ኣብ ዓለምና ዘጋጠሙ ዓበይቲ ሓደጋታት ነፈርቲ
ካብ 1998 ዓመተ ፈረንጂ ጀሚሩ ዘጋጠሙ ዓበይቲ ሓደጋታት ነፈርቲ፡
2019
10 መጋቢት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ናይሮቢ ኬንያ እትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት፡ 149 ተጉዓዝቲ ከምኡ ድማ 8 ሰራሕተኛታት ሒዛ ተሓምሺሻ።
እታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነፋሪት ምስተላዕለት ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ ርክብ ተቛሪጽዋ፤ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) ዝተሓምሸሸት ክትከውን ከላ፡ አብቲ ሓደጋ 157 ሰባት ሞይቶም።

2018
29 ጥቅምቲ፡ ካብ ጃካርታ ኢንዶኖዢያ ዝተበገሰት ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ላዮን ዝኾነት ቦይንግ 737 ማክስ፡ ሒደት ደቓይቕ ምስ በረረት፡ ናብ ባሕሪ ጃቫ ጥሒላ።
ኣብዛ ነፋሪት ዝነበሩ 189 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታት እቲ መገዲ ኣየርን ድማ ሞይቶም።
ነዚ ሓደጋ ዘጻረዩ መርመርቲ፡ እታ ነፋሪት ቅድም ኢላ ኣብ ዘካየደቶም በረራታት ቴክኒካዊ ጸገማት ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ደው ክትብል ከምዝነበራን ገሊጾም'ዮም።
18 ግንቦት፡ ካብ ሃቫና ዓለማዊ መዕርፎ ነፈርቲ ጆስ ማርቲ ዝተበገሰት ቦይንግ 737፡ ሒደት ደቓይቕ ምስ በረረት'ዩ ሓደጋ ኣጓኒፉዋ። ሓደ ተሳፋሪ ብህይወት ክድሕን ከሎ፡ ካልኦት 112 ሰባት ግን ሞይቶም።
11 ሚያዚያ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኣልጀሪያ ኣልጀርስ ዝተበገሰት ናይ ወተሃደራት ነፋሪት፡ ቁሩብ ደቓይቕ ምስ ተጉዓዘት ተሓምሺሻ፡ 257 ሰባትን 10 ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪትን ሞይቶም።
መብዛሕትኦም፡ ወተሃደራትን ስድራ እቶም ወተሃደራትን ምንባሮም ድማ ተገሊጹ።
12 መጋቢት፡ 71 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ዘሳፈረት ነፋሪት ኣብ መገዲ ኣየር ካትማንዱ ክትዓልብ ተሓምሺሻ። ልዕሊ 50 ሰባት ድማ መይቶም።
18 ለካቲት፡ ኣብ ኢራን ናብ ዝርከቡ ጎቦታት ዛግሮስ ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ሓደጋ ኣጓኒፉዋ፡ ኣሳፊራቶም ዝነበረት 66 ሰባት ጠፊኦም'ዮም።
እዛ ዋንነታ ናይ ኢራን፡ መገዲ ኣየር አሴማን ዝኾነት ነፋሪት፡ ካብ ቴህራን ናብ ደቡብ ምዕራባዊት ከተማ ያሱጅ ንሓደ ሰዓት ተጉዒዛ ነይራ።
11ለካቲት፡ንዝተወሰኑ ደቓይቕ ካብ መገዲ ኣየር ሩሲያ ዶኖዴዶቮ ዝተንቀሳቐሰት ነፋሪት ሩሲያ፡ 71 ሰባት ሒዛ ነይራ።
እዛ ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ሳራቶቭ ዝኾነት ኣንቶኖቭ ኤኤን-148፡ ናብ እትወስድ ከተማ ኦርስክ ኣብ እትጉዓዘሉ እዋን'ዩ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሞስኮ ሓደጋ በጺሑዋ።
2017
ዓመተ ፈረንጂ 2017፡ ሓደጋ ነፈርቲ ዘይገጠሞ፡ ውሑስ ዓመት'ዩ።
2016
