ጋሬት ክሩክስ ኣብዚ ሰሙን ንኦዚል፣ ኣጉዌሮ፣ ኣለንን ማሓሬዝን ብሉፃት ኢሉ ሓሪዎም'ሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዕድመ ንሰርጅዮ ኣጉዌሮ፥ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ ሲቲ ንኒው ካስትል ስዒራታ።
አርሴናል ያለ አሌክሲ ሳንቼዝም ቢሆን ፓላስን ያሸነፈ ሲሆን ዩናይትድ በርንሌይን ተርፍ ሙር ላይ አሸንፎ ተመልሷል። ሳንቼዝ ኣብ ዘይብሉ ዝተፃወቱ ኣርሴናል ተዓዊቶም፤ ዩናይትድ እውን ቀኒዑዎም።
ተንታኒ ስፖርት ጋሬት ክሩክስ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተርኣዩ ምሩፃት 11 ተፃወትቲ ሓርዩ'ሎ።
ሓላዊ ልዳት- ዊሊ ካባሌሮ (ቼልሲ)
ካባሌሮ ኣርባዕተ ሻዕ ክኣትዋ ንሕንጢጥ ዝተረፈን ኳዓሳሱ ኣድሒኑ፤ በዚ ድማ ርኡይ ሓላዊ ልዳት በምባል ሓርዩዎ'ዩ።
ተኸላኻሊ - ቪክተር ሞሰስ (ቼልሲ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሞሰስ ኣብ ህይወት ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ሰናይ ግዜ የሕልፍ'ሎ በሃላይ እየ ይብል ክሩክስ።
ንጋንታ ቼልሲ ዘለዎ ዓቕሚ ሕጥጥ ኣቢሉ ዝህብ ዘሎ ውፉይ ተፃዋታይ እዩ።
ተኸላኻሊ- ሃሪ ማጉዌር (ሌስተር)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማጉዌር ምስ ቼልሲ ኣብ ዝተኻይደ ግጥም ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ነይሩ፤ ትብዓቱ ምስ ዋትፎርድ እንትገጥሙ እውን ደጊሙዎ።
ተኸላኻሊ - ናቾ ሞንሪያል (አርሴናል)

ምንጪ ስእሊ, EPA
ንሞንርያል ሽቶ ስለዘእተወ እየ ሓርየዮ ይብል ጋሬት ክሩክስ።
ብፍላይ ኣብዞም ውሕዳት ዓመታት ሞንሪያል ንኣርሴናል እሙን ተፃዋቲ እዩ ብምባል ድማ ወዲሱዎ።
ማእኸላይ - ዊሊያን (ቼልሲ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ባትሹዋይ፣ሃዛርድን ዊሊያንን ዝነበረ ውህደት መስደመም ነይሩ።
ኣፈፃፅማ ዊሊያን ድማ ተኣምር እዩ።
አማካይ - ጆ አለን (ስቶክ)

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጆ አለን ኣብ ስቶክ ቀልቢ ዝስሕብ ፀወታ የርእይ ምህላዉ ታሓጕሰ ኣለኹ።
ምስ ሃደርስፊልድ ኣብ ዘካየድዎ ግጥም ክእለቱ ቁልጭ ኣቢሉ ኣርእዩና እዩ።
ማእኸላይ - ኬቪን ደ ብሩይን (ማንቸስተር ሲቲ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ተፃዋቲ'ዚ ኣብቶም ዝሓለፉ ቅንያት ኣብ ዝርዝር ምሩፃት ኣይተሰርዐን ነይሩ፤ ምናልባሽ ብሰንኪ ኣብ ቅነ ልደት ዝተፈጠረ ምድርራብን ፅዕንቶን ክኸውን ይኽእል።
ማእኸላይ - ሜሱት ኦዚል (አርሴናል)

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣሌክሲ ሳንቼዝ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሳገረሉ ዘሎ እዋን ተፃወትቲ ኣርሴናል ኣብ ፅቡቕ ብርኪ እዮም ዘለዉ።
ቀዳም ኣርሴናል ዘመዝገብዋ ሽቶ ካብ ኣሌከሳንደር ላካዜት ዝተረኸበት እያ፤ ይኹን እምበር ኦዚል እዩ ፈትፊቱ ሂብዎ።
ኣጥቃዓይ - ኤዲን ሃዛርድ (ቼልሲ)

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሃዛርድ ናብ ጎን ገፀ ብምኻዱ ንሌዊስ ደንክንን ፓስካል ግሮስንን ኣፍዚዙ ሰለስተ ተኸላኸለቲ ከዓስልዎ ጀሚሮም፤ ኮይኑ ግና ኣይሰመረሎምን።
ኣጥቃዒ - ሰርጂዮ አጉዌሮ (ማንቸስተር ሲቲ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሰርጂዮ ኣጉዌሮ ሓደ ካብቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ንፉዓት ኣጥቃዕቲ እየ ዝቖፀሮ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ብኸመይ ኮኸብ ተፃዋቲ ኮይኑ ክሕረ ብዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ እየ ሓሪቐ።
ኣጥቃዒ- ሪያድ ማህሬዝ (ሌስተር)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማሓሬዝ ናብታ ናይ ቀደም ብቕዓቱ ንኽምለስ ግዜ ወሲዱሉ፤ ንሕና ድማ ብዓቕሊ ተፀቢናዮ ይብል ጋሬት ክሩክስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







