ሱዳን ሰራዊታ ካብቲ ሒዙዎ ዘሎ ንኽልቲኤን ዘሰሓሕብ ቦታታት ከተውጽእ ኢትዮጵያ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, MFA
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሱዳን ሰራዊታ ካብቲ ዝሓዞ "ግዝኣት ኢትዮጵያ" ክወጽእ ጸቕጢ ክገብር ኢትዮጵያ ጸዊዓ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት መዓስከራትን ድልድላትን ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣምባሳደር ዲና ኣብ መግለጺኡ፡ ሱዳን ነቲ ኣብ 1972 ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከተኽብር ተማሕጺኑ።
እቲ ዶባዊ ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ጥራይ ክፍታሕ ከም ዘለዎ'ውን ተዛሪቡ።
ሱዳን ብወገና፡ እቶም ዘሰሓሕቡ ቦታታት ናታ ምዃኖም'ያ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣፈኛ ብዛዕባ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሃገሩ ነቲ ኣብ 2015 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ዝተበጽሐ መሰረት ህንጸት ትቕጽል ምህላዋ ጠቒሱ።
ብዛዕባ፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ምስ ህወሓት ዝምድና ዘለዎም ሓይልታት "ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን መጥቃዕቲ ምፍናዎም ነቲ [መንግስቲ ዝኣወጆ] ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝፍትን" እዩ ኢሉ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ህወሓት ነቲ [በይናዊ] ምቁራጽ ተጻብኦታት ከኽብር ጸቕጢ ክገብር ኣለዎ" ክብል ድማ እቲ ኣፈኛ ገሊጹ።
ብሮቡዕ'ውን ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ሕጂ'ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ገሊጻ።
መንግስቲ ነዚ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተኣወጀ ተኹሲ ጠተው ናይ ምባል ኣዋጅ ከም ዘኽብር'ውን ሓቢራ ነይራ።
ህወሓት ቅድም ኢሉ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝቕበል ክገልጽ እንከሎ፡ ንዝበዝሕ ከባቢታት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቦትኦም ምስ ዝምለሱ ንዘተ ቕሩብ ከም ዝኸውን ቅድመ ኩነት ኣቕሪቡ።
ትማሊ ዝወጽአ መግለጺ ናይቲ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ'የ ዝብል ኣካል ድማ ደጊሙ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝቕበሎ ኣረጋጊጹ።
እንተኾነ ኣብቲ ክልል ዝተቛረጹ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ፣ መንግስቲ ፌደራል ንትግራይ ዝወሃብ ዓመታዊ በጀት 2013/2014 ዓ.ም ከፍቅድ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዘኽእል ኩለ መዳያዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ክኽፈት ዝብሉ ዝርከቡዎም ቅድመ ኩነት ጠሊቡ ኣሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ግበረሽበራዊ ጉጅለ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
ብኻልእ ወገን ንግዳያት ኣብ ገለ ከባቢታት ዝተራእዩ ግጭታት ንነፍሲ ወከፍ 200,000 ብር ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ኣፈኛ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 42 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ካብ ሱዕዲ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ተወለድቲ እቲ ክልል ዝኾኑ ተመለስቲ ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ከም ዘይክኣሉ ጠቒሱ።
ኩሎም ተመለስቲ ክሳብ ናብቲ ዝመጽሉ ከባቢታት ክሳብ ዝምለሱ ዝጸንሕሉ ማእከላት ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ንግዳያት ጭውያ ዝኾኑ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎም እቲ ኣምባሳደር ተዛሪቡ።
ካብ 2017 ጀሚሩ፡ ኣስታት 415,000 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







