ፕሬዝደንት ቱርኪ፡ ኣብ መርዓ ብሉጽ ኩዕሶ እግሪ መሱት ኦዚል ቦኽሪ ዓርኪ ኾይኑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት መርዓ ጀርመናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ መሱት ኦዚል፡ ፕሬዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይጵ ኤርዶሃን ቦኽሪ ዓርኪ [ዓርኪ ርእሲ] ኮይኑ።
ቱርካዊ መበቆል ዘለዎ ኦዚል፡ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምዝዛሙ ምስቲ ፕሬዝደንት ስእሊ ተሳኢሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቅዑ፡ ብዙሕ ተቓውሞ ገጢሙዎ ነይሩ።
በቲ ስእሊ ድሕሪ ዝገጠሞ "ዘርኣውነትን ዘይምኽባርን" ኢሉ ዝገለጾ ርኢይቶታት፡ ዓለማዊ ጸወታታት ኩዕሶ እግሪ ጠጠው ኣቢሉ'ዩ።
እዚ ወዲ 30 ዓመት ተጻዋቲ ማእኸል ጋንታ ኣርሰናል፡ ሚስ ቱርኪ ንዝነበረት ኣሚኔ ጉለስ'ዩ ትማሊ ተመርዕዩ።
ኣብ 2017 ዝተራኸቡ እንትኸውን፡ ወርሒ ሰነ 2018 ድማ ሕጸኦም ወግዓዊ ገይሮም።
ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ድማ፡ ኦዚል፡ ፕሬዝደንት ኤርዶሃን ቦኽሪ ዓርኪ ንክኾነኒ ክሓቶ'የ ኢሉ፤ ካብ ሃገሩ ጀርመን ተመሳሳሊ ተቓውሞ ገጢምዎ ነይሩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ዝኾነ ሄልግ ብራን፡ ኦዚል ምስ ፕሬዝደንት ቱርኪ ተራኺቡ ድሕሪ ዝበጽሖ ተቓውሞ ንዕኡ ቦኽሪ ዓርኪ ገይሩ ምሕጻዩ "የሕዝን'ዩ" ኢሉ።
ካብ ቀረባ እዋናት ናብዚ፡ ብፍላይ ኣብ ጎስጓስ ምርጫ፡ ኤርዶሃን ኣብ ናይ ፍሉጣት ሰባት መርዓ ክርከብ ጀሚሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ቱርኪ-ጀርመናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ካብ 2011 ጀሚሩ ደገፍቲ ጋንታ ጀርመን ብሉጽ ተጻዋቲ እታ ሃገራዊት ጋንታ ገይሮም እንትሓርዩዎ፡ ወናኒ 92 ዋንጫ'ዩ ነይሩ።
ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ኦዚል ብሰንኪ እታ ምስ ፕሬዝደንት ቱርኪ ኮይኑ ዝጠቅዓ ስእሊ፡ ተኣማንነቱ ንመን ከም ዝኾነ ከግህድ ኣለዎ ዝብል ተቓውሞ ገጢሙዎ።
ብድሕሪ እቲ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝበጽሖ ወቐሳ፡ ኦዚል ካብታ ሃገራዊት ጋንታ ዓርሱ ከም ዘግለለ ገሊጹ። ብመልእክቲ ጽሑፍ ኢሜይል ምፍርራሕን ጸርፍን ከም ዝገጠሞ'ውን ተዛሪቡ።
"ኣነ፡ እንትንስዕር ጀርመናዊ፡ እንትንሰዓር ግን ስደተኛ'የ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ኣብታ ጋንታ ዝነበሮ ዕውት ታሪኽ ከም ዝሕጎሰሉ ብምግላጽ፡ በቲ ዝበጽሖ መልእኽታት ግን፡ "ብድሕሪ ሕዚ ናይ ጋንታ ጀርመን ማሊያ ኣይኽደንን" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







