ቀንዲ ፖለቲካዊ ክስተታት ኢትዮጵያ ዓመተ 2013

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ቀረባ ዓመታት ታሪኻ ብውሽጣዊ ጉዳያትን ናይ ወጻኢ ጸቕጥን እቲ ኣዝዩ ከቢድ ዝበሃል ዓመት እያ ኣሕሊፋ፡፡
ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኲናትን ስዒቡ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላውን፣ ሓደጋ ጥምየት፣ ሞት ሰላማውያን ሰባት፣ ዘተ ግድብ ህዳሰ፣ ምስ ሱዳን ዝኣተወቶ ናይ ዶብ ወጥሪ፣ ሃገራዊ መረጻን ‘ኦነግ ሸኔ’ን ቀንዲ ዛዕባታት ኢትዮጵያ ኣብ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ነይሮም፡፡
ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት ኢትዮጵያ ንዘጓነፉዋ ገሊኦም ብደሆታት ክንርእይ፡፡
ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ
እቲ ቅድሚ 10 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ እዩ፡፡
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ተቐቲሎም፤ ሚልዮናት ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም፤ ኣማኢት ኣሻሓት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም፡፡ ቁጽሮም ብትኽክል ዘይተፈለጠ ዜጋታት ድማ ዝተፈላለዩ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ተፈጺምዎም፡፡

ምንጪ ስእሊ, EBC
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ሰዓታት ለይቲ ኣብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ወጺኡ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዝነበረ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳስ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ከምዝሃበ ተዛሪቡ፡፡
ምዕራባውያን ድማ ሽልማት ሰላም ካብ ዝወስድ ዓመት እኳ እንተይመለኦ ናብ ኲናት ኣትዩ ኢሎም ኣቆናጸብዎ፡፡ ሃገራትን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን እቲ ኲናት ቀልጢፉ ደው ክብል ጻውዒት ምግባር ጀመሩ፡፡
እታ ሃገር ግን ‘‘ሕጊ ምኽባር’’ ኢላ ዝጸወዐቶ ወፍሪ ቀጸለት፡፡
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎኖም ዘሰለፉ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልቲታት ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ተቖጻጺሮም፤ መንግስቲ ፌደራል ድማ እቲ ወፍሪ ተዛዚሙ ክብል ኣወጀ፡፡
ካብ ከተማ መቐለ ወጺኦም ኣብ በረኻታት ትግራይ ዝዓረዱ መራሕቲ ህወሓትን ሓይልታት ትግራይን ግን ቃልሶም ቀጸሉ፡፡
ኣብ መንጎ እዚ መንግስቲ ፌደራል ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኢሉ ብምጥያስ ንትግራይ ንምምሕዳር ዝገበሮ ጻዕሪ ክንድዝድለ ውጽኢት እንከየምጸአ ተሪፉ፡፡
ድሕሪ ኣዋርሕ ግና መንግስቲ ፌደራል ከይተሓሰበ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ብምእዋጅ ካብ ክልል ትግራይ ብድልየተይ ወጺአ ኣለኹ ክብል ብሚድያታቱ ኣዊጁ፡፡ ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦም ድማ ሓረስታይ ትግራይ ናይ ሕርሻ ማእቶቱ ከሳልጥን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተዓናቐፍን ዝብሉ ነይሮም፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብፍላይ ብሽም ወፍሪ ኣሉላ ካብ ተምቤን ክሳብ ፊናርዋ ብዘካየድዎ ወታሃራዊ ወፍሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሳዒሩ ከምዝወጸ ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይ ግና ነቲ መንግስቲ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ ንምቕባል ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጦም ቃልሶም ቀጺሎም፤ ንገለ ክፋላት ኣምሓራን ዓፋርን ድማ ተቖጻጺሮም፡፡
ካብቶም ዝቐጠሙዎም ቅድመ ኩነታት ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ባንክን መጓዓዝያን ክጅመሩ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወጹን ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረዩን ዝብሉ ይርከብዎም፡፡

ዶባዊ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን
ኣብ 2013 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ናብ ኲናት ከምርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዝፈጠረ ነይሩ፡፡
እቲ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ናይ ስግግር መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመጽእ ኣብ ምዝታይ ዓብዪ ኣበርክቶ ዝነበራ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ እዋን ምስቲ መንግስቲ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሓርፊፉ እዩ፡፡
ርክብ እተን ሃገራት ብምኽንያት ይግበኣኒ ዝብለኦ ዶብ፣ ህንጸትን ኦፕሬሽንን ግድብ ህዳሰን ወጥሪ ዓሲልዎ፡፡
ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ምንቅስቓሳ ስዒቡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ዝሰሓሓባሉ ዘለዋ ከባቢታት ተቖጻጺሩ፡፡
ሱዳን ሰራዊታ ክትስሕብ ኢትዮጵያ ደጋጊማኳ እንተሓተተት ሰበስልጣን ሱዳን ግን ግዝኣቶም ከምዝኾነ ብምግላጽ ኣብቲ ልሙዕ ከባቢ ኣልፋሽጋ ህንጸት መሰረተ ልምዓት የሳልጡ ኣለዉ፡፡
ሱዳን ኣብ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ዝነበራ ቅዋም ብምልዋጥ እውን ኣብ ጎኒ ግብጺ ተሰሊፋ፡፡