25 ታሕሳስ፡ ወተሃደራዊት ጀት ቲዩ-54 ኣብ ጸሊም ባሕሪ ተሓምሺሻ። ኩሎም 92 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታትን ድማ መይቶም።
እዛ ነፋሪት፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ሶቺ ካብ ዝርከብ መገዲ ኣየር ምስ ተበገሰት፡ ድሕሪ ቑሩብ ደቓይቕ'ዩ ሓደጋ ኣጓኒፉዋ።
ኣብ ሶሪያ ንዝርከቡ ወተሃደራት ሩሲያ፡ ሙዚቃዊ ምርኢት ከቕርቡ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ ጋዜጠኛታትን ወተሃደራትን ኣብዛ ነፋሪት ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
7 ታሕሳስ፡ ኩሎም ኣብ ነፋሪት ዓለማዊ መገዲ ኣየር ፓኪስታን ዝነበሩ 48 ተጉዓዝቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ተሓምሺሾም። እዚ መገዲ ኣየር ኣብ ሕሉፍ ብሓለዋ ድሕነት ነቐፌታ ክበጽሖ ጸኒሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
28 ሕዳር፡ ኣባላት ክለብ ብራዚል ቻፕኮነስ ሒዛ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት፡ ነዳዲ ስለዝወደአት፡ ኣብ ጥቓ መደሊን፤ ኮሎምቢያ ተሓምሺሻ። 71 ሰባት ግዳያት እንትኾኑ፡ መብዛሕትኦም ተጻወትትን ሐሓለፍትን ናይታ ጋንታ'ዮም ነይሮም።
ሰለስተ ተጻወትቲ ድማ፡ ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ሽዱሽተ ሰባት ነይሮም፤ ካልኦት ትሸዓተ ግን ኣይተጉዓዙን።
19 ግንቦት፡ ፕሬዝደንት ፈረንሳ ፍራንኮይስ ሆላንዴ፡ ኣብ ሞንጎ ፓሪስን ካይሮን ከምዝጠፍአት ዝተገለጸትን 66 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረትን ነፋሪት ግብጺ፡ ከም ዝተሓምሸሸት ኣረጋጊጹ።
19 መጋቢት፡ ቦይንግ 737-800 ነፋሪት ፍላይ ዱባይ፡ ኣብ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ዝተብሃለት ከተማ ሩስያ ተሓምሺሻ፡ ኣሳፊራቶም ዝነበረት 62 ሰባት ድማ ሃሊቖም።
2015
31 ጥቅምቲ፡ መገዲ ኣየር ሩሲያ ኮጋልያማቪያ ዝውንና ኤርባስ ኤ321 ካብ ሻርም ኣል-ሼክ ን22 ደቓይቕ ምስ በረረት፡ ብዝበጽሓ ሓደጋ 224 ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ መይቶም።
ጸኒሑ ግን ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ፡ ሩሲያ ኣብ ሶርያ ንእተርእዮ ኢድ ኣእታውነት ምላሽ ንምሃብ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ ኢሉ።
30 ሰነ፡ ሄርኩለስ C-130 ዝዓይነታ ወታሃደራዊ ነፋሪት ኢንዶኔዥያ ኣብ 'ማዳን' ኣብ ዝርከቡ መንበሪ ኣባይቲ ወዲቓ ተሓምሺሻ።
ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት ዝነበሩ 122 ሰባትን ኣብ መሬት ዝጸንሑ 19 ሰባትን ከምዝሞቱ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።
24 ሚያዝያ፡ ካብ ባርሰሎና ናብ ዱሰልዶርፍ 148 ሰባት ኣሳፊራ እትበርር ዝነበረት ጀርማን ዊንግስ ኤየር ባስ፡ ኣብ ኣልፕስ ፈረንሳይ ተሓምሺሻ፡ 148 ሰባት መይቶም ክኾኑ ክምዝኽእሉ ተገሊጹ ነይሩ።
2014
28 ታሕሳስ፡ ካብ ኢንዶኔዠያ ናብ ሲንጋፖር ትበርር ዝነበረት QZ8501 ዝዓይነታ ነፋሪት ኤየር ኤስያ ኣብ ቃላይ ጃቫ ጠፊኣ።
