ጋሬት ክሩክስ ኣብዚ ሰሙን ንኦዚል፣ ኣጉዌሮ፣ ኣለንን ማሓሬዝን ብሉፃት ኢሉ ሓሪዎም'ሎ

Willy Caballero

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዊሊ ካባሌሮ (ቼልሲ)

ዕድመ ንሰርጅዮ ኣጉዌሮ፥ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ ሲቲ ንኒው ካስትል ስዒራታ።

አርሴናል ያለ አሌክሲ ሳንቼዝም ቢሆን ፓላስን ያሸነፈ ሲሆን ዩናይትድ በርንሌይን ተርፍ ሙር ላይ አሸንፎ ተመልሷል። ሳንቼዝ ኣብ ዘይብሉ ዝተፃወቱ ኣርሴናል ተዓዊቶም፤ ዩናይትድ እውን ቀኒዑዎም።

ተንታኒ ስፖርት ጋሬት ክሩክስ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተርኣዩ ምሩፃት 11 ተፃወትቲ ሓርዩ'ሎ።

ሓላዊ ልዳት- ዊሊ ካባሌሮ (ቼልሲ)

ካባሌሮ ኣርባዕተ ሻዕ ክኣትዋ ንሕንጢጥ ዝተረፈን ኳዓሳሱ ኣድሒኑ፤ በዚ ድማ ርኡይ ሓላዊ ልዳት በምባል ሓርዩዎ'ዩ።

ተኸላኻሊ - ቪክተር ሞሰስ (ቼልሲ)

Victor Moses

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሞሰስ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ዓመታት ኣብ ሕድሕደን ሸቶ የመዝግብ'ሎ

ሞሰስ ኣብ ህይወት ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ሰናይ ግዜ የሕልፍ'ሎ በሃላይ እየ ይብል ክሩክስ።

ንጋንታ ቼልሲ ዘለዎ ዓቕሚ ሕጥጥ ኣቢሉ ዝህብ ዘሎ ውፉይ ተፃዋታይ እዩ።

ኸላኻሊ- ሃሪ ማጉዌር (ሌስተር)

Harry Maguire

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማጉዌር ኩዕሶ ብምምንጣል ኣብ ሌስተር መሰታ ኣይረኸበን

ማጉዌር ምስ ቼልሲ ኣብ ዝተኻይደ ግጥም ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ነይሩ፤ ትብዓቱ ምስ ዋትፎርድ እንትገጥሙ እውን ደጊሙዎ።

ኸላኻሊ - ናቾ ሞንሪያል (አርሴናል)

Nacho Monreal

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ናቾ ሞንሪያ ምስ ክሪስታል ፓላስ እንተገጥሙ ኣብ ዝኣተዋ ሰለስተ ስቶታት ግደ ነይሩዎ

ንሞንርያል ሽቶ ስለዘእተወ እየ ሓርየዮ ይብል ጋሬት ክሩክስ።

ብፍላይ ኣብዞም ውሕዳት ዓመታት ሞንሪያል ንኣርሴናል እሙን ተፃዋቲ እዩ ብምባል ድማ ወዲሱዎ።

ማእኸላይ - ዊሊያን (ቼልሲ)

Willan

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዊሊያን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብቐዳም ንመበል 50 ግዜ ተፃዊቱ

ኣብ መንጎ ባትሹዋይ፣ሃዛርድን ዊሊያንን ዝነበረ ውህደት መስደመም ነይሩ።

ኣፈፃፅማ ዊሊያን ድማ ተኣምር እዩ።

አማካይ - ጆ አለን (ስቶክ)

Joe Allen

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, አለን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓማውቲ 8 ሽቶታት ኣእትዩ

ጆ አለን ኣብ ስቶክ ቀልቢ ዝስሕብ ፀወታ የርእይ ምህላዉ ታሓጕሰ ኣለኹ።

ምስ ሃደርስፊልድ ኣብ ዘካየድዎ ግጥም ክእለቱ ቁልጭ ኣቢሉ ኣርእዩና እዩ።

ማእኸላይ - ኬቪን ደ ብሩይን (ማንቸስተር ሲቲ)

Kevin de Bruyne

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሎምዘበን ክንዲ ኬቪን ደ ብሩይን ናብ ሸቶ ዝተቐየራ ኳዓሳሱ ዘቐበለ ተፃዋቲ የለን

እዚ ተፃዋቲ'ዚ ኣብቶም ዝሓለፉ ቅንያት ኣብ ዝርዝር ምሩፃት ኣይተሰርዐን ነይሩ፤ ምናልባሽ ብሰንኪ ኣብ ቅነ ልደት ዝተፈጠረ ምድርራብን ፅዕንቶን ክኸውን ይኽእል።

ማእኸላይ - ሜሱት ኦዚል (አርሴናል)

Mesut Ozil

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኦዚል ሎምዘበን 58 ዕድላት ዝፈጠረ ብሉፅ ተፃዋታይ እዩ

ኣሌክሲ ሳንቼዝ ናብ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ዝሳገረሉ ዘሎ እዋን ተፃወትቲ ኣርሴናል ኣብ ፅቡቕ ብርኪ እዮም ዘለዉ።

ቀዳም ኣርሴናል ዘመዝገብዋ ሽቶ ካብ ኣሌከሳንደር ላካዜት ዝተረኸበት እያ፤ ይኹን እምበር ኦዚል እዩ ፈትፊቱ ሂብዎ።

ኣጥቃዓይ - ኤዲን ሃዛርድ (ቼልሲ)

Eden Hazard

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሃዛርድ፥ ኣብ ታሪክ ቼልሲ ሓደ ካብ መንጎ ዝለዓለ ሽቶ ዘመዝገቡ ሰለስተ ተፃወትቲ ብምዃን ተሰሪዑ'ሎ።

ሃዛርድ ናብ ጎን ገፀ ብምኻዱ ንሌዊስ ደንክንን ፓስካል ግሮስንን ኣፍዚዙ ሰለስተ ተኸላኸለቲ ከዓስልዎ ጀሚሮም፤ ኮይኑ ግና ኣይሰመረሎምን።

ኣጥቃዒ - ሰርጂዮ አጉዌሮ (ማንቸስተር ሲቲ)

Sergio Aguero

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰርጂዮ ኣጉዌሮ ድሕሪ 2015 ትማሊ ቀዳም ሃትሪክ ኣመዝጊቡ

ንሰርጂዮ ኣጉዌሮ ሓደ ካብቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ንፉዓት ኣጥቃዕቲ እየ ዝቖፀሮ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ብኸመይ ኮኸብ ተፃዋቲ ኮይኑ ክሕረ ብዘይምኽኣሉ ብጣዕሚ እየ ሓሪቐ።

ኣጥቃዒ- ሪያድ ማህሬዝ (ሌስተር)

Riyad Mahrez

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማሓሬዝ፥ ክኢላ ጥበብ ኩዐሾ

ማሓሬዝ ናብታ ናይ ቀደም ብቕዓቱ ንኽምለስ ግዜ ወሲዱሉ፤ ንሕና ድማ ብዓቕሊ ተፀቢናዮ ይብል ጋሬት ክሩክስ።