እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላየን ኤየር፡ ካብ ጃካርታ ዝተበገሰት ቦይንግ 737 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ
ብላየን ኤይር እትውነን ቦይንግ 737፡ ምስ ዝፀዓነቶም 188 ኣብ ባሕሪ ተሓምሺሻ። እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ጃካርታ ምስተበገሰት ነዊሕ ከይከደት'ያ ሓደጋ ገጢምዋ።
ቁፅሪ በረራ ጄቲ 610፡ ካብ ኢንዶነዥያ ተበጊሳ፡ ፓንካል ፒናንግ ናብ ዝተበሃለት ዓበይ ከተማ ደሴታት ባንካ ቤሊተንግ'ያ ትጓዓዝ ነይራ።
ካብ እትለዓል ድሕሪ 13 ደቓይቕ ምስቲ ኣብ መሬት ዘሎ ተቖፃፃሪ ዝነበራ ርክብ ተቛሪፁ፤ ንመዋዳእታ ግዜ ድማ ነቲ ባሕሪ ክተቋርፅ ከላ ኣብ ትሕቲ ክትትል ፀኒሓ።
ካብቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ዝተረፉ ሰባት ብዛዕባ ምህላዎም ዝተፈለጠ ነገር የለን።
ቤት ፅሕፈት ኣለሻን ምድሓን ነብስን ፓንካል ፒናንግ ከም ዝበልዎ፡ ፓይለት እታ ነፋሪት ናብ ጃካርታ ተመሊሱ ንኽዓልብ ተሓቲቱ ነይሩ'ዩ።
ኣብታ 188 ሰባት ዝፀዓነት ነፋሪት ሰለስተ ህፃናት፣ ክልተ ፓይለታትን ሓሙሽተ ኣባላት በረራን ምንባሮም ተፈሊጡ'ሎ።
ሓላፊ ኤጀንሲ ምንካይ ሓደጋ ኢንዶነዥያ፡ ሱቱፖ ፑርዎ፡ ስብርባር ኣካል እታ ነፋሪትን ዝተወሰነ ንብረት ተሳፈርትን ኣብቲ ባሕሪ ክንሳፈፍ ዘርእይ ስእሊ ኣብ ትዊተር ገፁ ጠቂዑ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ምብራቓዊ ጃካርታ ዝተረኸበ ስብርባርን ኣብቲ ማይ ሰፈፍ ዝበለ ዘይትን ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘርጊሑ።
ወሃቢ ቃል ኤጀንሲ ኣለሻን ምድሓን ህይወትን ዩሱፍ ላቲፍ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "እታ ነፋሪት ካብ 30 ክሳብ 40 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ማያዊ ኣካል'ያ ተሓምሺሻ" ኢሉ።
አለሻ ከም ዝቐፀለ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።