እቲ ፓይለት ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ክምለስ ከምዝደሊ ፍቓድ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ ሓገዝ ግን ኣይረኸበን።
ኣብታ ነፋሪት 162 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ነይሮም።
24 ሓምለ፡ AH5017 ኤየር ኣልጀሪ ምስ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዘዋስን ክሊ ኣየር ማሊ ጠፊኣ።
እዛ ብናይ ሰፔን ስዊፍት ኤየር እትበርር ዝነበረት፡ ማክዶኔል ዶግላስ MD-83 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ 56 ፈረንሳውያን ዝርከቡዎም 116 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኡጋዱጉ ናብ ኣልጀርስ እያ ትጓዓዝ ነይራ።
ኩሎም ተሳፈርቲ ከምዝሞቱ ይእመን።
23 ሓምለ፡ ATR-72 ዝዓይነታ ነፋሪት ታይዋን ኣብ ቃላይ ተሓምሺሻ 48 ሰባት ሞይቶም።
እታ 54 ተሳፈርትን 4 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ክትዓልብ እንትትፍትን እያ ተሓምሺሻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
17 ሰነ፡ 193 ሆላንዳውያን ዝርከቡዎም 298 ሰባት፡ ኣሳፊራ ትጓዓዝ ዝነበረት MH17 ኣየር ማሌዥያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ተሓምሺሻ ኩሎም ተሳፈርቲ ሞይቶም።
እታ ነፋሪት ደገፍቲ ራሻ ብዝኾኑ ዓመጽቲ ብሚሳኤል ተወቒዓ ከምዝወደቐት ይእመን።
8 መጋቢት፡ ካብ ኩዋላላምፐር ናብ ቤጂንግ ትበርር ዝነበረት፡ MH370 መገዲ ኣየር ማሌዥያ ምስጠፍአት፡ ነታ ነፋሪት ንምድላይ፡ ኣብ ታሪክ መገዲ ኣየር እቲ ዝዓበየን ዝበዝሐ ወጻኢ ዝውጸሉን ኣለሻ ተኻይዱ እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ሓምለ 2015፡ ክንፊ እታ ነፋሪት ኣብ ደሴት ሪዩንየን ክርከብ ክኢሉ እዩ።
11 ለካቲት፡ 78 ሰባት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ሄርኩለስ C-130 ዝዓይነታ ወታደራዊ ነፋሪት ኣብ ጎቦታት ሰሜናዊ ምዕራብ ኣልጀርያ ተሓምሺሻ።
ካብቶም ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን እታ ነፋሪት፡ ሓደ ወታደራዊ መኮነን ብሂወት ከምዝተረፈ ጸብጻባት ይሕብሩ።
2013
17 ሕዳር፡ ናይ መገዲ ኣየር ታታሪስታን ዝኾነት ቦይንግ 737 ኣብ ራሽያ ካዛን፡ ኣብ እትዓልበሉ እዋን ተሓምሺሻ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 50 ተሳፈርቲ መይቶም።
16 ጥቅምቲ፡ ATR 72-600 ዝዓይነታ ነፋሪት መገዲ ኣየር ላኦ፡ ክትዓልብ እንትትፍትን ናብ ሩባ ሚኮንግ ጸዲፋ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 49 ሰባት መይቶም።
2012
3 ሰነ፡ ናይ ዳና ኣየር ዝኾነት ነፋሪት፡ 150 ሰባት ጽዒና፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ሌጎስ ናይጄርያ ተሓምሺሻ።
20 ሚያዝያ፡ ናይ መገዲ ኣየር ቦጃ ዝኾነት ቦይንግ 737 ነፋሪት፡ ኣብ ጥቓ መዕረፊ ኣየር ኢስላማባድ ፓኪስታን ተሓምሺሻ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 121 ተጓዓዝትን 6 ሰራሕተኛታትን መይቶም።
