ኣብ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ዝርከብ ሩባ ተከዘ ብዙሓት ሬሳታት ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ

ሩባ ተከዘ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ዶብ ሱዳን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ ሩባ ተከዘ ብዙሓት ሬሳታት ከምዝተረኽቡ ብወገን ሱዳን ዝቕመጡ ነበርቲ ሓቢሮም። ገለ ካብቶም ሬሳታት ናይ ጥይት ማህረምቲ ገሊኦም ድማ ኢዶም ተኣሲም ከምዝተረኽቡ ተገሊጹ።

እቶም ሬሳታት፡ ኣንጻር ሓልታት ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ማእከላይ መንግስቲ ተሰሊፎም ዝዋግኡ ዘለው ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራን ሓቢሮም ዝዋጉኡሉ ከባቢ ሩባ ሰቲት [ተከዘ] ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ካብ ትግራይ ሃዱሙ ናብ ሱዳን ዝኣተወ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ዓሰርተ ሬታታት ባዕሉ ከምዝቐበሮም ንሮይተረስ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ 28 ሬሳታት ካብቲ ሩባ ከምዝወጸኣን ካልኦት ሾውዓተ ሬሳታት ድማ ትማሊ ሰኑይ ከምዝቐበረን ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን ካልኦት 50 ሬሳታት ኣብ ሩባ ሰቲት ጸንበለል ክብል ከምዝተረኽበ ማዕከን ዜና ኤፕ ንሰብመዚ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ጸብጻብ ወግዓዊ መግለጺ ክሳብ ሕጂ ኣይሃበን ዘሎ።

እንተኾነ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ትዊተር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ናይ ሓሶት ምስልታት ብምጥቃም ኣብ ሑመራ'ስኑዕ ህልቂት' ተፈጺሙ ዝብሉ ፕሮፓጋንዳታት ካብ ደገፍቲ ህወሓት ይወጽእ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።

ሑመራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝርከባ ከተማታት ሓንቲ እያ።

ነቲ ኲናት ስዒቡ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዘቕርበሎም ግዝኣታት ምዕራብ ትግራይ ተቖጻጺሩ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ምምዝባላትን ግፍዕታትን ከምዝተፈጸሙ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ኣብ ወርሒ የካቲት፡ ኒውዮርክ ታይምስ፤ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ ተመርኲዙ ኣብ ዝሰርሖ ጸብጻብ፡ "ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሚሊሽታት ኣምሓራ ምጽናት ዓሌት የካይዱ ኣለዉ፤ ብዓሰርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝኣተዉዎ ኣይፍለጥን፤ ብዙሓት ገዛውቲ ድማ ዓንዩ" ኢሉ ነይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ "ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም" ኢሉ ንፍሉይ ሓይልታትን ምልሻን ኣምሓራ ብምኽሳስ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ምሕታቱ ይዝከር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ምጽናት ዓሌት 'ጻዕዳ ሕሶት' ኢሉ ብምንጻግ፤ እቶም ሓይልታት ካብቲ ካባቢ ይውጽኡ ንዝብል ሕቶ፡ 'ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብዝብል ኣይተቕበሎን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጭቡጥ ዘይኮነ ናይ ሕሶት ክሲ" ዝብል ምላሽ ሂብሉ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020 ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ ይርከብ።

ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።

ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።

ንዝሓለፉ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሕጂ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓኹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተመዛቢሎም ከምዘለው ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩ ንድሓር መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽሮም ከም ዘእተው ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ፌደራል ድማ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጁ ምህላው ይገልጽ።

ሓደ ካብ ኣዛዝቲ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይዱዎ ዘሎ ውግእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ጸቕጢ ንምሕዳርን ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩለመደያዊ ዕገታ ንምኽፋትን ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል፡ ክሳብ ሕጂ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት፡ መንግስቲ ፌደራል ተጻብኦታት ጠጠው ንምባል ሓይልታት ትግራይ ዘቐመጡዎ ቅድመ ኹነት ተቐቢሉ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ንክመጽእ ዘገድድ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኖም ምስ ቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕተት ኣብሪሁ።