እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሜክሲኮ ነፋሪት ክትለዓል እንከላ ተሓምሺሻ
ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ዱራንጎ 101 ሒዛ ዝነበረት ናይ ሰብ መጎዓዝያ ነፋሪት ክተለዓል እንከላ ከምዝተሓምሸሸት ቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጹ።
ካብቶም ገያሾ ግን ወላ ሓደ ሰብ ከምዘይሞተ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ ገሊጹ።
እቲ ኣማሓዳሪ ኣብ ትዊተር ገፁ ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ ካብቶም 101 ሰባት ዝኾነ ሞት ከምዘየጋጠመን፡ እንተኾነ ግን ከባቢ 85 ቀሊል መጉዳእቲ ከምዝበጽሖምን 2 ከኣ ብጽኑ ተጎዲኦም ከምዘለው ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ምስ ተላዕለት ድሕሪ ቁሩብ ደቃይቅ ጥቃ መዓልቦ ኣየር ተሓምሺሻ።
ሰብ-ስልጣን እታ ሃገር ካብቶም 97 ገያሾ ካልኦት 4 ሰራሕተናታት ነፈራትን፡ 37 ኣብ ሆስፐታል ሓገዘ እናተገበረሎም እንትኸውን፤ ካብኦም ድማ እቶም 2 ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከምዘሎው ሓቢሮም።
እቶም ገያሾ ከበየናይ ሃገር ምዃኖምን ኣስማቶም ገና ኣይተነፀረን።
ኣቐዲሙ ዝወጸ ሓበሬታ ከምዝሓበሮ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ህቦብላ ዝተሓወሶ ከቢድ ዝናብ ከምዝኾነ ይዝረብ።
እታ ናይ መጎዓዝያ ነፋሪት ካብ ከተማ ጋዳሉፕ መዕርፎ ነፈርቲ ናብ ሜክሲኮ ሲቲ ተጎዓዝ ነይራ።
ሓደ ካብቶም ተሳፈርቲ ንቴሌቪዥን እታ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ብሓያል ንፋስ ከምዝተወቕዓት ሓቢሩ።
እታ ነፋሪት ምስተሓምሸሸት ሽዑ ንሸዑ ብሐዊ ክትቓጽል ከምዝጀመረትን ምጥፋእቲ ሓዊ ባርዕ፡ ነቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቀጽጽር ከምዝኣተውዎን ተገሊጹ።
ፕረስደንት ሜክኪኮ ኤንሪከ ፕና ነቶ፡ ኩሎም መንግስታዊ ትካላት ዘድሊ ሐገዝ ክገብሩ መምሪሒ ኣመሓላሊፉ።
መዕርፎ ነፈርቲ ጋዳሉፐ ቪክቶርያ ድሕሪ እታ ሓደጋ ተዓጽዩ። .