ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ተከዘ ዝተረኽበ ሬሳታት ናይ ተጋሩ ምዃኑ ሰብመዚ ሱዳን ገሊጾም

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሱዳን፡ ምስቲ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽበ ሬሳታት ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ብምጽዋዕ ከምዘዘራረበት ተፈሊጡ።

ሰበስልጣን ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ እቲ ቅድሚ ሓያሎ ሳምንታት ዝተረኽበ 29 ሬሳታት ናይ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኑ ነቲ ኣምባሳደር ከምዝገለጽሉ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም ኣእዳዎም ንድሕሪት ዝተኣስረ ሬሳታት ኣብቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ክፋል ፈለግ ተከዘ ምርካቦም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን ፖሊስ ሱዳን ካብቲ ኣብታ ሃገር 'ሰቲት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ወሓዚ ሩባ ተከዘ ሬሳታት ምውጽኡ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰን ፈለማ ወርሒ ሓምለን ከምዝተረኽበ ነቲ ኣምባሳደር ከምዝተሓበሮ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ግዳያት ብኸመይ ኣገባብ ከምዝሞቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እቲ ሬሳታት በቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን፡ ዋድ ኣል-ሓለው ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ክልለ ከምዝተኻእለ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ'ኳ እንተዘየለ፡ እቲ ሬሳታት ቅድሚ ምርካቡ ግን "ኣጋዋሕቲ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ናይ ሓሶት ምስሊታትን ዝተሰነዐ ስእልታትን ብምጥቃም ኣብ "ሑመራ ጨፍጫፍ' ተፈጺሙ ዝብል ወፍሪ ደጊሞም የለዓዕሉ ኣለዉ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

እታ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን እትርከብ ከተማ ሑመራ፡ ኣብ ፈለማ ኲናት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ፈደራል፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራን ምእታዋ ይዝከር።

ነበርቲ ናይቲ ንሑመራ ዘጠቓለለ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈላለየ ዓመጻትን ምግሃስ መሰላትን ከምዝፍጽሙ ይኸሱ። ሰብመዚ ኣምሓራ ግን ነቲ ክሲ ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ድሕሪ ምውልዑ፡ ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ካብቲ ክልል ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናብ ክልላት ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ኣምሓራን ተጠውዮም ይዋግኡ ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።

ድሕሪ'ቲ መግለጺ መብርሂ ዝሃበ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከምዝቐነሰ'ኳ እንተሓበረ፡ እቶም ዝተረፉ ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ።

ዝምድና ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሰንኪ ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ሻሕኪሩ ምህላዉ ይፍለጥ።