2011
26 ሓምለ፡ ወታሃደራዊ ሄርኩለስ C-130 ነፋሪት ሞሮኮ፡ ኣብ ጎቦ ተሓምሺሻ 78 ሰባት መይቶም። መንቀሊ እቲ ሓደጋ ሕማቕ ኩነታት ኣየር ከምዝኾነ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
8 ሓምለ፡ ናይ መገዲ ኣየር ሄዋ ቦራ ዝኾነት ነፋሪት፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ እንትትዓርፍ ተሓምሺሻ፡ ካብ 118 ተሳፈርቲ እቶም 74 መይቶም።
9 ጥሪ፡ ናይ ኣየር ኢራን ዝኾነት ቦይንግ 727፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ኦርሚያህ ተሓምሺሻ፡ ኣብ ውሽጣ ካብ ዝነበሩ 100 ሰባት እቶም 77 መይቶም።
እቲ ፓይለት ቅድሚ ምዕራፍ ምፍታኑ፡ ናይ ቴክኒክ ጸገም ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ ነይሩ።
2010
5 ሕዳር፡ ናይ ኤሮካሪብያን ቱርቦፕሮፕ ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ጎቦታት ማእከላይ ኩባ ተሓምሺሻ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 68 ሰባት ሞይቶም።
28 ሓምለ፡ ናይ ኤየር ብሉ ዝኾነት ነፋሪት ፓኪስታን ካብ ካራቺ ተበጊሳ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኢስላማባድ ንምዕራፍ እንትትፍትን ተሓምሺሻ፡ ኣብ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 152 ተሳፈርቲ ኩሎም ሞይቶም።
22 ጉንበት፡ ናይ ኤየር ኢንድያ ኤክስፕረስ ዝኾነት ቦይንግ 737፡ኣብ ደቡባዊ ህንዲ መዕርፎ ነበርቲ ማንጋሎር ጥሒሳ ብምኽያድ ኣብ ሓጓፍ ተሓምሺሻ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 158 መይቶም።
12 ጉንበት፡ ናይ መገዲ ኣየር ኣፍሪቅያህ ዝኾነ ኤየርባስ 330 ኣብ ጥቓ መዕርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ንምዕራፍ እንትትፍትን ተሓምሺሻ ልዕሊ 100 ሰባት መይቶም።
10 ሚያዝያ፡ ናይ ፖላንድ ፐሬዚደንት ዝነበረ ሊክ ካዚነስኪን ካልኦት ላዕሊ 90 ሰባትን ዝጸዓነት፡ ቱፖሌቭ 154 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣብ ሩስያ ተሓምሺሻ። ኩሎም ድማ መይቶም።
25 ጥሪ፡ 89 ሰባት ሒዛ ካብ ቤሩት ዝተልዓለት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ በዙሕ ከይጸንሐት ተሓምሺሻ።
2009
15 ሓምለ፡ ናይ መገዲ ኣየር ካስፕያን ዝኾነት ቱፖለቭ ነፋሪት፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢራን ተሕምሺሻ፡ 168 ተጓዓዝቲ ከምዝሞቱ ይግለጽ።
30 ሰነ፡ ኤየርባስ 310 ነፋሪት የመን፡ ኣብ ከባቢ ህንዲ ውቅያኖስ ተሓምሲሻ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ዝነበሩ 153 ሰባት ሓደ ሰብ ጥራሕ ብህይወት ወጺኡ።
1 ሰነ፡ ናይመገዲ ኣየር ፈረንሳይ ዝኾነት ኤየርባስ 330፡ 228 ሰባት ሒዛ ካብ ሪዮ ናብ ፓሪስ እንትትበርር፡ ኣብ ኣትላንቲክ ወዲቓ። ኣለሽቲ ናይ 50 ሰባት ኣስከሬን ጥራሕ እዮም ረኺቦም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
