ቅልውላው ትግራይ፡ ኔድ ፕራይስ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, MANUEL BALCE CENETA
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ንምባል ክልቲኦም ወገናት ብዘይቅድመ ኹነት ብህጹጽ ተዅሲ ጠጠው ከብሉ ጸዊዑ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ብምውጻእ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝኣወጀ ምግላጹ ይዝከር።
ይኹን'ምበር፡ እቶም ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ዝኣተው ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረ ቦትኦም ክሳብ ዘይተመለሱ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዘይቕበሉዎ ኣፍሊጦም።
ብሮቡዕ ዝወጽአ መግለጺ ናይቲ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ'የ ዝብል ኣካል ድማ ደጊሙ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ብደረጃ መትከል ከም ዝቕበሎ ኣረጋጊጹ።
እንተኾነ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ፣ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝወሃብ ዓመታዊ በጀት 2013/2014 ዓ.ም ከፍቅድ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክኽፈት ዝብሉ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነት ጠሊቡ ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ ተኹሲ ደው ንምባል ዝተመሓየሹ ነጥቢታት ክብል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ድማ፡ ኣብቲ ኣቲናዮ ዘለና ኩናት ንኢትዮጵያ ክመርሕ ይኹን ከመሓድር ዝኽእል ሕገመንግስታውን ሕጋውን ቅቡልነት ዘለዎ ኣካል ስለዘየለ ኩሎም ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍ ሓድሽ ናይ ስግግር እዋን ፖለቲካዊ ምትዕርራይ ክግበር ምስምማዕ የድልየና ክብል ገሊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ቕቡልነት ዘለኒ ሕጋዊ መንግስቲ ዝመርሕ ኣነ'የ ዝብል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ግበረ ሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ቤት ጽሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ዋላ'ውን እቲ ኲናት ይቕጽል እንተሃለወ መንግስቲ ሕጂ'ውን ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዘኽብር'ኳ እንተገለጸ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ፌደራል ንዘተ "ክቱር ድልየት ከም ዘለዎ ብምምሳል" ካብ ዝተፈላለያ ክልላት እታ ሃገር ሓይልታት ብምትእኽኻብ እቲ ጎንጺ ንክጋገድ ይገብር ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ኔድ ፕራይስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን ኩሎም ወገናት ነቲ ጎንጺ ካብ ዘጋድዱ ዘረባታት ክእርነቡ ሓቲቱ።
ወሲኹ ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለው ወገናት ኣፈላላዮም ዝፍታሕ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይኮነ ብዝርርብ'ዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሉ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ግጭት ናብቲ ክልል ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤት ዝበጽሓሉ መገዲ ከመቻችኡ፣ ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮምዩኒኬሽንን ባንክን ዳግም ክጅምሩ ሓቲቱ።
ኔድ ፕራይስ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ ግን ዝበሎ ነገር የለን።
ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወጻእን ኣቶ ደመቀ መኮንን ምስ ካናዳዊ መዘንኡ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ፡ መንግስቲ ጸገማት ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ንምፍታሕ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝኣወጀ ተዛሪቡ ነይሩ።
ይኹን'ምበር ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ብምፍጻም እቶም መስመራት ብምዕጻው እቲ ንሰላም ዝቐረበ ጻውዒት ኣባኺኑዎ'ዩ ክብል ይኸስስ።
ህወሓት ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ኣንጻር ኣብ ጎኒ ማእከላይ መንግስቲ ተሰሊፎም ዝገጥሙ ዘለው ሚሊሻን ፍሉይ ሓይልን ኣምሓራን ካልኦት ክልላትን ዝተገብረ ውግእ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ረድኤት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ መገዲታት የፍርስን ይዓጹን ኣሎ ክብል ይኸስስ።
እቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ሕጂ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሑኽ እንከሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ረድኤት ዝጽዓና ቓፍላታት ንምንቅስቓስ ከም ዝተጸገመን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመን ገሊጹ ነይሩ።
ነዚ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግን የለን።
ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝሊይ ብሰሉስ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ግን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዘለዎ ክዙን መግቢ ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ይውዳእ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ምግቢ ንዘድልዮም ሰባት ሓገዝ ንምቕራብ ኣብ መዓልቲ 100 መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከም ዝግባእ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን 170 መኻይን ምግቢ ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋር ተዓጊተን ክንቀሳቐሳ ከም ዘይኽኣላ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ሰባት ይጠምዩ ከም ዘለዉ ዝገለፀ ዴቪድ ቢዝለይ፡ እዘን ተዓጊተን ዘለዋ መኻይን ክንቀሳቐሳ ክፍቀደለን ፀዊዑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ስደተኛታት መግብን ማይን ክውዳእ ከም ዝኽእል ምግላጹ ይዝከር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







