ቅልውላው ሱዳን፡ ስለምንታይ ኩነታት ሱዳን፡ ካብ ሪያድ ክሳብ ካይሮ ካብ ኣንካራ ክሳብ ሞስኮ የገድስ?

30 ግንቦት፡ ኣብ ሱዳን ካርቱም ንተቓውሞ ሰልፊ ዝወጽአት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሱዳን ዘሎ ወጥሪ፡ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ጎባልል ዓለም ዝኾና ሃገራትን ብቐረባ ይከታተልኦ

ኣብ ጎደናታት ካርቱም ሰለልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ብሓልታት ጸጥታ እታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን፡ ተኸላቢቶም፣ ተወቒዖም፣ ብጥይት ተወጊኦምን'ዮም።

ኣብ ሱዳን ዝተኸሰተ ደማዊ ዘይምቅዳው፡ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ስጉምቲ ክውሰድ 3 ሰነ መምርሒ ካብ ዘመሓላልፉ ንነጆ ኣብ ዘለው መዓልታት 113 ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ምስቶም ሰልፈኛታት ርክብ ዘለዎም ሓካይም ይገልጹ።

መንግስቲ ግን፡ ናይቶም 46 ሰባት ሞት ጥራሕ'ዩ ሐቒ ምዃኑ ዝኣምን።

ኣብ ሱዳን፡ ካርቱም ካብ ሪያድ ክሳብ ካይሮ፤ ካብ ኣንካራ ክሳብ ሞስኮ ዝበጽሕ ድልየት ረብሓ ናይ ደገ ሓይልታት ይምዕብል ኣሎ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብኛ ኦማር ጣይብ፡ እተን ጎንጺ ሱዳን ክብለጻሉ ዝደልያ ዘለዋ ሃገራት፡ እቲ ምዕባለ ብኸመይ ክጸልውኦ ይኽእላ ዝብል ከምዚ ዝስዕብ ተንቲኑዎ ኣሎ።

መራሒ ወተሃደራዊ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብ መካ፡ 1 ሰነ2019

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ወተሃደራዊ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ጀነራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሰልማን ኣብ መካ

ዘንጊ ስዑዲ ዓረብ-ሕቡራት ኢመራት- ግብ

ብሙሉኦም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝልዓሉ ዘለው ጎንጽታት መጻልኢ ሜድኦም ሱዳን ትኸውን ኣላ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ሞንጎ ስዑዲ ዓረብን ልፍንቲ ገልፍን ዘሎ ዞባዊ ምትፍናን ብሓደ ገጽ፡ ቱርኪን ቀጠርን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ።

ስዑዲን ሕቡራት ኢመራት ዓረብን ከምኡ'ውን ጎረቤት ሱዳን ዝኾነት ግብጺ፡ ኣብ ካርቱም ንዘለው ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ዓብዪ ሓገዝ ንክገብሩሎም ዘሰማምዕ ቃል ኣትዮሙሎም እዮም።

ኩለን እዘን ሃገራትን ኣብቲ ዞባ ፍሉጣት ዝኾኑ ምንቅስቓሳት እስላማዊ ጉጅለ ሙስሊም ብራዘርሁድ ጸቕጢ ንምፍጣር ፈቲነን'የን።

ሪያድን ኣቡዳብን፡ ካብ ደገ ኣታዊ ዝኾኑ መሰረታዊ ሸቐጣትን ንምድጓም 3 ቢሊዮን ዶላር ዝርከቦ ፋይናንሳዊ ሓገዝን ወተሃደራዊ ደገፍን ኣቕሪበን እየን።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ላዕለዎት ጀነራላት ሱዳን፡ ክረኽቡዎ ዝደልዩ ዲፕሎማሲያዊ ሓገዝ ንምጽናዕ፡ ኣብ ሪያድ፣ ኣቡዳብን ግብጽን ምብጻሕ ኣካይዶም'ዮም።

እዘን ሃገራት ድማ፡ ፕሬዝደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ናብዚ፡ ጽልውአን ይዓቢ ኣሎ።

ፕሬዝደንት ቱርኪ ኤርዶሃን ምስ ኣልበሽር ታሕሳስ 2017

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ቱርኪ ኤርዶሃን ምስ ኣልበሽር ታሕሳስ 2017

ቱርክን ጠርን

ቱርክን ቐጠርን ብኣንጻሩ እየን ዘለዋ። ቐጠር ምስዛ ኣፍሪቃዊት መሓዝኣ ዝኾነት ሱዳን ኣብ መግብን ሕርሻን መዋእለ ንዋይ ተውፍር ኣላ፡ ቱርኪ ድማ ናይ ኤርዶሃንን ኣል በሽርን ዝምድና ኣብ ምድልዳል'ያ ትኹረት ትገብር።

መጋቢት 2018፡ ቐጠር፣ ቱርክን ሱዳንን፡ ወደብ ስዋኪን ንምምዕባል ናይ ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ፈሪመን።

ኣብ ሓደ እዋን ብግዝኣት ኦቶማን ኣብ ዝተትሓዘ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ድማ፡ ንኡሽቶ ኣገልግሎት ሓይሊ ባሕሪ ቱርኪ ንምምዕባል ጻዕርታት ነይሩ።

ኣል-በሽር፡ ን30 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ክልቲአን ሃገራት ኣደልዲሉ ክሕዝ ዘኽእሎ ስራሕ'ዩ ሰሪሑ። ወተሃደራቱ ንስዑዲ ደጊፎም ኣብ የመን ንእትገብሮ ወፍሪ-ጸረ-ሑቲ (ብኢራን ዝድገፉ) ንክዋግኡ ገይሩ'ዩ።