20 ጉንበት፡ ኣብ ምብራቓዊ ጃቫ ዝተሓምሸሸት፡ C-130 ወታደራዊት ነፋሪት ኢንዶኔዥያ፡ ብውሕዱ 97 ሰባት ቀቲላ።
12 ለካቲት፡ ኣብ ኒውዮርክ ቡፋሎ፡ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ዝውደቐት ነፋሪት ፡49 ተጓዓዝትን ካብቲ ከባቢ ድማ ሓደ ሰብ ቀቲላ።
2008
14 መስከረም፡ ኣብ ማዕከላዊ ሩስያ ከተማ ፐርም ዝወደቐት ቦይንግ 737፡ 88 ተጓዓዝትን ሰራሕተኛታትን ቀቲላ።
24 ነሓሰ፡ ካብ ኪርጊስታን ከተማ ቢሽከክ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ቁሩብ ምስበረረት ተሓምሺሻ፡ 68 ሰባት መይቶም።
20 ነሓሰ፡ ናይ ስፔን ኤየር፡ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ማድሪድ እንትትለዓል ካብ መስመር ወጺኣ፡ 154 ሰባት እንትሞቱ 18 ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም።
2007
30 ሕዳር፡ ኣብ ነፋሪት ኣትላስ ዝነበሩ 56 ሰባት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ጎቦታት እስፓርታ ብምሕምሻሻ፡ ኩሎም ህይወቶም ሓሊፉ።
16 መስከረም፡ ኣብ ታይ ሪዞርት ክትዓርፍ ዝተሓምሸሸት፡ ዋን-ቱ-ጎ ነፋሪት ብኧእሕዱ 87 ሰባት ቀቲላ።
17 ሓምለ፡ ናይ መገዲ ኣየር ታም ነፋሪት ኣብ ሳኦፖሎ ብራዚል ተሓምሺሻ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ 186 ሰባትን ኣብ መርት ዝነበሩ 13 ሰባትን ቀቲላ። እዚ ኣብታ ሃገር ዝኽፍአ ሓደጋ ነፋሪት፡ ኮይኑ ተመዝጊቡ እዩ።
5 ጉንበት፡ ቦይንግ 737-800 ነፋሪት መገዲ ኣየር ኬንያ፡ ኣብ ደቡባዊ ካሜሩን ተሓምሺሻ፡ 114 ተሳፈርቲ መይቶም።
1 ጥሪ፡ ኤየር ኣዳም ቦይንግ 737-400፡ 102 ሰባት ሒዛ ኣብ ኢንዶኔዥያ ተሓምሺሻ። ኩሎም ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
2006
29 መስከረም፡ 154 ተጉዓዝቲ ኣሳፊራ ዝነበረት ቦይንግ 737፡ ኣብ ብራዚል ተሓምሺሻ።
22 ነሓሰ፡ 170 ተጉዓዝቲ ኣሳፊራ ዝነበረት ነፋሪት ሩሲያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬይን ተሓምሺሻ።
9 ሓምለ፡ ኤርባስ ኤስ7-ኤ-310 ኣብ ሰርቢያ መገዲ ኣየር ዶኔተስክ ክትዓርፍ ተሓምሺሻ። ኣብ በረራ ዝነበሩ 124 ሰባት እንትሞቱ፡ ልዕሊ 50 ድማ ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም።
3 ግንቦት፡ ኤርባስ ኤ-320 ኣርማቪያ ናብ ብላክ ሲ ጥሒላ፡ 113 ሰባት ቀቲላ።
2005
10 ታሕሳስ፡ ናይ መገዲ ኣየር ሶሶሊሶ ዝኾነት DC-9 ኣብ ደቡባዊ ናይጀሪያ፡ ወደባዊት ከተማ ሃርኮርት ተሓምሺሻ 103 ሰባት መይቶም።
6 ታሕሳስ፡ C-130 ዝዓይነታ ወታሃደራዊ ነፋሪት መጓዓዝያ ኣብ ኢራን ከተማ ቴህራን ተሓምሺሻ፡ ኣብ መሬት ዝጸንሑ ሰባት ሓዊሱ 110 ሰባት ቀቲላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
22 ጥቅምቲ፡ ናይ ቤልቪው መገዲ ኣየር ዝኾነት ቦይንግ 737፡ ካብ ከተማ ሌጎስ ምስተበገሰት ቁሩብ ከይጸንሐት ተሓምሺሻ፡ 117 ተሳፈርቲ መይቶም።
5 መስከረም፡ 112 ተሳፈርትን 5 ሰራሕተኛታትን ዝሓዘት ነፋሪት መገዲ ኣየር ማንዳላ፡ ድሕሪ ምልዓላ ኣብ ኢንዶኔዥያ ማዳን ተሓምሺሻ፡ ኣብ መሬት ዝነበሩ ልዕሊ 10 ሰባት ሓዊሱ ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት ኩሎም መይቶመ።
