ ኤጀንሲ ምንካይ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ሱቱፖ ፑርዎ፡ ስብርባር ኣካል እታ ነፋሪትን ዝተወሰነ ንብረት ተሳፈርትን ኣብቲ ባሕሪ ክንሳፈፍ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ትዊተር ገፁ ጠቂዑ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 1

Presentational white space

ብተመሳሳሊ ኣብ ምብራቓዊ ጃካርታ ዝተረኸበ ስብርባርን ኣብቲ ማይ ሰፈፍ ዝበለ ዘይትን ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርጊሑ።

ዖ ስብርባርን ኣብ ማይ ዝሰፈፈ ዘይትን ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Sutopo Purwo Nugroho

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ኤጀንሲ ምንካይ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ሱቱፖ ፑርዎ ዝጠቅዖ ስብርባርን ኣብ ማይ ዝሰፈፈ ዘይትን ዘርእይ ስእሊ

ወሃቢ ቃል ኤጀንሲ ኣለሻን ምድሓን ህይወትን ዩሱፍ ላቲፍ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እታ ነፋሪት ካብ 30 ክሳብ 40 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ማያዊ ኣካል'ያ ተሓምሺሻ" ኢሉ።

አለሻ ከም ዝቐፀለ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post, 2

Presentational white space