ኣል-በሽር ኣብ 2015 ኣብ ስዑዲ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ምስ ኢራን ዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ በቲኹ ድሕሪ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ሃንደበት ኣብ ሱዳን ዝነበራ ማእኸላት ባህሊ ኢራን ክዕጸው ወሲኑ።

ወተሃደራዊ መራሕቲ'ውን ንስዑዲ ቐረባ ከም ዝኾኑ'ዩ ዝንገር፡ ብፍላይ መራሒ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን፣ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ።

ሰልፈኛታት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕብረት ኣፍሪቃ

ይኹን'ምበር ካብ መንጎ 'ዞም ክልተ ተጻባእቲ እኩባት ሓይልታት እዚኦም ሓደ'ኳ ምስቲ ኣብ ሱዳን ህዝባዊ ተቓውሞ ዘካይድ ዘሎ ልፍንቲ ዝፈጠረ የለን። ወይድማ ንዲሞክራስኣዊ ለውጢ ዘደንፍዕ ሓይሊ የለን።

እቲ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዝርአይ ዘሎ ዋዒ ዓመጽ፡ ብሽም ትካላት ሲቪክ ማሕበራት፣ ማሕበራት ንግዲ፣ ጸጋማውያንን ፓን-ዓረብ ሰልፊታት ዝተወደበ'ዩ።

እዚኦም ግን፡ ብሃገራት ምዕራብን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝድገፉ'ዮም። ሱዳን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከትእገድ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ውሳነ ከም ዘሕለፈ ዝዘከር እዩ።

እቲ ውሳነ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፡ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘረክብ ክጸንሕ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ግን፡ ኣደ መንበር ናይቲ ሕብረት ብዝኾነት ግብጺ ስለ ዝተኣማመንን እዚ ውሳነ ኣየስግኦን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ንመራሕቲ እቲ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን መራሕቲ ሰልፈኛታት ሱዳንን ከዘራርብ፡ ናብ ሱዳን ኣምሪሑ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቶም ሰልፈኛታት፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣቐዲሙ ዝበጽሖ ስምምዕ ኣፍሪሱ'ዩ ብምባል ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ምዝርራብ ኣይንደልን ኢሎም ነጺጎም'ዮም።

"እቲ ወተሃዳራዊ ቤት ምኽሪ ክንዛተ ዓዲሙና፤ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ድማ ኣብ ጎደና ንዝወጽኡ ሰልፈኛታት የፈራርሕ ኣሎ" ይብል መራሒ ሓይሊ ለውጥን ናጽነትን (DFCF) ማዳኒ ዓባስ ማዳኒ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

መራኽብ ኣብ ወደብ ሃርቦር 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩሲያ፣ ቻይናን ኣሜሪካን

ግደ ዞባዊ ጎብለላት ዝዓዘዘ ዝገብሮ ጉዳይ ከምእኒ አሜሪካን ሕብረት ኤውሮፓን ዝኣመሰሉ ዓለምለኻዊ ሓያላን ሃገራት ዝሕታለ እዩ።

ብመገዲ ስዑዲ-ዓረብ ኣቢሉ ምምሕደራ ትራምፕ እቲ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ጭቆናን ወጽዓን ጠጠው ንክብል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ካርቱም ጸቕጢ እንተፈጠረ'ኳ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን እትወስዶ መርገጺ ግን ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኮነን።

ብርግጽ ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ አሜሪካ ምስ ግብረ-ሽበራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ተኣሳሲሩ ብ1990ታት ኣብ ልዕሊ ሱዳን ተነቢሩ ዝጸንሐ ቁጠባዊ እገዳ ኣልዒላ እያ።

ሰራዊት ሱዳን ድማ፡ ኣብ ጉዳይ ምቅላስ ኣንጻር ግብረ-ሽበራን፡ ስደታኛታት ናብ ኤውሮጳ ከይሰግሩ ኣብ ምዕጋትን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ክተሓባበር ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ክዓስል ልዑል ድሌት ኣለዎም።

ሩስያ ዋላ ብ2005 ኣብ ሱዳን እገዳ ውዱብ ሕበራት ሃገራት ተነቢሩ እናሃለወ፡ ናብታ ሃገር ብርክት ዝበለ ኣጽዋራት ውግእ ትሸይጥ ነይራ እያ።

ካሊእ ተሪፉ ኣብ 2017፡ ሱዳን ስርሒት ሩስያ ዝኾነ ኤስዩ-35 ጄት ( ነፋሪት ውግእ) ካብ ሩስያ ብምዕዳጋ፡ ነዘነ ነፈርቲ እትውንን እታ እንኮ ዓረባዊት ሃገር ኮይና ነይራ'ያ።

ኩባንያታት ሪስያ ኣብ ሱዳን ኣብ ዕደና ወርቕን ነዳድን'ውን ክነጥፋ ጸኒሐን'የን።

ርክባት ቻይናን ሱዳንን'ውን ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተመስረተ እዩ።

ቻይና፡ ሃገረ ሱዳን ነዳዲአ ኣብ ረብሓ ከተውዕል ሓገዛ ዘበርከተት ኮይና፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ቴሌኮም፤ ኣብ ህንጸት ጽርግያታትን ኣባይትን'ውን ልዑል ወፍሪ ክትገብር ዝጸንሐት ሃገረ እያ።