16 ነሓሰ፡ ብመገዲ ኣየር ምዕራብ ካሪብያን እትእለ፡ ነፋሪት ኮሎምብያ ኣብ ቬነዝዌላ ተሓምሺሻ 160 ሰባት ቀቲላ።
14 ነሐሰ፡ ካብ ሲጵረስ ናብ ኣቴንስ 121 ሰባት ሒዛ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ሂልዮስ፡ ብምኽንያት ምቕናስ ጸቕጢ ኣየር ኣብ ኣቴንስ ተሓምሺሻ።
16 ሓምለ፡ 60 ሰባት ዝሓዘት ነፋሪት ኢኮቴር፡ ድሕሪ ምልዓላ፡ ኣብ ማላቡ ጊኒ ተሓምሺሻ። ኩሎም ድማ መይቶም።
3 ለካቲት፡ ቦይንግ 737 መገዲ ኣየር ካም፡ ብምኽንያት ሓያል ንፋስ ካብ ራዳር ምስጠፍአት፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ስብርባር እዛ ነፋሪት ኣብ ጥቓ ኣፍጋኒስታን ከተማ ካቡል ተረኺቡ።
ኣብ ውሽጢ ኣታ ነፋሪት ዝነበሩ 104 ሰባት ድማ መይቶም።
2004
21 ሕዳር: እዚ ህይወት 53 ሰባት ዘሕለፈ ኣብ ሞንጎሊያ ዞባ ሰሜን ቻይና ዘጓነፈ ሓደጋ ነፋሪት'ዩ። እዚ ካልኦት ክልተ ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት'ውን ግዳያት ገይሩ'ዩ።
3 ጥሪ፡ መገዲ ኣየር ፍላሽ ኤየር ዘመሓድራ ነፋሪት ግበብጺ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒላ። መብዛሕትኦም ፈረንሳውያን በጻሕቲ ዓዲ ኣሳፊራ ዝነበረት እንትኾን፡ ኩሎም 142 ተሳፈርቲ'የም መይቶም።
2003
25 ታሕሳስ፡ ቦይንግ 727 ካብ ቤንን ምስ ተበገሰት፡ ጉዕዝኣ እንከይኸምበተት ተሓምሺሻ፡ 135 ዝጽግዑ ሰባት መይቶም።
8 ሓምለ: ቦይንግ 737 ኣብ ሱዳን ብዙሕ እንከይሰጎመት ሓደጋ ኣጋጢሙዋ፤ 115 ሰባት መይቶም። ሓደ ህጻን ቆልዓ ጥራሕ ድማ ውጻእ እዚ መዓት ኮይኑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
26 ግንቦት: ያርክ-42 ወተብሃለ ነፋሪት ዩክሬይን ኣብ ብላክ ሲ ጥሒሉ። 74 ሰባት በዚ ሓደጋ እነትሞቱ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን ናብ ገዝኦም ዝምለሱ ዝነበሩ ስፔናውያን ኣኽበርቲ ሰላም'ዮም ነይሮም።
8 ግንቦት፡ 170 ዝኾኑ ሰባት ከም ዝሞቱ ዝተጸብጸበ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዘጋጠመ ሓደጋ'ውን ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።
6 መጋቢት፡ ቦይንግ 737 ኣልጀሪያ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ታማንራሴት ምስ ተበገሰት ሓደጋ ዝገጠማ ኮይኑ፡ 102 ሰባት መይቶም።
19 ለካቲት፡ 276 ሰባት ሒዛ ትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት መጓዓዝያ ወተሃደራት ኢራን ተሓምሺሻ።
8 ጥሪ፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ቱርኪ 76 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ፡ ኣብ ዲያርባኪ ክትዓልብ'ያ ተሓምሺሻ።
2002
23 ታሕሳስ፡ ሰብ ሞያ ነፈርቲ ዝሓዘት ኣንቶኖቭ 140፡ ኣብ ማእኸላይ ኢራን ብዘጋጠማ ሓደጋ፡ 46 ሰባት ቀቲላ።
እዚ ልኡኽ ሰብ ሞያ፡ ኢራን ዝሰርሐቶ ተመሳሳሊ ነፋሪት ዘለዎ ብቕዓት ንምርኣይ'ዩ ዝጉዓዝ ነይሩ።
