ሱዳን፡ ሰልፈኛታት ሱዳን ነቲ ዓጊቶሞ ዝነበሩ መስመር መተሓላለፊ ነዳዲ ክኸፍትዎ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰብ መዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ምስቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብን ናብን መስመር ነዳዲነም ጭቃ ነዳድን ዘመሓላልፍ መስመር ብምዕጻው ተቃውሞኦም ከስምዑ ዝጸንሑ ሰልፈኛታት ናብ ሓደ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ገሊጾም።
እቶም ካብ ሕብረተሰብ ቤጃ ዝኾኑ ሰልፈኛታት፡ ነቲ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ብሱዳን ኣቢሉ ንደገ ዝለኣኽ ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ መስመርን ናብ ሱዳን ጭቃ ነዳዲ ዝኣትወሉ መስመርን ብምዕጻው ንሳምንታት እዮም ተቃውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም።
እቶም ተቃወምቲ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝተፈላላየ ተቃወምቲ ሓይልታት ሱዳን ዝፈረሞ ውዕል ሰላም ንዓና ኣየካተተን ብምባል እዮም ተቃውምኦም ከስምዑ ጸኒሖም።
ካብ ግዝያዊ መንግስቲ ሱዳን ዝተወከሉ ልኡኻት መንግስቲ ምስቶም ተቃወምቲ ከም ዝተዘራረቡ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ሞንጎ እቶም ወከልቲ መንግስትን ዓበይቲ ዓዲ ሕብረተስብ ቤጃን ብዝተገበረ ዝርርብ፡ እቶም ሰልፈኛታት ነቲ ብወደብ ባሻየር ዝኣቱን ዝወጽእን ነዳድን ጭቃ ነዳድን ንኽሓልፍ ግዝያዊ ስምምዕ ተገይሩ ኣሎ።
ወደብ ባሻይር ናብ ወደብ ፖርት ሱዳን ዝቐረበ ኮይኑ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ደገ ዝስደድ ነዳዲ ዝጽዓነሉ፡ ሱዳን ካብ ደገ ጭቃ ነዳዲ ተእትወሉን ወደብ እዩ።
ዓበይቲ ዓዲ ሕብረተሰብ ቤጃ፡ ድሕሪ እዚ ግዝያዊ ስምምዕ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣመልኪቶም ንመንግስቲ ሱዳን ጠለባቶም ንኸስምዑ ቆጸራ ሒዞም ኣለዉ።
ልኡኻት መንግስቲ ሱዳን ኣቀድም ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ሓደ ስምምዕ ከይተበጽሐ ካብ ወደብ ፖርት ሱዳን ከም ዘይንቀሳቀሱ ሓቢሮም ነይሮም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







