ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝሓዝዎ ቦታ 'ደፊአ መሊሰዮም' ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ክሊ ሱዳን ብሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣበርዒኑ ንድሕሪት ከምዝመለሶ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን፡ ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ 'ፍሹል' ፈተነ ዕልዋ፡ ኣብቲ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ዘርኣዮ ግብረመልሲ ንሃገር ክሳብ ክንደይ ይከላኽል ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ ኢሉ።
መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝፈተነሉ ቦታ ኡም ባራኪት ኣብ ዝብሃል ቦታ ምዃኑ ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኢትዮጵያ ነዚ ብሱዳን ዝተወሃብ መግለጺ መልሲ ንኽህበሉ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።
እንተኾነ ኣልጀዚራ፡ ንመንግስታዊ ምንጪ ናይ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ መንግስቲ ኢትዮጵያ " ኣብ ዶብ ሱዳን ዝኾነ ወተሃደራዊ ምንቕስቃስ ይኹን ብሰራዊትና ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣይነበረን" ምባሉ ገሊጹ።
ኡም ባራኪት ኣብቲ ንኢትዮጵያን ንሱዳንን ዘሰሓሕበን ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ቦታ ወጥሪ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ'ዩ ዝኸርር ዘሎ።

ኣብቲ ሱዳን 'ናተይ እዩ ትብሎ' መሬት ንዝሓልፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሓረስቶት ኢትዮጵያ እዮም ክጥቀምሉ ጸኒሖም።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ወጥሪ ካብ ዘበረኸ ካልእ ክስተት፡ እቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ምምላእ ምስ ጀመረት ኮይኑ፡ ሱዳን ምስ ግብጺ ብምዃን እቲ ዓቢ ግድብ ሃዳሰ ንመጠን እቲ ናብአን ዝፈስስ ማይ ክንክዮ እዩ ዝብል ምጉት'የን ዘቕርባ።
እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሕዳር ዝጀመረ ኩናት'ውን ንርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከይጸለዎ ኣይተረፈን፡ ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ተጸሚደ እንከለኹ'ያ ሱዳን ንኣልፋሺጋ ሒዛቶ" ኢላ ብምኽሳስ፡ ናብ ዘተ ንክቐርባ ሱዳን ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሕዳር ዝነበረቶ ቦታ ንክትምለስ ዝጠልብ ቅድመ ኩነት'ያ ኣቕሪባ ዘላ።
ሱዳን ብወገና ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረብ ቅድመ ኩነት ብምንጻግ፡ ኣብ መሬተይ እየ ዘለኹ ዝብል መልሲ እያ ሂባ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ኣልፋሺጋ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ምልውዋጥ ቶዂሲ ክካየድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሱዳን ካብ መወዳእታ ዝሓላፈ ዓመት ኣትሒዛ ሰራዊታ ኣብቲ ኸባቢ ኣኽቲታ ትርከብ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ምልሻታት ክልል ኣምሓራን ኣብቲ ዘሰሓሕብ ቦታ ምንቅስቃስ ይገብሩ ምህላዎም ምግላጹ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