27 ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ዩክሬን፤ ልቪቭ ሓደጋ ዝበጽሓ ነፋሪት ውግእ 77 ሰባት ግዳያት ገይራ። እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ነፋሪት ተባሂሉ'ዩ ዝውሰድ።
1 ሓምለ፡ ኣብዝሓ ህጻናት ዝርከቡዎም 71 ሰባት ብነፋሪት ሩሲያ 154 ይጉዓዙ ነይሮም። እዞም ካብ ቤት ተምህርቲ ንዑደት ናብ ስፔን ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ደቡባዊ ጀርመን ምስ ቦይንግ 757 ተላቲሞ።
25 ግንቦት፡ ዋንነት ታይዋን ዝኾነት ቦይንግ 747 መገዲ ኣየር ቻይና ኣብ ጥቓ ደሴት ታይዋን ዝኾነት ፔንጉ ናብ ዝርከብ ባሕሪ ጥሒላ። 225 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታት ሒዛ ነይራ።
7 ግንቦት፡ 112 ሰባት ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ሰሜን ቻይና ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቻይና፡ ናብ ባሕሪ ጥሒላ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ቦይንግ 735 ነፋሪት ግብጺ፡ ክትዓልብ ክትብል ኣብ ከባቢ ቱኒስ 55 ሰባትን 10 ዝጽግዑ ሰራሕተኛታትን ሒዛ ተሓምሺሻ። መብዛሕትኦም ውጻእ እቲ መዓት'ዮም።
15 ሚያዚያ፡ ናብ ደቡብ ኮርያ ትበርር ዝነበረት፡ ቑጽሪ በረራ 129 መገዲ ኣየር ቻይና፡ ሓደጋ እንትበጽሓ፡ ልዕሊ 160 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታትን እያ ሒዛ ነይራ።
12 ለካቲት፡ ኣብ ምዕራብ ኢራን ዝተሓምሸሸት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢራን፡ 117 ሰባት ቀቲላ።
29 ጥሪ: ኣብ ጎቦ ኮሎምቢያ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 727፡ 92 ሰባት ቐቲላ።
2001
12 ሕዳር፡ ናይ መገዲ ኣየር ኣሜሪካ ኤ-300 ዶሞኒካን ሪፐብሊክ'ውን ግዳይ እዞም ሓደጋታት'ዩ። እዚ ሓደጋ ኩሎም ተሳፈርቲ ዝነበሩ 260 ሰባትን ኣብ መሬት ዝነበሩ ሓሙሽተ ዝጽጉ ሰባትን ቐቲሉ።
8 ጥቅምቲ፡ ስርዓት መገዲ ኣየር ስካንዲቪያን ዝኾነ ናብ መገዲ ኣየር ሚላን ይጉዓዘሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ጉዕዝኡ ብዘጋጠሞ ከቢድ ደመና ተዓፊኑ፡ ምስ ንኡሽቶ ነፋሪት ተላቲሙ፤ 118 ሰባት መይቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4 ጥቅምቲ፡ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ ሰርቢያ ኖቮሲቢርሲክ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ሩሲያ፡ ሓደጋ ምፍንጃር ኣጓኒፉዋ፡ ናብ ብላክ ሲ ጥሒላ። 78 ተጉዓዝትን ሰራሕተኛታት እቲ በረራን ድማ ግዳያት ኮይኖም።
3 ሓምለ፡ እዚ ሓደጋ ኣብ ጥቓ ሰርቢያዊት ከተማ ኢርኩትስ ዘጋጠመ እንትኾን፡ 133 ተጉዓዝትን 10 ሰራሕተኛታትን ግዳያት ዝኾንሉ ኣጋጣሚ'ዩ።
2000
30 ጥቅምቲ፡ ቦይንግ 747 መገዲ ኣየር ሲንጋፑር፡ ካብ ታይዋን መዕርፎ ነፈርቶ ታፒ ምስ ተበገሰት፡ ምኽንያት ሞት 78 ሰባት ዝኾነ ሓደጋ ኣጓኒፉዋ'ዩ። እዛ ነፋሪት፡ 179 ሰባት እያ ኣሳፊራ ነይራ።
23 ነሓሰ፡ ኤርባስ ገልፍ ኣብ ባሕሬን ክትዓልብ ክትብል ናብ ባሕሪ ጥሒላ 143 ሰባት ቐቲላ።
