ቀጸላ ኦዞን፡ ቻይና ዝተኣገደ ኬሚካል ምጥቃማ ኣብ ባህሪያዊ ከባቢ ዕንወት የውርድ ምህላው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምንጪ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ብብዝሒ ዝተራእየ፡ ንኦዞን (ንመሬት ካብ ተጓዳእቲ ጨረራት ጸሓይ ዝከላኸል ቀጸላ) ዘዕኑ ዘሎ ኬሚካል ካበይ ምዃኑ፡ ተመራመርቲ ከም ዘረጋገጹ ገሊጾም።
እዚ ሲኤፍሲ-11 ዝተብሃለ ኬሚካል ንምስራሕኣ ኣባይቲ ዘገልግል ኮይኑ፡ ካብ 2010 ንደሓር ተኣጊዱ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት፡ ምጥቃም እቲ ከሚካል ከምቲ ዝግባእ ከም ዘይነበረ ተመራመርቲ ገሊጾም።
እዚ ብቐንዱ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ዝካየድ ምፍራይ ጋዝ ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የርእይ።
ሲኤፍሲ-11 ሓደ ካብቶም ኣብ 1930ታት ንምፍራይ መዝሓሊት (ፍሪጅ) ዝማዕበለ ከሚካል እዩ።
እንተኾነ ግና እቲ ከሚካል ናብ ጠፈር ምስ ዓረገ ንቀጸላ ኦዞን ከም ዘዕንው ተመራመርቲ ድሒሮም እዮም በጺሖምዎ። ኣብ 1980ታት ኣብ ልዕሊ ኣንታርክቲካ እቲ ቀጸላ ዝነኾለሉ ከባቢ ረኺቦም።
ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ 1987 ብሞንትርያል ፕሮቶኮል ዝፍለጥ፡ ንዝበዝሑ ተጓዳእቲ ከሚካላት ዝእግድ ስምምዕ ከቲሞም።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ንፍቀ ኽቢ ዝተራእየ ነዃል ኣብ 2030፡ እቲ ናይ ኣንታርክቲካ ድማ ኣብ 2060 ምሉእ ብምሉእ ክውገድ ከም ዝኽእል፤ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይእምት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