ምንጪ ስእሊ, PM Abiy Facebook Page
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ
ምዝዛም ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ካብቶም ኣብ 2013 ዓ/ም ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ባህታ ዝፈጠሩ ክስተታት ሓደ ነይሩ፡፡
በቲ ፍጻመ ዝተቖጥዓ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ግና ምስ ደገፍተን ብምዃን ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ናብ ባይቶ ጸጥታ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበነኦ፡፡
ሕቡራት ሃገራት እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ኣንፈት ኣቐሚጡኳ እንተነበረ፡ በቲ ሕብረት ዝተመርሑ ዘተታት ግን ዝረብሕ ውጽኢት ኣየምጽኡን፡፡
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ዶናልድ ትራምፕ እውን ግድብ ህዳሰ ዝምልከት አዘራራቢ ርእይቶ ዝሃበ ኣብዚ ዓመት እዩ ነይሩ፡፡
ኣብዚ ኩሉ ወጥሪ ግን ኢትዮጵያ ህንጸት እቲ ግድብ ትቕጽሎ ከምዘሎ እያ ትገልጽ፡፡
ኦነግ ‘ሸኔ’
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮምያን ጎረባብቲ ክልላትን ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ካብ መንበሪኦም ተፈናቒሎምን እዮም፡፡
ነዚ ተሓታቲ ድማ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎን ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕል ዕጡቕ ጉጅለ እዩ፡፡
ኣብዚ ዓመት ምስ ህወሓት ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ዝተበየነ ሸኔ፡ ምስ ህወሓት ብሓባር እንጻር መንግስቲ ንምቅላስ ዝተሰማምዕሉ እውን ኣብዚ ዓመት እዩ ነይሩ፡፡
እቲ ጉጅለ ብስፍሓት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ፣ ጉጂን ምዕራብ ሸዋን ሰበስልጣን መንግስቲ ሓዊሱ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ብምፍንቓልን ብሰበስልጣን ክኽሰስ ጸኒሑ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጥቃዕትን ምፍንቓልን
ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማይ ካድራ፣ ኣኽሱምን ጭናን ካብ ዝተፈጸሙ ጃምላዊ ቅትለታት ብተወሳኺ ኣብ ቤንሻንጉልን ምዕራብ ኦሮምያን ብዙሓት ዜጋታት ተቐቲሎም እዮም፡፡
ኣብ ቤንሻንጉል ዞባ መተከል ወረዳ ቡለን ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 200 ዜጋታት ብዕጡቓት ተቐቲሎም፡፡
ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንተወለድቲ ኦሮሞ፣ ኣምሓራን ሺናሻን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ተፈጺሞም እዮም፡፡
ካብ ቤንሻንጉል ወጻኢ ሸኔ ብዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ከባቢታት ጉሊሶ፣ ኣቤ ደንጎሮ፣ ኣሙሩ፣ ኣባይ ጮመን፣ ኪራሙ. . . ብዙሓት ተወልድቲ ኣምሓራ ብምኽንያት መንነቶም ተቐቲሎም እዮም፡፡
ብተወሳኺ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣጣየ፣ ኣብ መዋሰኒ ከባቢታት ዓፋርን ሶማልን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ ነይሩ፡፡
መረጻ 2013
ኢትዮጵያ ኣብ ስግኣት ኲናት ኮይና ኣብዚ ዓመት መረጻ ኣካይዳ እያ፡፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ግን ብምኽንያት ጸገም ጸጥታን ቀረብን ዜጋታት ኣየድመጹን፡፡
ካብ ውሱናት ከባቢታት ወጻኢ እቲ መረጻ ሰላማዊ ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ገዛኢ ውድብ ንባይቶ ወከልቲ ብዙሓት መናብር ረኺቡ እዩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, © EVAN SCHNEIDER
ርክብ ወጻኢ ኢትዮጵያ
2013 ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ ርክብ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ዝወደቐሉን እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጽዕንቶ ፈጣርነት ዝጎደለሉን ኮይኑ ሓሊፉ፡፡
ሰብኣዊ ቅልውላው ትግራይ፣ ህንጸት ግድብ ህዳሰን ምስ ሱዳን ዝተጀመረ ናይ ዶብ ምስሕሓብን ዲፕሎማሲ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝፈተኑ ነይሮም፡፡
ብፍላይ ብምኽንያት ኲናት ትግራይ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን ብተደጋጋሚ ልኡኻቶም ናብ ኢትዮጵያ ሰዲዶም እዮም፡፡
ኣመሪካ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ወታሃደራውን ሲቪል መራሕትን ናይ ጉዕዞ ክልከላ ኣንቢራ እያ፡፡ ብተወሳኺ ንኢትዮጵያ እትህቦ ዝነበረ ናይ ድሕነትን ቁጠባን ሓገዝ ከምዘቋረጸት ኣፍሊጣ፤ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ'ውን እገዳ ኣንቢራ።
ሕቡራት ሃገራት እውን ኣብ ጉዳይ ትግራይ ሸሞንተ ግዘ ከምዝተኣከበ ዝዝከር እዩ፡፡









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