25 ሓምለ፡ ናብ ኒውዮርክ ትሓልፍ ዝነበረት በረራ መገዲ ኣየር ፈረንሳ፡ ካብ ፓሪስ ውጽእ ኢሉ ናብ ዝርከብ ሆቴል ተላቲማ። እዚ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ በረራ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት፡ 113 ሰባት ሞይቶምዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
17 ሓምለ፡ ቦይንግ 737-200 መገዲ ኣየር ኣሊያንስ፡ ኣብ ህንዲ ፓትና ክትዓልብ እንትትፍትን፡ ናብ ገዛውቲ ተላቲማ። በዚ ሓደጋ ኣብዛ ነፋሪት ዝነበሩ 51 ሰባት እንትትሞቱ፡ ካልኦት ኣርባዕተ ኣብ መሬት ዝነበሩ ሰባት'ውን ቀቲላ።
19 ሚያዚያ፡ ቦይንግ 737-200 ፍሊፒንስ፡ ካብ ማኒላ ናብ ዳቮስ ትጉዓዝ ነይራ። በረርኣ ወዲኣ ክትዓርፍ ኣብ ዝተቓረበትሉ እዋን ግን ሓደጋ ስለ ዘጓነፋ፡ 131 ተጉዓዝቲ መይቶም።
31 ጥሪ፡ ካብ ሜክሲኮ ናብ ሳንፍራንሲስኮ ትጉዓዝ ዝነበረት ኤምዲ-83 መገዲ ኣየር ኣላስካ፡ ኣብ ደቡብ ካሊፎርኒያ ናብ ዝርከብ ባሕሪ ጥሒላ። 88 ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ሰባት መይቶም።
30 ጥሪ፡ ካብ ኣቡጃ ዝተበገሰት ነፋሪት መገዲ ኣየር ኬኒያ ዝኾነት ኤ-310፡ ብዙሕ ከይተጉዓዘት'ዩ ሓደጋ ኣጓኒፉዋ። እዛ ኣብ ባሕሪ ኣትላንቲክ ዝጠሓለት ነፋሪት፡ 179 ሰባት ሒዛ'ኳ እንተነበረት እቶም 10 መይቶም፡ ዝተረፉ ጉድኣት በጺሑዎም።
1999
31 ጥቅምቲ፡ ናይ መገዲ ኣየር ግብጺ ቦይንግ 767 ካብ ኒውዮርክ መገዲ ኣየር ጂን ኦፍ ኬኔዲ ተበጊሳ ናብ ካይሮ ኣብ እትበረሉ እዋን፡ ኣብ ኣትላንቲክ ኦሽን ጥሒላ። ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 217 ሰባት ድማ መይቶም።
21 ለካቲት፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ደቡብ ምዕራብ ቻይና፡ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ግዝኣት ዝሄጂያንግ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ትሕምሸሽ። ኩሎም ኣሳፊራቶም ዝነበረት 61 ሰባት ድማ መይቶም።
1998
11 ታሕሳስ፡ ዋንነት ዓለማዊ መገዲ ኣየር ታይላንድ ዝኾነት ኤ-310 ናይ ውሽጢ ዓዲ በረራ ተካይደሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ሱራት ታኒ ሰለስተ ግዘ ክትዓርፍ ፈቲና እንተፈሽላ፡ ተሓምሺሻ 101 ሰባት መይቶም።
2 መስከረም፡ ካብ ኒውዮርክ ናብ ጄኔባ እትጉዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ስዊዛር ኤምዲ-11፡ ኣብ ኣትላንቲክ ጥሒላ 229 ሰባት መይቶም።
16 ለካቲት: መገዲ ኣየር ታይዋን ቻይና ዝውንና ኤርባስ ኤ300፡ ኣብ ከባቢ መገዲ ኣየር ቺያንግ ኪ-ሼክ'ዩ ሓደጋ ኣጓኒፉዋ። እዛ ነፋሪት ካብ ባሊ ኢንዶኖዢያ ተጉዒዛ ክትዓርፍ ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ደመናን ዝናብን ዓጊቱ ሒዙዋ ጸኒሑ።
ንምዕላብ ክሰምረላ ዘይክኣለ እዛ ነፋሪት፡ 196 ተጉዓዝቲ ሒዛ እንትትሕምሸሽ ኣብ መሬት ዝጸንሑ ሸውዓተ ሰባት'ውን ተመላሊኣ'ያ። ኩሎም ድማ መይቶም።
2 ለካቲት፡ 104 ሰባት ግዳያት ዝኾኑላ ነፋሪት ኬቡ ፓስፊክ ዲሲ9፡ ኣብ ሰሜን ፍሊፕንስ ናብ ዝርከብ ጎቦ ተላቲማ ተሓምሺሻ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







